MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኹሎም ብግርጭትን ሓዘንን ዝሳቐዩ ስድራቤታት ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኹሎም ብግርጭትን ሓዘንን ዝሳቐዩ ስድራቤታት ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኹሎም ብግርጭትን ሓዘንን ዝሳቐዩ ስድራቤታት ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ታሓስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሕኤር ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ግዳያት ዝኾኑን ዝተሃሰዩን ክጽለይ ተማሕጺኖም ኣብ መላእ ዓለም ብሳዕቤን ኲናት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ጸሎቶምን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክብረ በዓል ቅድስት ስድራ ቤት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ ሓሳቦም ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ብግጭታት ንዝሳቐዩን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ኣባይቲ ስደራ ኣቕኒዖም፥ ንዅሎም ብኣካልን ብመራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሎም ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ ኣባይቲ ስድራ ፍሉይ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ነቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ደቡብ ኮርያ ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ምዕላባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብውሑዱ 177 ሰባት ግዳያት ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፥ ቅዱሰንቶም ምእንቲ እቶም ግዳያትን ዝተሃሰዩን ክጽለይ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ምሕጽንታ ንጸሎት ብውግኣት ንዝሳቐዩ ኣባይቲ ስድራ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ንዅሎም እቶም ብውግእ ዝጉድኡ ንዘለዉ ቅርበትን ጸሎትን ኩሉ ብምሕታት፥ “ብሰንኪ ኲናት ንዝሳቐዩ ኣባይቲ ስድራ ንጸሊ: ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን: ኣብ ፍልስጤም: ኣብ እስራኤል: ኣብ ሚያንማር: ኣብ ሱዳን: ከምኡውን ኣብ ሰሜን ኪቩ ብግጭት ንዝተሃአዩ ኣባይቲ ስድራ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Dec 2024, 15:46