MAP

ር. ሊ. ጳ. ፦ ኣገልግሎት ማርያም ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ዓሚቝ ተስፋ ይገልጸልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ "ኢየሱስ ተስፋና ኢዩ!" ዘርእስቱ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተገልጸ ሥነ መለኮታዊ ሓይላት ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈጻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ 22 ጥሪ 2025

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተምህሮኦም ብዛዕባ ድንግል ማርያም ብምትኳር፣ ከምኡውን ተስፋ ኣብ ህይወታ ብኸመይ ከም ዘሰነያን፣ ንተግባራታ ብኸመይ ህያው ከም ዝገበሮን ኣስተንተኑ።

ኣብቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንድንግል ማርያም ወዲ ኣምላኽ ከም እትወልድ ዘበሰራ ስም ውን ዘተኮረ ኣስተንትኖ ውን ገብሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሳ ኣብ ዘይትፈልጥ ኣብ እስራኤል ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቍሸት ናዝሬት፣ መልኣከ እግዚኣብሔር ናብ ድንግል ማርያም መጺኡ ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረበላ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ተልእኾ ማርያም ብኸመይ ከም ዝጀመረ ኣስተንተኑ። እዚ ድማ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሲሕ ናብ ሓንቲ ጓል ጽዮን ከም ዚመጽእ ንምእዋጅ እዩ እዚ ግልጸት እዚ ዝተዋህበ ድማ በሉ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፡

ናይ ዕለቱ ንባብ ፦ ወንጌል ሉቃስ 1፡26-33      

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ሎሚ ነቲ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል እንገብሮ ዘሎና “ኢየሱስ ተስፋና ኢዩ!” ዝብል ተኸታታሊ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።

ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ኣብ መኽፈቲ ወንጌሉ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ እታ ንዮሴፍ ተሓጽያ ዝነበረት ድንግል ማርያም እትበሃል መንእሰይ እትነብረሉ ዝነበረት፣ ኣብ ድኻ መንበሪ ብዛዕባ ዝበጽሕ ለዋጢ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ዘሕደሮ ጽልዋ ገለጹ።

ድሕሪ ኢየሩሳሌም፣ ቅዱስ ገብርኤል ዝስሙ መልኣኽ ናብ ሓንቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሳ ዘይትፈልጥ ቍሸት፣ ማለት ናብ ናዝሬት ተላእከ ። እዛ ቍሸት እዚኣ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ኣብ፣ ሓደ ምሕድግ ዝበለ ቦታ እስራኤል እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት እያ ዝንበረት።

ኣብኡ ኸኣ እዩ እቲ መልኣኽ ፈጺሙ ዘይርዳእካ ቅርጽን ትሕዝቶን ዘለዎ መልእኽቲ ሂዙላ ዝመጸ፣ ልቢ ማርያም ከኣ ተናወጸን ተረበሸን። ኣብ ክንዲ እቲ ልሙድ ዝነበረ፣ "ሰላም ምሳኺ ይኹን" ዚብል ብሉጽ ሰላምታ፣ ገብርኤል ንድንግል "ተሓጐሲ!" ክብል ሰላምታ ኣቕረበላ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ታሪኽ ኣብሊጽካ ዚርአ ምሕጽንታ እዩ፣ ከመይሲ ነብያት፣ መሲሕ ናብ ጓል ጽዮን ከም ዚመጽእ ኪእውጁ ኸለዉ ይጥቀሙሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ ዝነበረ ( ሰፎ 3፡14፣ ዮኤል 2፡21-23 ዘካ 9፡9)። እዚ ሰላምታ እዚ እቲ ምርኮ [ባቢሎ] ምስ ተዛዘመ፣ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝኣወጀሎም ሓጐስ ኢዩ ዝነበረ፣ ጐይታ ኸኣ [በዚ ቃል እዚ] ህላወኡን ንጡፍ ተግባራቱን ከም ዝስምዖም ገበረ ።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን [ቅዱስ ሉቃል]፣ ኣምላኽ ንማርያም ኣብ ታሪኽ ቅዱስ መጽሓፍ ብዘይፍለጥ ፍቕራዊ ስም ከም ዝጸውዓ ገይሩ ኣቕሪቡልና ኣሎ። እዚ ኸኣ ኬካሪቶመን (kecharitoméne) እዚ ማለት ድማ "ምልእተ ጸጋ" ማለት ኢዩ ዝነበረ። እዚ ስም እዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ሓደ ሰብ ከም ዝሃድር፣ ኣብ ልቢ ማርያም ውን ከም ዝመልአ ይገልጽ። ንሳ ክሳዕ ክንደይ "ጸጋ መሊኣ" ከም ዘላን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ከም ዝሰርሓን፣ ብምፍጻም ብሉጽቲ ተግባር ኣእዳዉ ኸም ዝገበራን ዝገለጽ ኢዩ።

ኣምላኽ ድማ በዚ ንማርያም ጥራይ ዘወፈዮ ፍቕራዊ ሳጓ ጸዊዑ "ኣይትፍዊ!" ዝብል መልእኽቲ ዘቕርበላ፣ እዚ ከአ ንዅሎም እቶም ኣገዳሲ ተልእኾ ዝህቦም ኣገልገልቱ ዝብሎ ቃል ኢዩ ዝነብረ። ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንሙሴን ንኢያሱን "ኣይትፍርሁ!" በሎም (ዘፍ 15፡1 ፣ 26፡24 ፣ ዘዳ 31፡8 ፣ እያሱ 8፡1)። እቲ "ዅሉ ዚኽእል" ኣምላኽ፣ እቲ "ዘይከኣሎ ዘይብሉ፣" (ሉቃ 1፡37) ኣብኣ፣ ኣብ ማርያም ሓደረ፣ ምስኣ ውን ኮነ፣ ንሱ ዘሰንያን ቀንዲ መሻርኽታን ኮነ፣ እቲ ዘለኣለማዊ "ምሳኺ ኢየ!" በላ (ዘፍ 28፡15 ፣ ዘጽ 3፡12 ፣ መሳ 6፡12)።

