MAP

ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፥ ዝጭበጥ ምልክታት ተስፋ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፥ ዝጭበጥ ምልክታት ተስፋ  ርእሰ ዓንቀጽ

ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፥ ዝጭበጥ ምልክታት ተስፋ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ቫቲካን ዜናን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli ) ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ሞት ዝተፈርዶም እሱራት ተሰሪዙ እቲ ፍርዲ ሞት ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ዝተመሓላለፈ ውሳነ ክሳብ ምስራዝ ፍርዲ ሞት ኣብ ዚምባብወ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩባ እሱራት ክፍትሑ ዝተመሓላለፈ ውሳነን ሓያል መልእኽቲ ተስፋ ዝሓዙ ፍጻመታት ምዃኖም ኣብ ዘቐረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 24 ታሕሳስ ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ከም እተኸፍተን ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም 37 ኣብ ፌደራላዊ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝርከቡ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ውሳነ ከም ዘመሓላለፈን። ስዒቡ እውን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ተመሳሳሊ ውሳነታት ከም እተተባበዐን ኣብ ግዛኣት ሰሜን ካሮላይን ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ዘብቅዕ ዘሎ ናይቲ ዞባ ኣመሓዳሪ ናይ 15 እሱራት ፍርዲ ሞት ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየር ከም ዝወሰነን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ካብ ናይ ሃገሩ ናይ ገበነይና መቕጽዕ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዘፍቕድ ዓንቀጽ ሙሉእ ብሙሉእ ክስረዝን መንግስቲ ኩባ እውን ን553 እሱራት ምሕረት ከም ዝገበረን ኣድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽሩ።

እዚ ምዕባለታት እዚ ከም ኣዝዩ ኣድላዪ ምልክታት ተስፋ ኮይኑ የገልግል፣ ኣጠማምታና ካብቲ ዘሕዝን ክውንነት ውግእን ዓመጽን ክላቐቕ ይሕግዝ። ምስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሱር ክርስትያናዊ ኢዮቤል ዝሰማማዕ ዝውሰድ ዘሎ ውሳኔታት ነዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ግቡእ ጅማሮ ዘመልክቱ እዮም። እዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ውሳኔ ኣዋጅ ዘጉልሕዎ ምልክታት ኢዮቤል ተስፋ እዩ።

“መንግስታት ተስፋ ንምምላስ ዝዓለመ ተበግሶታት ክወስዱ፤ ውልቀሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ሕብረተሰብን ዳግማይ እምነት ንኽህልዎም ዝሕግዙ ተግባራት ምሕረትን ይቕሬታን፤ ከምኡ’ውን መደባት ዳግመ - ውህደት ኣብ ሕብረተሰብ፡ ንምኽባር ሕግን ጭቡጥ ተወፋይነት ክገብሩ”

እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ንጥንታዊ ትውፊታት ዘቃልሕ እዩ። ጳጳስ ሮማ ዘሌዋውያን ብምጥቃስ ቃል ኣምላኽ ሓድሽ ጅማሮ እናቕረበ ናይ ምሕረትን ሓርነትን ተግባራት ይጽውዕ ከምዘሎ የዘኻኽሩና፤ እዚ እውን ባዕሎም፥

ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤል ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።

ምዝ ዝብል ጥቕሲ ዘሌዋውያን ምዕ. 25, 10 ኣተሓሒዞም ዘብርህዎ እዩ።

ተግባራት ይቕሬታ፡ ምጉዳል ዓመታት ፍርድን ምስራዝ ፍርዲ ሞትን፡ ነቶም ክልተ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ማእከላይ ኣርእስታት ማለት ምሕረትን ይቕሬታን ዘንጸባርቑ እዮም። ዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እዞም ክልተ ክቡራት ዋጋታት ኣዝዩ የድልያ ኣሎ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli )

16 Jan 2025, 16:31