ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃይቲ ንር.ሊ.ጳ. ምስጋና የቕርቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰበስልጣን ሃይቲን ብማሕበረሰብ ዓለምን ክስማዕ ተስፋ ንገብር" ነዝ ዝበሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሃይቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ሊቀ ጳጳሳት ማክስ ሌሮይ መሲዶር ኣስዒቦም፣ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ሰንበት - ዕለት 10 ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ሃይቲ ዝቕጽል ዘሎ ቕልውላው ብምትኳር በቲ "ብተስፋ ቍርጸት ተዋሒጡ ዝርከብ ዘሎ" ህዝቢ ሃይቲ ዘሕልፎ ዘሎ ስቃይ ብምግላጽ ዝተሰምዖም ዓሚቝ ጓሂ ገሊጾም፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ "ኵሉ መደያዊ ዓመጻን፣ ንግዳዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን፣ ብኣስገዳስ ዝፍጸም ዘሎ ምዝንባልን ከምኡውን ጭውያን" ኮኒኖም ኣብታ ሃገር ነባሪ ሰላም ክምለስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም፣ ማሕበረሰብ ዓለም ንኹነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ዝተፈላለየ ኣኼባታት ከምዘካየደ ብምዝኽካር፣ "ውጽኢት ናይቶም ኣኼባታት ንምትግባር ዝርኣ ዘሎ ምድንጓይን" "እቲ ብዙሕ ሃገራት ዝሓቖፈ ሓይሊ ደገፍ ጸጥታ ኣዝዩ ድሩት ጽልዋ” ከም ዘሕድርን ከቢድ ሕጽረት ሰራሕተይናታትን ኣወዳድባ ጸጋታትን” ከም ዘሎ ይሕብሩ።
ምስጋና ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14
በዚ ኸኣ ሊቀ ጳጳሳት ሃይቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 10 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ሃይቲ እንክዛረቡ፣ "እዚ ኣውያት ብስም ህዝቢ ሃይቲ" ከምኡ'ውን ንማሕበረሰብ ዓለም "ንኹነታት ሃይቲ ኣብ ምፍታሕ ዝያዳ ክዋፈሩ" ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም፣ ብዛዕባ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ህዝብታት፡ ግዳያት በደልን ውግእን ዓመጽን ዘለዎም ስክፍታ ብምግላጽ፣ "ድምጺ እታ ዓመጽ ደው ክብል ትጽውዕ ዘላ ኣብ ሃይቲ እትርከብ ቤተክርስትያን’ ከም ዘቃልሑ ኣመላኺቶም፣ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ሃይቲ ዝካየድ ዘሎ ቅልውላው ብምቕናዕ፡ “ብተስፋ ምቑራጽ እናተዋሕጠ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ” ዘጋጠሞ ስቓይ ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፣ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ዝፍጸም ዘሎ “ኩሉ ዓይነት ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ግዱድ ምምዝባልን ጭውያታትን” ከም ዝኾነኑን፣ "ንኹሎም ሓላፍነት ዝስከሙ ወገናት እቶም ዝተጨውዩ ብቕልጡፍ ክፈትሑ ልባዊ ጻውዒት አቕርብ፣ ማሕበረሰብ ዓለም "ህዝቢ ሃይቲ ብሰላም ክነብር ዘኽእሎ" ማሕበራውን ትካላውን ኩነታት ንምፍጣር ዝሕግዝ ጭቡጥ ደገፍ ክገብር ከም ዝጸውዑ የዘኻኽሩ።
ገበን ደረት የብሉን
"ብሓቂ ሊቀ ጳጳሳት መሲዶር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስዒቦም፣ "ቤተክርስትያን ሃይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ደረጃ ገበን ደረት ዘይብሉ እዩ . . . እዚ ባርባራዊ ተግባር ሓደ ካብ ብዙሓት ምልክታት ውድቀት ናይ ሓደ መንግስትን ናይ ህይወትን ሰብኣዊ ክብሩን ዝስእን ዘሎ መንግስትን ሕብረተሰብን' እዩ" ኢሎም።
ብቐንዱ ንዓና ደቂ ሃይቲ ክንውደብ
ብቐዳምነት ሃገርና ኣብ ዙርያ ሓደ ናይ ሓባር ውጥን ምውዳብ፡ ኣብ ዘይጎነጻውን ፍትሕን ዘተ ምድንፋዕ፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣውያት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ልቢ ሃይቲ ክድመጽ ኣለዎ።
ሃይቲውያን ካብቲ ንልምዓት ዝዕንቅፉ ሰንሰለታት ነጻ ክኾኑ
ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሃይቲ ንቅዱስ ኣቦና ደጊሞም ብምስጋን፡ "ህዝቢ ሃይቲ ካብ ኩሉ እቲ ንዕብየቱ ዝዕንቅፍ ሰንሰለት - ብፍላይ ድማ ካብ ዓመጽ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ስእነት ሃገራዊ ንቕሓት፡ ከምኡ'ውን ንስልጣንን ንሃብትን ዝገብርዎ ንኣሽቱ ቃልስታት - ነጻ ምእንቲ ክኾኑ፡ ክሕገዙ ኣብ ጸሎት ንሓብር - ምስ በሉ - እዚ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እምነት ህዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ ሃይቲ የሐይል። ኢዮቤል ንዓናን ንሃይቲን ናይ ጸጋን በረኸትን ግዜ እዩ። ምኽንያቱ፣ ተስፋ ኣብ ኣምላኽ ዘየሕፍር እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።