ብድሕርዚ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቲ ፍጻሜ ጥንታዊ ትንቢታት ዝኾነ መሲሓዊ ንግስነትን ባህርይን እቲ ሕጻን ዜመልክት፣ ሓያሎ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ዚርከብ ጥቕስታት ኣብ ልባ ከም እትዝክሮ ይገብራ ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመጸ ቃል፣ ንማርያም፣ ኣደ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጽበይዎ ዝነበሩ፣ ኣደ መሲሕ ወዲ ዳዊት ከም ዝዀነት እዩ ዚገልጽ። ንሱ ብሰብኣውን ስጋውን መገዲ ዘይኰነስ ብመለኮታውን መንፈሳውን መገዲ እዩ ድማ ዝነግስ። ስሙ ድማ "ኢየሱስ" ክበሃል ኢዩ፣ ትርጕሙ ኸኣ "ኣምላኽ የድሕን" ማለት እዩ (ሉቃ 1፡31፣ ማቴ 1፡21)፣ እቲ ንኵሉ ሰብ ዜድሕን፣ ሰብ ዘይኰነስ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ንዘለኣለም ኬዘኻኽረና ቃል ውን ኢዩ። እወ ነቲ ብነብዪ ኢሳይያስ "ንሱ ዘድሓኖም እምበር ልኡኽ ወይስ መልኣኽ ኣይኰነን ። ጐይታ ብፍቕሩን ብድንጋጸኡን ተበጀዎም፣ ኣልዒሉ ውን ጾሮም" (ኢሳ 63፡9)[ንዝበሎ ቃል ውን የዘኻኽረና]።

እዚ ፍልይ ዝበለ ኣደነት እዚ፣ ንማርያም ኣናወጻ ። መስተውዓሊት ሰበይቲ ስለ ዝዀነት ድማ፣ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ስለ ዘንበበት ከአ (ሉቃ 2፡19 ፣ 51)፣ እንታይ የጋጥማ ኸም ዘሎ ክትርዳእ ትጽዕር ነበረት። ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝመሃሮ፣ ድንግል ማርያም ናብ ደገ ዘይኰነስ ናብ ውሽጢ እያ እትጥምት (De vera religione 39፣ 72)። ኣብኡ ኸኣ ብኽፉትን ርሕሩሕን ልባ ነቲ ፍሉይ "ጰንጠቈስጠ" ዘዳለዋ ኣምላኽ፣ ምሉእ ብምሉእ ንኽትውከል ዝቐረበላ ዕድመ እትሰምዕ ኢያ። ልክዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ፍጥረት (ዘፍ 1፡ 2)፣ ኣምላኽ ንማርያም ብመንፈሱ ገይሩ ኺከናኸና እዩ ዚደሊ፣ እዚ ሓይሊ እዚ ንናጽነት ደቂ ሰብ ከይጠሓሰን ከይዓመጸን፣ ነቲ ዕጹው ዝነበበረ ክኸፍት ዝኽእል እዩ፣  ንሱ "ደበና" ህልውናኡ ኺኸድና እዩ ዚደሊ(1 ቆሮ 10፡1-2)፣ ከመይሲ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኣ ሰለዝሓደረ፣ ንሳ እውን ኣብኡ እትነብር ክንዲ ዝኾነት።

ከምቲ ቲዮፋነስ ኣብ ቀኖና ብስራት ዝበሎ፣ ማርያም እታ "ብዙሕ መብራህቲ ዘለዋ መቓርዝ" ብምዃና፣ ብተኣማንነት እተብርህ ኢያ። [ማርያም] ድማ ኢዳ ሃበት፣ ተኣዘዘት፣ ማሕደሩ ውን ኮነት፣ - ንሳ "ኣምላኽ ዝሓድረላ ናይ ሕጹኖቱ ክፍሊ" እያ። ማርያም ነቲ ቃል ብስጋ ስለ እተቐበለቶ፣ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተዋህበ እቲ ዝዓበየ ተልእኾ ጀመረት ። ከም ባርያ ዘይኰነትስ፣ ከም ተሓባባሪት ኣቦ ኣምላኽ ኰይና፣ ከምቲ ኣብ መርዓ ቃና ዝገበረቶ፣ ነቲ ውህበት መለኮታዊ መዝገብ ዝዀነ መርዓ ቃና ዘገሊላ ንምምሕዳር ክብርን ስልጣንን ዝመልኣ መሳርሕቲ ኣምላኽ ኰይና ተገልግል ኣላ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሓት ብኽልቲኡ ኣእዳዋ ነቲ መለኮታዊ መዝገብ በረኸት ክቕበሉ ይኽእሉ ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ድንግል ማርያም ኣደ መድሓኒናን ኣዴናን፣ ነቲ መለኮታዊ ቃል ኣእዛንና ኽንከፍተሉ፣ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎን፣ ክንሕብሕቦን ንመሃር ። እዚ ቃል እዚ ኸኣ ንልብና ናብቲ ማሕደሩ ዝኾነ መንበረ ታቦት ህላዊኡ ክቕይሮን፣ ከምኡ ውን ነቶም ዝደኸሙን ተስፋ ዜድልዮምን ሰባት ተቐባሊ ልቢ ክገብሮ እዩ ።

22 Jan 2025, 12:28