MAP

2025.01.08 Udienza Generale 2025.01.08 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንዅሎም ንኣሽቱ ኸነዕቍቦምን ኣብኣቶም ንዚፍጸም ዓመጻ ፈጺምና ኽንጻረሮ ኣሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ህጻናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝጀመርዎ ትምህርቲ ቐጺሎም፣ ብፍላይ ከኣ ካብ ዘይቅቡል ማህሰይቲን ዓመጻን ዀነ ምዝመዛ ንድሕንነት ቈልዑን ህጻናትን ብዛዕባ ምጥባቕን ምድንፋዕን ድማ ብፍሉይ ተዛሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ  ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ፖል ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንንኣሽቱ ምዕቋብን ምቕባልን ምፍቃርን ዘለዎ ኣገዳስነት ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ" ክብሉ ብምጅማር ብዛዕባ ሽቕለት ህጻናት ሰፊሕ ኣስተምህቶ ኣመሓላሊፎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ቘልዑ ዚገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ብምቕጻል ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ድሕንነት ህጻናት ዘተኮረ ኣስተምህሮ ኢዮም ኣካይዶም ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ጐይታ ንዅሉ ሰብ ከም ውሉድ ኣምላኽ ገይሩ ብኸመይ ከም ዜፍቅሮምን ብፍላይ ነቶም ዝነኣሱ ብኸመይ ከም ዚሓልየሎምን ኣዘኻኸሩ ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ኣስተምህቶ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል!

(ረቡዕ 15 ጥሪ 2025)

ብኣቦ ኣዚኹም ዝተፈቐርኩም  (2)

ንባብ፦ ማቴ 18፡1-3,6

በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግስተ ሰማይት መን ይዓቢ?” እናብሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ። ኢየሱስ ድማ ሓደ ህጻን ናብኡ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ኣቖሞ እሞ ከምዚ በለ፦ እንተ ዘይተመለስኩም ከም ሕጻናት ውን እንተ ዘይኮይኩም ናብ መንግሥተ ሰማይት ከቶ ከም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። [...] እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ንኣሽቱ ዜስሕት ድማ ኣድጊ ዝጥሕነሉ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ኣሲሮም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ኬጥሕልዎ ይሕሾ።

 

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቑራት ውሉድን ሰናይ መዓልቲ!

ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ህጻናት ኣስተንትኒና ኔርና፣ ሎሚ እውን ብዛዕባ ውሉድ ከነስተንትን ኢና። ዝሓለፈ ሰሙን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንንኣሽቱ ምዕቋብን ምቕባልን ምፍቃርን ኣድላዪ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኸም እተዛረበ ኣተኲርና ኣስተንቲና ።

ይኹን እምበር ሎሚ እውን ከይተረፈ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ንኣሽቱ ህጻናት ነቲ ናይ ብጽሕና ግዴታታት ንኽስከሙ፣ ትሕቲ ዕድመ እኳ እንተ ኾኑ ኣብ ስራሕ ዓለም ክጽመዱ ይግደዱ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከኣ ንሓደገኛ ስራሕ እተቓልዑ ኢዮም ፣ ብዛዕባ እቶም ንምንዝርና ወይ ስእለ-ጽዩፍ ከም ባራዩ ዝሽየጡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከምኡውን ብዛዕባ ኣገዲድካ ምምርዓው ከይጠቐስና ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። እዚ ብሓቂ መሪር ኢዩ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ማሕበረሰብና ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝህሰዩሉን ዝግፍዑሉን ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንቘልዑን ህጻናን ዝወርዶም ዘሎ ማህሰይቲ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ጽዩፍን ዜስካሕክሕን ተግባር እዩ።  ኣብ ሕብረተሰብ ዝወርድ ጸገምን ገበንን ጥራይ ኣይኰነን ፣ እዚ ኸኣ ንትእዝ ኣምላኽ ኣመና ምጥሓስ እዩ ። ዝዀነ ይኹን ውሉድ ክብደልን ክዕመጽን የብሉን ። ሓደ ጕዳይ እውን እንተ ዝኸውን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ። ስለዚ ንሕልናና ምንቕቓሕ ምስቶም ዓመጻን ማህሰይትን ዝወረዶም ቈልዑን መንእሰያትን ምቅርራብን ናይ ሓቂ ሓድነትን ምልምማድን ከምኡውን ኣብ ምስቶም ንኸምዚ ኣቶም ህጻናት ብጽቡቕ ንኽዓብዩ ኣጋጣሚታትን ድሕንነትን ከወፍዩሎም ዝተግሁ ሰባት ተኣማንነትን ሕብረትን ምህናጽ ኣድላዪ ኢዩ ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ኣራንዳኖ ተባሂሉ ዝፍለጥ [ፍረ ሓደ ገረብ] ብፍልይቲ ፍረ ዝስራሕ ጽሟቕ እትፈሪ ሃገር እፈልጥ እየ  ።  ነዚ ፍረ እዚ ንምእካብ ልምሉም ኣእዳው ይሓትት ነዚ ድማ ቈልዑን ህጻናትን ከም ዝእክብዎ ይገብሩ ከም ውሉዳት መጠን ድማ ባሮት ይገብርዎም ኣለዉ ።

