ር. ሊ. ጳ. ንኣሕሉቕ ዘርኣ ክህነታት፣ ነቲ ኣብ ሥነ መዕበያ ዘሎ ብዝሓውነት ተቐበልዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕዮ ናይቶም ኣብ ዘርኣ ክህነታት ዘገልግሉ ዘለዉ፣ ምስ ኣገልግሎት ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሊቀ ካህናት ኤሊ ብምምስሳል፣ ነቲ ኣብ ቤተ መቅደስ ዝነበረ መንእሰይ ሳሙኤል፣ ኣምላኽ ንዘቕረበሉ ጻውዒት ምላሽ ንኽህብ ከም ዝመርሖ ገለጹ።
ንጳጳሳት፡ ካህናት፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ መምህራን ከምኡውን ሰራሕተኛታት ዝሓቘፈ፣ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ትምህርታዊ ማሕበረሰብ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ፣ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ካብ ዘርኣ ክህነታት ሓሊፉ ቍምስናታትን፡ ምንቅስቓሳትን ከምኡ ውን ስድራ ቤታት ዘካተተ ከም ዝኾነ ገለጹ።
"ሥነ መዕበያ ንዅሉ ስፍሓት ሰብኣውነት ዝትንክፍን፣ ናብ ተልእኾ ክመርሓሉን ክኸውን ኣለዎ" ውን በሉ።
ሰብኣዊ ርክባትን ተኣማንነትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ስድራቤታዊ ሃዋህው ንምህናጽ ኣቦነትን ሕውነታዊ ባህርን ብምኹስኳስ ከም ዝብጻሕ እንክገልጹ "እዚ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ከማዕብል ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ውጽኢታዊ ሜመያ ጸዋዕታ ንምፍጻም ኣድላዪ ኢዩ" በሉ።
ዘርኣ ክህነታትን ካብ ብሃውሪ ዝግበር ምምዝዛን ናጻ ዝኾነ ቦታ ክኸውንን፣ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ገዛእ ርእሶም ክኾኑሉ ዝኽሉ ሃዋህው ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ።
ፍሉይነት ከም ውህበት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ነቲ ኣብዚ ዘመና ዘሎ፣ ኣብ እተፈላለየ ክሊ ዕድመ፡ ባህሊ ከምኡውን መንፈሳዊ ተመክሮታት ዝርከቡ በብዓይነቶም ዝኾኑ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ናብ ዘርኣ ክህነት ዝኣትዉ ሕጹያትን ደግፍዎም ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
"በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ዘለና ምዃና ኣይትፍርሁ" ብምባል ድማ ከም ህያብ ገይሮም ክቕበልዎ ተማሕጸንዎም ።
ብዛዕባ ግላዊ ምቅርራብን፣ ኣብ ውልቃዊ ጉዕዞ ዝገብር መሰነይታን ውን ኣድላዪ ምዃኑ ብምሕባር፣ከምዚ በሉ - “ንኻልኦት እንቕበለሉ ሥነ-ትምህርቲ፣ ከም ኣሕዋትን ኣድላዪ ንዝኾነ ነገራትን ሓድነትን ከም እነማዕብል ዝገብር ውሕስነት ይዀነና ኢዩ።"
ሰለስተ ቐንዲ ቐዳምነት ዚወሃቦ ነገራት
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ኻህናት ንምዅስኳስ ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ብዛዕባ ሰለስተ ነገራት ገለጹ - እቶም ሕጹያት ብእምነትን ግብረ - ሰናይን ብርሃኖም እናኣንጸባርቑ፣ ብገዛእ ርእሶም ናይ ምፍራድን ናይ ምውሳንን ክእለት ንኸማዕብሉ ዘኽእሎም ውሽጣዊ ናጽነት የድልዮም፣ ከምኡ ውን ሰብኣዊ ብስለት፣ ካብ መጠኑ ዝሓለፈ ነቓጽነትን ወይ ስምዒታዊ ምምዝባል ንምክልኻል፣ ከምኡውን ትዕግስቲ ንምግባር ዘድሊ ኢዩ ። ኣብ መወዳዕታ ድማ ንተልእኾ ዘዓለመ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ቅኑዕ ዕላማ ክህነት ዘመልክትን ኣብ ወፈያ ገዛዕ ርእስን፡ ትሕትናን ዘተኵር፣ ንክርስቶስን ኣገልግሎት ሕዝቢ ኣምላኽን ዘማእከለ ህይወት ከም ዝህልዎም ዝገብር ኢዩ።"
ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ "ንኣምላኽን ንቤተ ክርስትያንን ዘለዎም ፍቕሪ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምስልጣንን ምዕባይን ምኽንያት ክትከውን ኣይተፍቅዱሎም" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ሓደ ከም ጣዎስ (peacock) መሲሉ ዚመላለስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰብ እንተ ርኢኹም፣ እዚ ጽቡቕ ኣይኰነን" ክብሉ ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።