ር. ሊ. ጳ.፦ ኢዮቤል ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ እንሕድሰሉ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናብታ ኣብ ናዝሬት እትረከብ ዝነበረት ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝገበሮ ምብጻሕ ዚገልጽ፣ ካብ ወንጌል ሉቃስ እተወስደ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ ኣስተንተኑ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንሰማዕቱ ዘገረሞምን፡ ኣብ ሕቶ ዘእተዎምን እንካብ ትንቢት ኢሳይያስ እተወስደ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ፣ እቲ ትንቢት ከም እተፈሰ ዝኣወጀሉ እዋን ከም ምኹኑ ውን ኣመልከተሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብታ ህሞት እቲኣ ኢየሱስ፣ ንደቂ እታ ኸተማ ዝዀኑ ሰባት፣ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ወሳኒ ሕቶ ከም ዝሓቱ ገበሮም - "እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ዶ ኣይኮነን? ከመይ ቢሉ ኢዩ ደኣ ንዘይኮነ ኢየ ዝብለና ዘሎ? ወይስ ብሓቂ እቲ ንህዝቢ ኻብ ሓጢኣጢኣትን ካብ ኵሉ እከይን ኬድሕን ብኣምላኽ እተላእከ እቲ መሲሕ እዩ?"
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ህዝቢ ናዝሬት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰምበዱን ከም ዝተደናገሩን ሕስብ እሞ ኣብልዎ - "እቲ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ዝመስሎም ነበረ፣ ንሱ እቲ ኣእምሮኦምን ልቦምን ኣብ ክንዲ ከም ዝኽፈት ዝገብሮም፣ ልክዕ ከምቲ ንብርሃን ዝኽልል መጐልበቢ ኮይኑ ከልከሎም ። "
ግዜኡ ዘይሓለፈ ብድሆ
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ሎሚ እውን እንተ ዀነ እዚ ወንጌል እዚ ንኣመንቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ዘለዎም ርድኢ ክጋጠሙ ኢዩ ዝዕድሞም።
"እዚ ፍጻመ እዚ ሎሚ ንዓና እውን ሓደ ብድሆ ይኾነና እዩ!" ውን በሉ፣ ንሕና እውን ኒየሱስ ከም እንፈልጦ ጌርና ብምሕሳብ ኣብ ዘይሓሰብናዮ መጻወድያ ኽንወድቕ ከም እንኽእል ውን ገለጹ።
"ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ምስኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ቍምስና፡ ብካቶሊካዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምዕባይና. . . ልክዕ ከማኡ ንዓና እውን ኣብ ጥቓና ወይ ኣብ ቀረባና ዘሎ ኣካል እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንቶኦም ክርስትያን ምእመናን ንየሱስ ከም ወዲ ኣምላኽን መድሓንን ብሓቂ ኣፍልጦ ዝህቡሉ እንተ ደኣ ኮይኖም ገዛእ ርእሶም ክሓቱ ኣተባብዖም ።
"ነቲ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ዚዛረበሉ ዝነበረ ፍሉይ ስልጣን ንርድኦ ዲና?" ክብሉ ውን ሓተቱ። "ንሱ እቲ ኻልእ ኪህበና ዘይክእል ኣዋጅ ድሕነት ዘበስረና ምዃኑ ንፈልጥ ዲና?"
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንዅላትና ድሕነት ከም ዘድልየና ኸነስተንትን ይዕድሙና፣ እዚ ዝኸውን ድማ፣ እዛ ዓመት እዚኣ ዓመት ጸጋና ኽትከውን ከም እትኽእል ምስ እንኣምን ጥራይ ከም ምዃኑ ድማ ገለጹልና።
ናብ ማርያም ምምላስ
ቅዱስ ኣቦ ኣብ መደምደምታ ነቶም ምእመናን ካብታ ኣደ ኣምላኽ ዝዀነት ማርያም ኣብነት ሃሰስ ክብሉ ብምትብባዕ፣ "ንኢየሱስ ምእንቲ ኸነለልዮ ብምትእምማን ናብ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽን ኣዴናን ንጠምት" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።