MAP

ፓትርያርክ ፒዛባላ : 'ልብታት ኣብ ቅድስቲ መሬት  እውን ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም' ፓትርያርክ ፒዛባላ : 'ልብታት ኣብ ቅድስቲ መሬት እውን ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም' 

ፓትርያርክ ፒዛባላ : 'ልብታት ኣብ ቅድስቲ መሬት እውን ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም'

ነቲ ዕለት 22 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጸውዕዎ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒዛባላ ንሰባት ኣብታ ሓባራዊ ባይታ ምርካብ ዳርጋ ዘይከኣለላ ቅድስቲ መሬት እውን ከይተረፈ ሰባት ንኽኣምኑን ሰናይ ንኽገብሩን ክፉታት ክኾኑ ኣብ ምግባር ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንህልው ኩነታት ዓለም ኣተኩሮ ዝህቡን ልቢ ሰባት ክቕየር ከምዝኽእል ተስፋ ከምዘለዎምን ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ነሓሰ ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብፍላይ ኣብ ቅድስት መሬትን ዩክሬንን ብምትኳር ነቶም ብሰንኪ ዕጥቃዊ ግጭታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት እግዚኣብሔር “ሰላምን ፍትሕን ክጽግዎም” ንጐይታ ክልምኑ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጸልይ ጹም ናብ ኣምላኽ ተመለስ

ካርዲናል ፒዛባላ ንቫቲካን ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ዝግደሱን ትኩረት ዝህቡሉ ብምዃኖም ነመስግን፣ "ሰላም ኣዝዩ ተነቃፊ ዝኾነ ጉዳይ እዩ፣ ብዕምቆት ዝስምዓና እዩ። ንመዓልታት ጸሎትን ጾምን ቃል ክንኣቱ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን ተኻይዱ እዩ፣ ኣብዚ ህሞት እዚ ክንገብሮ እንኽእል እንኮ ነገር ድማ ንሱ እዩ: ምጽላይን ጾምን፣ ኣቓልቦና ናብ እግዚኣብሔር ምቕናዕን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ልቢ ደቂ ሰባት ምእንቲ ክቕየር እንኮ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ጸሎት እዩ" ኢሎም።

ጸሎት ናይ ሽሕር ቀመር ኣይኮነን

ጸሎት ግና “ጸገማት ዝፈትሕ ናይ ስሕበት ቀመር” ትውክልቲ ከምዘይብሉ ካርዲናል ፒዛባላ ገሊጾም።

ጸሎት ልቢ ንምቕያር ከም ዘገልግል ብምግላጽ፡ ጸሎት ከምቲ ኣብ ውግእን ሰላም ዘይምህላውን ዘጋጥም፡ ጽልእን ምንጻግን ኣብ ዘስዕብሉ ልቢ ንምኽፋት ዘገልግል እዩ . . .  ንልቢ ወትሩ ንምትእምማን፡ ጽቡቕ ንምስራሕ፡ ሰናይ ንምህናጽ ድሌት ክፉት ዝገብር እዩ። እዚ ድማ ሓይሊ ጸሎት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ህሞት እዚ ነቲ ካልእ ምልላይ ዳርጋ ዘይከኣል ኣብ ዝኾነላ ቅድስቲ መሬት።”

ልቢ ሰብ ክቕየር ዝኽእል እዩ

እምበኣር ጸሎትን ጾምን ነቶም ብሞትን ዓመጽን ጥፍኣት ኣብ ዘሎሉ ቦታ ንዝነብሩ፡ ሰላም ዝብል ቃል ሓባራዊ መርገጺ ዘይረኸበሉ ኣብ ዝመስል ቦታ ሓባርዊ መርገጺ ዝህብ እዩ - ቢሎም - ኣብ ትካላት ሓባራዊ ባይታ ኣይረክብን እዩ።” “ኣብተን ዓበይቲ ውዳበታት፡ ፖለቲካ ይኹን - ወዮ - ሃይማኖታዊ’ውን ባይታ ኣብ ዘይረኽበሉ እዋን፡ እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ብዙሓት ነዚ ቁልቁል ዘውርድ ዕንክሊል ዘይቅበሉ ሰባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ባይታ ይረክብ። ጸሎት ምስቶም ኩሉ እምነት ዘለዎም ሰባት ነዚ ምትእስሳር ንምፍጣር’ውን የገልግል’፡ እዚ ምትእስሳር እዚ ምስ ኩሉ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ዋላ’ኳ ኩሉ እንተሃለወ፡ ሕጂ’ውን ልቢ ሰብ፡ ዋላ ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ክቕየር ከም ዝኽእል ክኣምኑ ይደልዩ።”

ሓይሊ ጸሎት

ናይ ዓርቢ ዕለት 22 ነሓሰ ጸሎትን ጾምን ምእንቲ ሰላም፣ “ክርስቶስ ኣብ ቓዛ ብኹር ከም ዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ፣ ማሕበረሰብ ሓይሎም ብልክዕ ካብ ጸሎት፡ ካብቲ ኣብ ማእከል እቲ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ ምቅዋምን ዝመጽእ እውን እዩ ክብል እኽእል። በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጎበጣ እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ኣይንፈልጥን ኢና፡ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና፡ እንታይ ከም ዘጋጥመና ኣይንፈልጥን፣ ግን ናይ ምቅዋም ሓይሎም፡ ንኹሉ ሰብ ክሕግዙ ካብ ዝገብርዎ ጻዕርን ይምንጭው፣ እዚ ሓይሊ እዚ ብልክዕ ካብ ጸሎትን ካብቲ ብሓባር ምህላዎምን እዩ ዚመጽእ፣ እዚ ኸኣ ጸሎት ጥራይ እዩ ከውህቦ ዚኽእል።”

ዕለት 22 ነሓሰ ምእመናን ቅድስቲ መሬት፡ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን፡ እቲ ቀጻሊ ጭንቀት ምእንቲ ከብቅዕ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሶምን ምእንቲ ጎረባብቶምን ክጽልዩ እዮም። እቲ ውግእ ናብ ከባቢና እናቐረበ ይኸይድ ኣሎ፡ ህዝቢ ናይቶም ቀረባና ዝኾና ከባቢታት ተሰዲዶም ኣለዉ፡ ስለዚ እንሆ፡ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ንምርዳእ ንጽበ ኣለና" እንክብሉ ካርዲናል ፒዛባላ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

22 Aug 2025, 17:30