MAP

22 ነሓሰ 2025 ጉባኤ ካቶሊካውያን መንሰያት ታንዛኒያ 22 ነሓሰ 2025 ጉባኤ ካቶሊካውያን መንሰያት ታንዛኒያ  

ታንዛንያ ካቶሊካዊ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ምቤያ ልዕሊ 4200 ተሳተፍቲ ይስሕብ

ካብ መላእ ታንዛንያ ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ካቶሊካውያን ኣብ ምቤያ ተኣኪቦም እምነቶም ከካፍሉን ኣብ ምህናጽ መጻኢ እታ ሃገር ዘለዎም ተራ ይምርምሩን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሃገራዊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ታንዛንያ (TEC) ዝተዳለወ 6ይ ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሰራሕተይናታት (VIWAWA) ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምቤያ ( CUoM ) ካብ ዕለት 19 - 23 ነሓሰ ከም እተኻየደን፣ እዚ መደብ ብርእሰ ሰበኻታት ምቤያ ዝእንገድ ኮይኑ፡ ካብ 37 መላእ ሃገረ ስብከታት እታ ሃገር ዝተዋጽኡ ልዕሊ 4,200 መንእሰያት ኣብ ሓደ ዘራኸበ መደብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ታንዛንያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ ቅዳሴ ዘዕረጉ ናይ ህገረ ስብከት ምቤያ ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳት ገርቫስ ንያሶንጋ ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ መንእሰያት ኩሉ ዓይነት ዓመጽን ዘይስነምግባራዊ ተግባርን ክነጽጉ ኣተሓሳሲቦም፣

ቅትለት፡ ጭውያ፡ ስቅያትን ካልእ ማሕበራዊ በደላትን ኮኒኖም፣ እዚ ገበናት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብኻልኦት ዝጽለዉ ወይ ዝምርሑ መንእሰያት ከም ዝፍጸም ኣስሚሮም፣ ዘይሕጋዊ ትእዛዝ ብዑረት ከይስዕቡ ኣጠንቂቖም፣ መንእሰያት ካቶሊካውያን ድማ ናይ ደገ ጸቕጢ ብዘየገድስ ግብረ ገባዊ ቅንዕና ናይ ምሕላው ግዴታ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም፣ "ኣካል ቅትለት ይኹን ጭውያ ኣይትኹኑ። ዝኾነ ሰብ ህይወት ካልእ ሰብ ክምንዝዕ መሰል የብሉን፣ ንጹሃት ሰባት ክቕተሉ ምርኣይ ተስፋ ዘቑርጽ'ዩ። መብዛሕትኡ እዚ ተግባራት ብዕድመ ዝደፍኡ ዘይኮኑስ ብመንእሰያት ዝፍጸም'ዩ። ዋላ'ውን ከምኡ ግበር ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝተወሃበኩም ዝፈጸምኩሞ ይኹን ተሓታቲ ናይቲ ገበን ኢኹም። እዚ ድማ ዕዉር ተኣዛዝነት'ዩ፡ ሕልናዊ እውን ኣይኮነን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ 2025 ብልሽውና ምንጻግ

ሓፈሻዊ ምርጫ ታንዛንያ ንዕለት 29 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝተመደበሉ እዋን፡ ሊቀ ጳጳሳት ንያሶንጋ ነቶም መንእሰያት ኣብ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና፡ ምትላል፡ ስርቂን ኣድልዎን ከይዋፈሩ ኣጠንቂቖም፣ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር መንእሰይ ወለዶ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኣስሚሮም፡ መጋበርያ ፖለቲካዊ ብልሽውና ከይኮኑ ኣጠንቂቖም፣ "እዚ ዓመት ብኣገደስቲ ፍጻመታት ብፍላይ ድማ ህዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዓመት እዩ፣ ብልሽውና መንገዱ ክረክብ ክፍትን እዩ። ልኡኻት ኢግብረ ገባዊ ተግባራት ኣይትኹኑ ወይ ኣብ ምትላል መረጽቲ ኣይትዋፈሩ፣ ብስራሕን ኣተሓሳስባን ካብ ስንፍና ርሓቝ” ከምዝ በሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ዋጋ ህይወትን ገብረ ገባዊ ሓላፍነትን ምትኳር

