MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፡ ‘ኢዮቤል ከም ብሓድሽ ክንጅምር ይዕድመና’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝለገስዎ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤልም ተስፋ፥ ኢዮቤል ኣብ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ መንግስቲ ኣምላኽ ሱር ዝሰደደ ናይ ሓድሽ ጅማሮ ግዜ ምዃኑ ኣብነት ናይቲ "ዓብዪ ነብዪ ተስፋ" ዮሃንስ መጥምቕ ተወኪሶም የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ቀዳም ዕለት 11 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ነጋዲያን ኣብ ዝለገስዎ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፥ ንኢዮቤል ከም ናይ ጸጋ ህሞት መቓን ገይሮምዎ ክርእይዎ እዚ ድማ "ዳግማይ ምጅማር" ዝብል ዕድመ ምዃኑ ገሊጾም፥ ንኽልቲኡ ጻውዒት ተግባርን መዘኻኸሪ ሕመረት ኢዮቤልን ከም ዝኾኑን እዚ ድማ ኩሉ ሰብ ካብቲ ናይ መወዳእታ ምንጪ ተስፋና ዝኾነ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክጅምር ዕድል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ ምግባር ከም ብሓድሽ ምጅማር ማለት እዩ

ተስፋ፡ መሰረት ሕመረት ቅዱስ ዓመት 2025 እዩ፡ ትኹረት ናይዚ ሓድሽ ዑደት ክልተ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ክኸውን እዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ምሉእ ዓመት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መደባት ዘወሃህድ ኮይኑ፡ ነቶም ሓድሽ ጅማሮ ደልዮም ናብ ሮማ ንዝበጽሑ ነጋዲያን ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምቹእ ኩነት ዝውክል እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንኣስታት 8000 ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣስተንትኖኦም ኣብቲ "ዓቢ ነብዪ ተስፋ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ዮሓንስ መጥምቕ ዘማእከለ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዮሓንስ መጥምቕ ‘ዓቢ ነብዪ ተስፋ’

ፍራንቸስኮ ዮሃንስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ዘለዎ ቀንዲ ተራ እንከጒልሑ፡ ኢየሱስ ንዕኡ ፥ካብ ኣንስቲ ካብ እተወልዱ ካብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን (ሉቃ 7፡24,26-28) እንክብል ከም ዝገለጾ ብምዝኽካር፥ ሩባ ዮርዳኖስ ብምስጋር ዝተመሰለ ናይ ንስሓን ምሕዳስን ጻውዒቱ ዝተለለየ ተልእኾ ዮሃንስ፡ ነቲ ክርስትያን ኣብ እዋን ኢዮቤል ቅዱስ ኣፍደገ ዝሰገሩሉ ንግደት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ሓድሽ ጅማሮ፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ዳግመ - ምሕዳስ ዝውክል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ተስፋ ከም ህያብ ኣምላኽ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ተስፋ "ልማድ ወይ ባህርይ" ጥራይ ዘይኰነስ ክርስትያን "ኣብ ጕዕዞ ህይወት ከም ብሓድሽ ንኺሳተፉ" ዚደሪኽ መለኮታዊ ውህበት እዩ። ወንጌል ሉቃስ ከም ዝነግረና ኣብ ቅድሚ ዕብየት እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ንእስነትና ምፍላጥ ይሓትት። “ኣባና ዘይኮነስ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሔር ዝምርኮስ እቶም ዝነኣሱን ዝተናዕቁን እኳ ዓበይቲ ዝኾኑላ” ቢሎም፥

“ንመንግስቲ ኣምላኽ ምቕባል ናብ ሓድሽ ስርዓት ዕብየት ይመርሓና። ዓለምና፡ ኩላትና እዚ የድልየና!”

ኣስዒቦም ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ዝነበሮ ናይ ጥርጣረ ህሞታት መሰረት ገይሮም፥ ብዛዕባ ናይ እምነት ቃልስታት ኣመልኪቶም። እዚ ጥርጣረታት እዚ ምስቲ ሎሚ “ብዙሓት ሄሮድስ” ክሳብ ሕጂ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝቃወሙሉ” ዓለም ዝጓዓዙ ዘለዉ ክርስትያን ዘጋጥሞም ብድሆታት ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥

ንኡስነትና ምልላይ

ይኹን እምበር፡ ወንጌል በቲ ለውጢ ዘምጽእ ትምህርትታቱ፡ ብፍላይ ከኣ በቲ ሓድሽ መገዲ ተስፋ ዚሕንጽጽ ብጽእናታት መግለጺ ጽድቅና ኣቢሉ፡ ነቲ ተስፋ ምቝራጽ እዚ ፍቱን መድሃኒት ምዃኑ ኣስሚሮም፥ . . . ጻውዒት ናብ ሕውነትን ሓላፍነት ናይ ሓባር ቤትናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣተሓሒዞም ብኣገልግሎትን ሕውነትን ብፍላይ ድማ ናብቶም ዝነኣሱ፡ ከምኡ’ውን ብሓላፍነት ናይቲ “ናይ ሓባር ቤትና” መሬት “ኣዝያ ዝተበደለትን ዝቖሰለትን” ተስፋን ምሕዳስን ክንሓቁፍ ጻውዒት ብምቅራብ፥ እዚ ሕመረት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እዩ፡ ኣብ ኣምላኽ ዝተመስረተ ሓድሽ ጅማሮን ንፍቕርን ኣገልግሎትን ተወፋይነትን ዝድርኽ፥

ካብቲ ኣብ የሱስ ዘንጸባርቐና ሕጂ ኸኣ ንኸነገልግል ምስ ኣሕዋትና ንኽንፋቐር ከምኡውን ንኡሳን ምዃንና ኣፍልጦ ንኽንህብ ንኣምላኽ ቃል ብምታው ከም ብሓድሽ ንጀምር። ዳሕረዎትን ንኡሳንን ክንርእዮምን ክንሰምዖምን ድምጾም ክንከውንን ኢና፥ እቲ ሓድሽ ጅማሮ ኢዮቤል ድማ እነሆ እዚ እዩ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Jan 2025, 16:57