ኣብ ብሩንዲ ርእሰ ከተማ ቡጁምቡራ ዝተኻየደ ጉባኤ ውሉደ ክህነት፥ ነፍሳት ምድላይን ተስፋ ምሕዳስን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ካህናት ብናይ ጊተጋ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ብሩንዲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳስ ቦናቨንቸር ናሂማና ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተኸፍተን ብጹዕነቶም ኣብታ ዕለት እቲኣ ንዝኽሪ ሰማእትነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዝተመርጹ ንባባት ኣማእኪሎም ስብከት ከም ዝለገሱን ብፍላይ ኣብታ ካብ ዕንወት ውግእ ክትሓዊ እትደሊ ብሩንዲ - ኣምልኾ ሓቅን ፍትሕን ከተስፍሕ ኣብ እትደልይ ሃገሮም ትንቢታዊ ተልእኾ ካህናት ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሔር ንምምስጋንን ነቶም ኣብ ስብከት ወንጌልን ኣብ ስነ መዕበይ ካህናት ቡሩንዲን ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ንኣፍሪቃ ምስጋናን ዝዓለመ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ብሩንዲ ትስስን ኣላ፣ ልዕሊ 1300 ደቀባት ካህናት ዳርጋ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ነቲ 70% ዝሽፍን ካቶሊክ እታ ሃገር ዘገልግሉን - እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህይወትን ፍርያምነትን እምነት መግለጺ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ኣብ ኤውሮጳን ብዙሓት ካህናትን ቅዱሳንን ልኡካነ ወንጌል ደቂ ሃገር ከም ዘለዉ እውን ብምዝኽኻር፣ እቲ ኣህገራዊ ጉባኤ ካህናት ብቐንዱ ኣብ ክልተ ኣርእስታት ማለት "መንነትን ተልእኾን ካህን ኣብ ኩነታት ማሕበረ - ባህላዊ ኵነታት ብሩንዲ" ከምኡ'ውን ኣብ “ኣካልዊ ጥዕና ካህን" ኣብ ብኸመይ ይራኸብ ንምልላይ ኣሚቱ ዝተካየደ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ብድሆታትን ኣረኣእያታትን ክህነት ብሩንዲ
እቲ ጉባኤ ካህናት፣ ካህናት ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶምን ተልእኾኦምን ዘጋጥሞም ሓያሎ ብድሆታት ዘጉለሐን ካብዚኦም ድማ ሓደ ድኽነት ንመላእ ሃገር ዝጸሉን ንካህናት ዘይምሕር ዘይውሕስነት ዝፈጥርን ብዛዕባ መጻኢ ዘይርግጸይናታት ዝገብሮም ኩነታት ዝምልከት ኮይኑ፣ ምስ ስነ መዕበያ ካህናት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት እውን ከም እተዘተየሎምን - ክልቲኡ ናይ መጀመርታ ኣብ ስነ መዕበያ ተመሃሮ ውሉደ ክህነት ቀጻል ህንጸት ድሮ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ካህናትን ከምኡ’ውን ምስ ካህናት ብቐረባ ዝተሓባበሩን ኣብ ምምሕዳር ግዝያዊ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብሩንዲ ዝተዋፈሩ ዓለማውያን ምእመናን ህንጸትን ከም ዝዳህሰሰን፣ ብፍላይ ሓደ ተሃዋሲ ብድሆ፡ ካብቲ ኣብ ብሩንዲ ዝተራእየ ቅትለት ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ውግእን ዝኽሪ ዝምልከት ኮይኑ፣ እዚ ቁስሊ እዚ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ እንኮላይ ኣብ ውሽጢ ውሉደ ክህነት ዕርቂ ዘሰናኽል ኮይኑ፡ ኣብ ሓድነትን ሰላምን ንዘማእከለ ጉስነታዊ ጻዕርታት ዓቢ ዕንቅፋት ከም ዝፈጥርን መፍትሒኡ ድማ፡ ሰላምን ዕርቅን ዘስፍሕ ቤተ ክርስቲያን - ስድራቤት ንምህናጽ ዝዓለመ ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ዝተኸተመ ስምምዓት ሰላም ስዒቡ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ሲኖዶሳት ሃገረ ስብከታት ዳግማይ ምምልካትን ዝብል ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ናይ ብሩንዲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ተስፋ ዘለዎ መጻኢ
እዚ ብድሆታት እዚ እናሃለወ ሃዋህው ጉባኤ ብሕዳሴን ተስፋን ዝተመልአ ከም ዝነበረን፣ ተሳተፍቲ ነፍሲ ወከፎም ንተልእኾኦም ተወፊዮም ብዝተሓደሰ ጸዓት ክብገሱን ንመጻኢ ጭቡጥ ተበግሶታት እውን ከም ዝወጠኑን ካህናት ናይ መንነቶምን ተልእኾኦምን ስምዒቶም ከዕምቑ ዝሕግዙ ተግባራት፡ ኣብ ጉስነትን ንዋታዊ ርእሰ - ብቕዓት ቤተ ክርስቲያን ብሩንዲን ካህናትን ዘተኮረ ግብራዊ ውጥናት ምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ካህናትን ካልኦት ኣብ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ዝዋፈሩን ቍጠባዊ ደገፍ ንምዕባይ ዝሕግዝ ናይ ምትሕግጋዝ ስርዓት ምምስራት ወይ ምምሕያሽ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣመላኺቱ፣
እዚ ኣብ ብሩንዲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነት፡ ናይ ጸጋን ሕውነትን ህሞት ከም ዝነበረን ሃብታም ታሪኽ እምነት ዝጸንበለ ጥራይ ዘይኮነስ ካህናት ኣብ ተልእኾኦም ሱር ዝሰደደ ሕብረተሰብ ብሩንዲ ብሓፈሻ - ብፍላይ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ኣብ ምግጣም ሓቢሮም ንህዝቦም ብሓድሽ ሓይልን ኣድማዕነትን ዘገልግሉሉ መጻኢ መንገዲ ዝጸረገ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ናይ ብሩንዲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።