መንእሰያት ብመንፈሳዊ ንቕሓት ክነብሩን ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ጥበባውን ግብረ ገባውን ምርጫታት ክገብሩን ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ክብሪ ህይወት ክሕልዉን ብዛዕባ ሕልናኦምን ንሕልና ካልኦትን ከስተብህሉን ኣተባቢዕዎም፣ "ኩሉ ግዜ ኣበይ ከምዘለኻ፡ እንታይ ትገብር ከምዘለኻ፡ ምስ መን ከምዘለኻ ንነብስኻ ሕተታ። እዚኦም ኣብ መንገዲ ጥበብ ትኸይድ ከምዘለኻ ዘርእዩ ምልክታት እዮም፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕልና ሕነጽን ቅረጽን እምበር፡ ደው ኣይትበል፤ ንኻልኦት እውን ናቶም ክቐርጹ ሓግዝ። ንሓደ ሰብ ዝገብሮ ነገር ጌጋ እንተድኣ ኮይኑ ጌጋ ምዃኑ ክትነግሮ ትብዓት ይሓትት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኣጠቓቕማ ዕጸ ፋርስን፡ ምንዝርናን ግብረ ገባዊ ውድቀት ምኹናን

ብዛዕባ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ምንዝርናን ካልእ ዘይስነምግባራዊ ተግባራትን ዝምልከት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ኣናሓሰቡ ፡ መንእሰያት ካብ ከምዚ ዓይነት ባህርያት ክቑጠቡን ኣብ ሕብረተሰብ ግብረ ገባዊ ውድቀት ከይድግፉን ኣተሓሳሲቦም፣ “ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዝሓንጸጾ መደብ ዝጻረር ግብረሰዶማውነት፡ ማለት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት: ወይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ከነእንግዶ ወይ ከነስፍሖ የብልና፣ ወላዲ ውላዱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ተጸሚዱ ከምዘሎ ምፍላጡ ልቢ ይሰብር። እቲ ኣብ ሓደ እዋን ህያብ ኣምላኽ ዝነበረ ሕጂ ምንጪ ሓዘን ይኸውን"

ኣብ ነኣሽቱ ናይ ከተማ ውሽጢ መጓዓዝያ ዝሰርሑ ሰባት ብሰንኪ ሸለልትነት መብዛሕትኡ ግዜ ሕግታት ድሕነት ጽርግያ ብምጥሓስ ዘየድሊ ሓደጋታትን ሞትን ከምዘስዕቡን እዚ ድማ ብዓቢዩ ንመንእሰያት ዝጸልው እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ጥበብን ጸሎትን ዕላማ ዘለዎ ናብራን

ሊቀ ጳጳስ ንያሶንጋ መንእሰያት ካቶሊካውያን ታንዛንያ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ትእዛዛት ኣምላኽ ብምስዓብ ሓቀይና ጥበብ ክደልዩ ተማሕጺኖም። ናይ ንጉስ ሰሎሞን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት ተጠቒሞም፡ እቶም ጥበብ ዝደልዩ ኣዝዮም ዝያዳ ከም ዝረብሑ ኣዘኻኺሮም፣ "ዘይረብሕ ነገር ኣይትጸሊ። ሰሎሞን ጥበብ ጸለየ ካልእ ኩሉ ድማ ተቐበለ። ነቲ ናይ ምድሓን ሓይሊ ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕን ክንስዕቦን ንጽዓር፣”

መንእሰያት ብኣእምሮን መንፈሳዊ መዳይን ንጡፋት ክኾኑ፣ ክእለቶም ተጠቒሞም ንኻልኦት ንምምሃርን ብዛዕባ ፍቕርን ትጽቢትን እግዚኣብሔር ንህዝቡን ምስትውዓል ክዝርግሑን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ድንቁርና ብዙሕ ክፍኣት የስዕብ። ገለ መንእሰያት ፍቓድ ኣምላኽ ክመሃሩ ወይ ክርድኡ ዕድል ስለዘይረኸቡ ጥራይ እዮም ሓጢኣት ዝገብሩ፣ ኣብቲ ዘድሕን ሓይሊ መለኮታዊ ጥበብ ደኣ እምበር ኣብ ዓለማዊ ጥበብ ክንውከል የብልናን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሰራሕተይናታት (VIWAWA)

ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሰራሕተይናታት (VIWAWA) ካብ ኩለን ሃገረ ስብከታት መላእ ታንዛንያ ዝመጹ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሰራሕተይናታት ንመንፈሳዊ ዕብየትን ትምህርትን ህንጸት ማሕበረሰብን ዘካይድዎ ዓመታዊ መደብ እዩ። ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ምቤያ ዕለት 19 ነሓሰ ዝተኸፍተ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ ዕለት 23 ነሓሰ ከም እተዛዘመን እቲ መደብ መንእሰያት ብግብረ ገብ መሰረት ዝገበሩን ማሕበራዊ ሓላፍነት ዘለዎምን ዜጋታት ንኽኾኑ ኣብ ምሕያል ዘተኮረ ዓውደ መጽናዕትታት፡ ዘተን ባህላዊ ምልውዋጥን ሊጡርጊያዊ መደባትን ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይ ታንዛኒያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

Photogallery

22 ነሓሰ 2025 ጉባኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት ታንዛኒያ - ንበየ
25 Aug 2025, 09:40