MAP

2025.01.17 ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኮርዶባ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ፥ ትሕትና ንበሩ ኣብ ተስፋ ጽኑዓት ኩኑ! 2025.01.17 ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኮርዶባ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ፥ ትሕትና ንበሩ ኣብ ተስፋ ጽኑዓት ኩኑ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኮርዶባ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ፥ ትሕትና ንበሩ ኣብ ተስፋ ጽኑዓት ኩኑ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ስጳይና ዞባ ኮርዶባ ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓብይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ምሉእ ጉዕዞ ሕይወት ዝተፈላለየ ናይ ተስፋ ምልክታት ከምዘሎ ክስትውዕሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢየሱስ ዘምጽኦ ተስፋ እንተዘይህሉ ነይሩ ጉዕዞ ህይወት ጽላለ ምኾነ ነይሩ! ዝብል ሓሳብ ኣስሚሮም፥ ተስፋ ኣልቦ ዝኾነ ጉዕዞ ዝተሓላለኸ ኪኖ ዘየማዕድውን ዕጽውን እዩ . . .

ናብ መንግስተ ሰማይ ገጹ - ናብቲ ናይ መወዳእታ ርክብ

“ናብ መንግስተ ሰማይ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ርክብ ምስ ኢየሱስ” ዝብል ኣንፈት፡ ቀዳማይ ምልክት ናይ ህይወት ጉዕዞ እዩ። እዚ ኣንፈት እዚ ናብ ምሹእ ህይወት ዝመርሕ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ምሾት ምምራጽ ናብ "ዕጹው መንገዲ" ዝድርኽ ብምዃኑ፡ ስለዚ ምሹእ መንገዲ እንተተመሪጹ ሕፍረትን ንድሕሪ ምምላስን እዩ ዘጋጥም . . . እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መገዲ ዘሎ ሓደጋታት

ኣብ መገዲ ህይወት ከጋጥም ዚኽእል ሓደጋታት እንክገልጹ፥ ኣብነት ህይወት እቲ ካብ ኮርዶባ ዝኾነ ቅዱስ ጴላግዮስ ተወኪሶም ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ፥ 'ኣብ ናይ ጎይታ መገዲ ኺጸንዑ' ኣተባቢዖም’ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ጸኒዖም 'ተስፋ ዚዘርኡ' ንኪዀኑ ኢየሱስ ብርታዐ ከም ዝህቦም ዘለዎም እምነት ከም ዝለገልጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ስንቂ ቦታታት

እቶም ተመሃሮ ምስ ቅዱስነቶም ንኽራኸቡን ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣፍደገ ክሓልፉን ኣብ ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ክነግዱን ናብ ሮማ ዝመጹ ኮይኖም፥  ቅዱስነቶም ነዚም ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓብይ፥ ኩሉ ሰብ ኣብ ሕይወቱን ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ህላወ ኢየሱስ ክስምዖን “ድኻም ምስ ዝስዕረና ንሱ ይቕበለና፣ ካብ ሓርጎጽጎጽ ህይወት ደው ክንብልን ምስኡ ክንራኸብን ዝደልዩን ዝፈቕዱን ንኹን . . . ኢየሱስ ዘምጽኦ ተስፋ እንተዘይህሉ “ንጉዕዞ ምብጋስ ጽላለ ምኾነ ነይሩ . . . ሰብ ኣብቲ ዝደለዮ ቦታ ከም ዝበጽሕ ርግጸይና ክኸውን ዝኽእል- ኣብ ኢየሱስ ብምትእምማን ምስ ዝውከል ጥራይ እዩ” ምስ በሉ’ ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ዘራእቲ ተስፋ ምዃን ማለት “መዓር ኣፉ ምዃን ጥዑም ቃላት ምዝራብን ምምራጽን ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቖም፡ ናይ ሕይወት መንገዲ በይንኻ እትጓዓዞ ኣይኮነን፥ “ጎይታ ንዝህበና መጓሰ - ንኽንመርሖ ዝህበና ሕብረተሰብ ክንመርሖን ክንከላኸለሉን ክንሕግዞን ክንባርኾን” ይሓትተና እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Jan 2025, 16:57