ር.ሊ.ጳ. ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራምፕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተሓርየ፡ ቃለ መሓላፊ ኣብ ዝፈጸመሉ ዕለት 20 ጥሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ፍቑር ህዝቢ ኣመሪካ’፡ ንርእሰ ብሔር ትራምፕን ስድርኡን መለኮታዊ በረኸት ተማሕጺኖም፡ ጐይታ ንኹሉ ጻዕርታቱ ናብ ሰላም ከአንፍቶ እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ዕርቅን ኣብ ምድንፋዕ ንእትገብሮ ጻዕሪ ኣምላኽ ክመርሓካ እምሕጸን - ቢሎም - መበል 47 ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኮይንካ ምሕራይካ ምዉቕ ሰላምታ አቕርበልካ ጸሎተይ ድማ አረጋግጸልካ” እቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣብ ምፍጻም ጉብእካ ይደግፈካ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ "በቲ ሃገርኩም ተቐባሊትን ዓዲ ዕድልን ኣብ ምዃን ዘለዋ ኣስተንፍሶ መሰረት ኣብ ትሕቲ መሪሕነትካ ህዝቢ ኣመሪካ ክብልጽግን ጽልእን ኣድልዎን ንምግላልን ቦታ ዘይህብ ዝያዳ ቅኑዕ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ተስፋ እገብር" ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ "እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ሰብኣዊ ስድራቤትና ኣብ ርእሲ እቲ ውግእ ዜምጽኦ መቕዘፍቲ ብዙሕ ብድሆታት የጋጥሞ እውን ስለ ዘሎ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ዕርቅን ንምድንፋዕ እትገብሮ ጻዕሪ እግዚኣብሔር ክመርሖ እጽልይ፡ በዚ መንፈስ እዚ ንዓኻን ንስድራቤትካን ንፍቑር ህዝቢ ኣሜሪካን ምሉእን ዝትረፍረፈን መለኮታዊ በረኸት አማልድ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
21 Jan 2025, 16:29