ር. ሊ. ጳ.፡ ኣብ ሱዳንን ኮሎምብያን ሰላም ክሰፍን ምሕጽንታ ኣቕረቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብቲ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን እተኸስተ ግጭት መወዳእታ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም። እዚ ግጭት እዚ ኸኣ "ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣሲዒቡ ኣሎ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ከይተረፈ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ኣለዎ " በሉ ።
ነቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዘለዉ ተዋጋእቲ ጕጅለታት፣ ነቲ ውግእ ደው ከብልዎን፣ ኣብ ሰደቓ ዘተን ውዕላትን ኮፍ ክበሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ውን ብወገኑ ነቲ ናይ ሰላም ዝርርባት ክድግፍን ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ከቀላጥፍን ድማ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።
"ምስ ህዝቢ ኽልቲአን ሃገራት ጥብቕ ርክብ ኣሎኒ፣ ናብ ሕውነትን ከምኡ ውን ካብ ኵሉ ዓይነት ዓመጻ ንኽርሕቁን፣ ንገዛእ ርእሶም ክቆጻጸሩን እዕድሞም ኣሎኹ" ውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ኮሎምብያ፣ ኣብ ካታቱምቦ ዝበሃል ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ዅነታት እውን ዘለዎም ሻቕሎት ውን ገለጹ።
"ምሳታቶም ዘሎኒ ቅርበት እገልጸሎምን እጽልየሎምን ኣሎኹ" ውን በሉ።
ጸረ-ሴማዊነት ዘስዓቦ ራዕዲ
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነታ ሰንበት እቲኣ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ለምጺ ተዘኪሩ ይውዕል ከም ዘሎ ዘከሩ፣ ንዅሎም እቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምስ ሕብረተሰብ ክተሓባበሩ ድማ ኣተባብዕዎም።
ከምኡ ውን ነዚ ሎሚ ሰኑይ ተዘኪሩ ዝዕል ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁዳውያን ኣመልኪቶም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ እዛ ዓመት እዚኣ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ምውጻእ ሓርነት ካብ መዳጐኒ ደምበ ኦሽዊትዝ ኮይና ከም እትኸብር ውን ገለጹ ።
ኣብነት ናይታ ኣብ ሮሜ እትነብር ኢዲት ብሩክ እትበሃል ሃንጋሪዊት ገጣሚት ብምዝካር ውን ከምዚ በሉ - "እቲ ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ንብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣይሁድን ካልኦት ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ንዝኾኑ ምጽናት ዘስዓበ ዓመጻ ፈጺሙ ክርሳዕ ወይ ክከሓድ የብሉን።”
ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን ኣብቲ "ብዙሓት ሰማእታት" ዝነበሩሉ መዳጐኒ ደምበታት ብግፍዒ ሥርዓት ናዚ ኸም እተቐትሉ ገለጹ።
"ኵሉ ሰብ ነቲ ዘጸይፍ ጸረ-ሴማዊነትን፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን፡ ሃይማኖታዊ ስደትን ንምጥፋእ ብሓባር ክዓዪ ዘቕረብክዎ ምሕጽንታ አሐድሶ ኣሎኹ" በሉ። ብሓባር ኴንና ንመንእሰያት ብመንፈስ ሕውነትን ይቕሬታን ሰላማውን ክፉት ልብን ከማዕብሉ እናመሀርና፣ ዝያዳ ሕውነትን ፍትሕን ዘለዋ ዓለም ክንሃንጽ ንኽእል ኢና" ውን በሉ።
ኢዮቤል መራኸቢ ብዙሓን
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ኢዮቤል መራኸቢ ብዙሓን ንኺሳተፉ ናብ ሮሜ ዝመጹ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ነቶም ጋዜጠይናታን ከኣ "ወትሩ ኣዘንተውቲ ተስፋ ኹኑ" ክብሉ ውን ኣተባብዖም።