መንግስቲ ኒካራጓ ብደናግል ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ሃጊሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዳንኤል ኦርቴጋን ሮዛርዮ ሙሪሎን ዚምራሕ መንግስቲ ኒካራጓ ነቲ ኣብ ናይ ዞባ ካራዞ ማእከል ከተማ ኸኖተፐ ዚርከብ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዘገልግል ዘሎ ብደናግል ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ሳን ኾሰ ከም ዝሃገረ ኤፈ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ፣ ሮዛሪዮ ሙሪሎ ነተን ደናግል ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍ፣ ኣብቲ ኣብ 2018 እተኻየደ ተቓውሞታት ተሳቲፈን ብዝብል "ገበን" ከም ዝኸሰሰተንን ደገፍቲ ሳንዲኒስታ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ ናይታ ዓመት እቲኣ እተላዕለ ጸረ - መንግስቲ ኣድማ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ "ስቓይን ቅትለትን" ከም ዝወረዶም ብምምልካት፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ንኽብሪ ሓደ ኣብ እዋን እቲ ተቓውሞታት እተቐትለ ቢዝማርክ ማርቲነስ እተባህለ ሳንዲኒስታ፣ "ስም ክጽዋዕ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት ደናግል ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍ
ብመሰረት ናጻ መርበብ ሓበሬታ Despacho 505 ፡ ተመራማሪት ማርታ ፓትሪሲያ ሞሊና፡ ነቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒና፡ ሙሪሎ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበር ደናግል ቅዱስ ዮሴፍ ዘቕረበቶ ክሲ ናይ ሓሶትን ጠቐነን እዩ ከም ዝበለት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1915 ናብ ኒካራጓ ዝኣተዋ ኣባላት ማሕበር ደናግል ቅዱስ ዮሴፍ፣ ንኣወዳትን ኣዋልድን ክርስትያናውን ሰብኣውን ክብርታት ንምምሃር ዝተመስረተ ወትሩ ኣብ ህንጸት ዜጋታት ዝተወፍየ ምንባሩ ከም ዝሓበረት ኣፍሊጡ።
ሕ.መ. ኣሜሪካ ነቲ ተግባር ትኹንኖ
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ክፍሊ ጉዳይ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ፡ ነቲ መንግስቲ ኒካራጓ ዝወሰዶ ስጒምቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሎ (ናይ ቀደም ትዊተር) ብምኹናን፡ “እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ጭካነ ምልካዊ ስርዓት ኦርተጋን ሙሪሎን ደረት ከምዘይፈልጥ ተወሳኺ መርትዖ እዩ” እንክብል ርእይቶ ከም ዝሃበን መንግስቲ ኒካራጓ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ወይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግሊ ንብረት ክህግር እዚ ናይ መጀመርታ ከም ዘይኮነን፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስርዓት ኦርተጋ ክልተ ብቤተክርስትያን ዝውነና ህንጻታት ከም ዝመንዘዐን እዚ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ማታጋልፓ ዝርከብ ቅዱስ ልዊስ ጎንዛጋ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ናይ ሱባኤን መንፈሳዊ መደባትን መሳለጢ ማእከል ከም ዝሃገረን ምስ ግዜ እውን ኣብ ልዕሊ ጳጳሳትን ካህናትን ብብዝሒ ምእሳርን ምስጓግን ከምኡ’ውን እገዳ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን መግለጽታትን ከም እተራእየ ዝዝከር እዩ።