ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ፡ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ምሕዝነት መንእሰያት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ 1,200 ካብ 15 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ መላእ ኤውሮጳ፡ ከም በዓል ዩክሬን፡ ቅድስቲ መሬትን ሶርያን ዝኣመሰሉ ናይ ቃንዛን ግጭትን ቦታታት ሓዊስካ፡ ኣባላት መንእሰያት ንሰላም ኣካል ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂድዮ፣ ካብ ዕለት 28 ክሳብ ዕለት 30 ነሓሰ ኣብ ሮማ ዓውደ ጉባኤ ከካይዱ ከም ዝኾኑን እዚ ናይ 2025 ዓ.ም. መደብ “ተስፋ ንሰላም” ዝብል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሓያል ህሞታት
እዚ መደብ ብኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማርኮ ኢምፓሊያዞ ብዘስመዖ መደረ ዝተኸፈተን ዘተን ባህላዊ ዑደታትን ኣብ ከተማ ሮማ፡ ዘጠቓልል ኮይኑ፣ "ኣብ ሮማ ክካየድ ዝደረኸ" ሓላፊ መንእሰያት ንሰላም ኣብ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ እስተፋኖ ኦርላንዶ ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "እቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምዃኑ ሓቢሩ፡ ዕለት 30 ነሓሰ ንግሆ፡ ኩሎም እቶም ኣብዚ መደብ እዚ ዝሳተፉ መንእሰያት ናብ ቅድስ ጴጥሮስ ክነግዱን ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሓልፉን ኣብታ ዕለት እቲኣ (ዕለት 30 ነሓሰ) ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ምርያም ዘትራስተቨረ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩን ከም ዝኾኑ የመላኽት።
ህጹጽነት ዘተ
እዚ ኣኼባ’ዚ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ንመላእ ዓለም ንኹሉ ግጭታት፡ ዋላ’ውን ነቲ ዝተረሰዐ ግርጭታት ከብቅዕ ምጽዋዕ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኩሎም ህዝብታት ናብ ዕርቂ ዝወስድ ወሳኒ ስጉምቲ ክሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ካብዞም መንእሰያት ንላዕሊ ዝርድኦ የለን። "ብዙሕ ግዜ" ይብል ኦርላንዶ፡ "ብዙሓት ካብኣቶም፡ ኣካል ናይቲ ምንቅስቓስ መንሰያት ንሰላም ዝኾኑ፡ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ዘአንገዶም ስደተይናታት ንኣብነት ካብ ከም ሶርያን ዒራቕን ዝኣመሰሉ ኣብ ስቓይ ካብ ዝርከብ ከባቢታት ዝመጹ፣ ሕጂ ድማ፡ ንኻልኦት ዝቕበሉ፡ ንጽጉማት፡ ኣረጋውያንን ኣዝዮም ተቓላዕቲን ዝሕግዙ ዘለዉ እያቶም።”
ነቕ ዘይብል ተስፋ
ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ምሕዝነት ዝሳተፉ መንእሰያት፣ ብዛዕባ'ቲ ኩሉ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘድምይ ዘሎ ወጥሪን ዓመጽን ዘሻቕሎም እውን እንተኾነ፣ ኣብ ልቦም ነቕ ዘይብል ተስፋ ከምዘሎ ግን ዘይከሓድ'ዩ እንክብል ኦርላንዶ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ "እዚ መዓልታት'ዚ ድማ ኣብ ሮማ በዚ ተስፋ'ዚ ክንነብር ንደሊ፡ ነዞም ጸገማት ብሓባር ክንፈትሖም ንፍትን። ከምኡ'ውን ብሓባር ንእከብ ምህላውና'ውን ተስፋ ክንቆርጽ ከምዘይንደልን ነገራት ክቕየሩ ከምዝኽእሉን እዩ ዘረጋግጸልና።"
ጀግንነት ዝመልኦ ጅማሮ
መሰረት ዓለማዊ ምሕዝነት ቅድሚ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ብናይ መጀመርታ ጉጅለ መንእሰያት ንሰላም ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዶዮ ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኢጣልያን ካልእ ቦታታትን ቤልጅየም ክራኸቡ ጀሚሮም፣ እነሆ ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማ ኤውሮጳ ዝካየድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ እንክብል ዝሃቦ መግለጺ ይዛዝም።