ድኽነት ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ ሕጽረት ማሕበራዊ ደገፍ ስድራ ቤታት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እናወሰኸ ዚኸይድ ስለዘሎ፣ ተነጽሎ ሽቕለት ኣልቦነትን ናይ ስራሕ ቅልውላው ነቲ ዝነኣሰ ዝለዓለ ዋጋ ኸም ዝኸፍል ዚገብር ረቛሒታት እዩ ። ኣብቲ ማሕበራዊ ምክፍፋልን ስነ-ምግባራዊ ብልሽውናን "ዝነገሰሉ" ዓበይቲ ኸተማታት ኣብ ንግዲ ሓሽሽን ኣብ እተፈላለየ ዘይግቡእ ንጥፈታትን እተጸምዱ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ቘልዑን ኣለዉ። ካብዞም ህጻናት እዚኣቶም ክንደይ ዚኣኽሉ እዮም ግዳያትን መስዋእትን ኪዀኑ ዝረኣናዮም! ሓድሓደ ግዜ ናይ መዛኑኦም "ቀተልቲ ነፍሲ" ከምኡውን ክብረቶምን ሰብኣውነቶምን ክጐድኡ ዝድርኾም ኩነት ውን ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ መገዲ ኣብ ገዛውቶም ኣብ ቍምስናታቶም እዞም ከዛእ ርእሶም ዝሰዐኑ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ክቐርቡ ክንረኽቦም እንከሎና መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ኢና እንጥምት ።

ኣብ ሃገረይ እውን ከይተረፈ ሓደ ሎዋን ዚበሃል ቆልዐ ተጨውዩ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፍለጥን እዩ ። ሓደ ኻብቲ ዝበሃል ከኣ ኣካላቱ ምእንቲ ክወስድዎን ናብ ካልእ ሰባት ኸም ክተኽልዎን ስለ እተደልየ እዩ ይበሃል ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣጸቢቕና እትፈልጦ እዩ ዜጋጥም ዘሎ ኩነታት ኢዩ ። ንዓኡ ውን ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ! ገሊኣቶም በሰላ ወሪድዎም ክምለሱ ኸለዉ ገሊኣቶም ከኣ ይሞቱ ኣለዉ። ስለዚ ኸኣ ኢየ ሎሚ ነዚ ህጻን ሎዋን እዚ ክዝክሮ ዝደለኹ።

ክልተ ቘልዑ ምናልባት ደቂ ገዛእቲ ወይ ጐረባብቲ እኳ እንተኾኑ ኣጸቢቑ ዚጻረር መገድታትን ህይወት ወይ ጽሕፍቶ ከም ዚህልዎም ዚገብሮም ማሕበራዊ ዘይፍት ሓውነት ኮይኑ እቲ ሓደ ካብዞም ቆልዑ ካብ ጽጉማት ስድራቤት ስለ እተወልደ ጥራይ ብምዃኑ እዚ ምርኣይና የጕህየና እዩ። ተቐባልነት ዘይብሉ ሰብኣውን ማሕበራውን ምክፍፋል - ኣብ መንጎ እቶም ሕልሚ ኺሓልሙን እቶም በጃ ክኾኑ ዘለዎምን ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንዅላትና ናጻን ሕጉሳትን ክንከናኸን እዩ ዚደልየና፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ውሉዱ ገይሩ ዜፍቅሮም እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ፣ ነቶም ህጻናት ብዅሉ ለውሃት ልቡ ኢዩ ዘፍቅሮም። ስለዚ ኸኣ ኢና ደው ኢልና ስቓይ ናይቶም ዘይተማህሩ ድምጺ ዘይብሎም ኽንሰምዕ ዝሓተተና ። ምዝመዛ ብፍላይ ከኣ ምዝመዛ ቘልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ምቅላስ ንብምሉኡ ሕብረተሰብ ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ዝገብር መገዲ ፍትሒ እዩ። ገሊአን ሃገራት መሰላት ቈልዑ ኣብ ጽሑፍ ናይ ምስፋር ጥበብ ገይተን ኣለዋ ። ቈልዑ መሰላት ኣለዎም ። መሰላት ቈልዑ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ ኢንተርነት ንፈትሽ።

ስለዚ ንርእስና 'እንታይ ክገብር እኽእል?' ክንብል፣ ቅድሚ ኹሉ ንሽቕለት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኸነጥፍእ እንተ ደኣ ደሊና ምሳኡ እንተሓባበር [ወይ መመላእታ] ክንከውን የብልናን ። እዚኸ መዓስ እዩ ከማኡ ዝኸን? ንኣብነት ምስ ሽቕለት ህጻናት ዚተሓሓዝ ፍርያት ክንዕድግ ከለና ። ብድሕሪ እቲ [እነዕድጐ] ምግብን ክዳውንትን ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ትምህርቲ ዚኸዱ ዝምዝመዙ ቘልዑን ህጻናትን ኸም ዘለዉ ፈሊጥና ከመይ ጌርና ኢና ክንምገቦን ክንክደኖን ዝኾነልና? ብዛዕባ እቲ ዝዓደግናዮ ነገራት ምፍላጥና መመላእታ ኮይኑ ምእንቲ ኸይከኸብድ ናይ መጀመርታ ክንወስዶ ዘለሎና ስጕምቲ እዩ ። ገሊኦም ሰባት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብዙሕ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ይዛረቡ ይኾኑ ። ሓቂ እዩ ነፍሲ ወከፉና ከም ሓንቲ ነጥቢ ምስቲ ብዙሕ ኻልእ ነጥብታት ባሕሪ ኪኸውን ዚኽእል። ይኹን እምበር ትካላት እንተላይ ተቅዋማት ቤተ-ክርስትያንን ኩባንያታትን ዘለወን ሓላፍነት ክዝከራ ኣለወን - ንወፍርታትን ናብተን ሽቅለት ሕጻናት ዘይቅበላ ወይ ዘይፈቕዳ ኩባንያታት ብምዝዋር ለውጢ ኽገብራ ይኽእላ ኢየን። ብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ንሽቅለት ሕጻናት ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ድሮ ኣውጺአን ኣለዋ፣ እንተዀነ ግን ካብዚ ንላዕሊ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ንጋዜጠኛታት - ኣብዚ ጉባኤ ውን ገለ ጋዜጠይናታት ኣለው፣ እጃሞም ኬበርክቱ እውን እምሕጸኖም ኣሎኹ ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ጸገም እዚ ዝያዳ ፍልጠት ከም ዚህልወካን ፍታሕ ኣብ ምርካብ ከም ዚሕግዝን ክገብሩ ዝከኣል እዩ ። ኣይትፍርሑ ኣቃልሑ፣ ነዚ ነገራት እዚ ኣቃልሕዎ።

ንዅሎም እቶም ቈልዑ ኺግደዱን ዘይዓቅሞም ንኽሰርሑ ክግደዱ ኸለዉ ርእዮም ገጾም ዘይመልሱ እውን ከመስግኖም እደሊ ። ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ንሓደ ኻብዞም ዝንስሑ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ዘበለ ዅሉ ንዓይ ከም ዝገበኩምለ ኢዩ" (ማቴ 25፡40) ብምባል እተዛረቦ ቓላት ወትሩ ንዘክሮ ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ጐይታ ሕጕስቲ ሰራሕተኛ ዝነበረት ቅድስቲ ተሬሳ በዓልቲ ካልኩታ ኣደ ናይቶም ኣዝዮም ጽጉማትን እተረስዑን ኣዋልድን ኣወዳትን ኢያ ዝነበረት ። ነቶም ብዓይኒ ዘይንሪኦም ንኣሽቱ ማለት ነቶም ኣብ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንሓድጎም ዘይንኽእል ባሮት እዛ ዓለም እዚኣ ኽትርእዮም ከላ ብለውሃታን ቈላሕታን ከተሰንዮም ትኽእል እያ ። ምኽንያቱ ሓጐስ ናይቶም ዝደኸሙ [ክፍሊ ሕብረተሰብ] ንዅሉ ሰላም ይሃንጽ ኢዩ። ምስ እናቴ ተሪሳ ኸኣ ነቶም ቈልዑ ኸምዚ ንበሎም ፦

"ክጻወተሉ ዝኽእል ድሕንነት ዘለዎ ቦታ እደሊ ኣሎኹ።
ካብ ሓደ ከመይ ቢሉ ከም ዘፍቅር ዝፈልጥ ሰብ ፍሽኽታ ኽህበኒ እሓቶ።
ናይታ ዝሓሸት ዓለም ተስፋ ክኸውን ቈልዓ ናይ ምዃን መሰል ክወሃበኒ እልምን ኣለኹ።
ከም ሰብ ክዓቢ እደሊ ኣሎኹ ብኣኻ ክተኣማመን እኽእል ዶ?' (ቅዱስ ተሬሳ ናይ ካልካታ)

15 Jan 2025, 12:55