ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብ 2025 - 2050 ጉስነታዊ ራእይ ዘትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጉባኤ ጳጳሳት ዝውክሉ ልዕሊ 250 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SECAM) ይሳተፉ ከም ዘለዉን፣ እቲ መበል 20 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ኣብ ቁምስና ንግስተ ሰላም ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዘስምዕዎ ስብከትን ዕለት 30 ሓምለ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ናይቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን
ድሒሩ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውዕሎ ንጳጳሳት ዕላማ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) መዘኻኸሪ ቀሪቡ፣ ብፍላይ “ንሓደስትን መንሰያት ጳጳሳትን” ምኽንያት ምምስራት ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ንምንጻርን ንምልላይን ዝዓለመ ከም ዝነበረን፣ ነዚ ውዕሎ እዚ ዝመርሑ ኣብ ጋና ናይ ኬፕ ኮስት ሊቀ ጳጳሳት ጋብሬል ቻርለስ ፓልመር ቡክለከ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብዛዕባ ታሪኽ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ብምስትንታን ቀጺሉ ኣብ መወዳእታ እቶም ጳጳሳት ዓለም ብቕልጡፍ ኣብ እትቕየረሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ናይ ሓባር ጉስነታዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሑ ከም እተሰማምዑ ዜና ቫቲካን ናይ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣፍሪቃ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ
መራሔ መንግስቲ ሩዋንዳ ዶክተር ጃስቲን ንሰንጊዩምቫ ኣብ ቀዳማይ ውዕሎ መደረ ከም ዘስምዐን ጳጳሳት ኣፍሪቃ እቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሩዋንዳ ከካይዱ ብምምራጾም ንተጋባእያን ጳጳሳት ኣመስጊኑ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ንብዙሓት መንግስታት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ትምህርትን ጥዕናን እሙን መሻርኽቲ ብምዃና ብስም ሃገርን መግንስትን ምስጋና ኣቕሪቡ፣ "ኣፍሪቃ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ እያ ዘላ፣ ዝሓለፈ ቁስሊ ኣብ ዝሓውየሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደስቲ ዓለማዊ ጸቕጥታት ድማ ይቕልቀሉ ኣለዉ። ኣብ ምግጣም እዞም ብድሆታት ግን ፍሉይ ናይ ተሓድሶ ዕድል ኣሎ። ቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ከም ድምጺ ሕልና፡ ስነ - ምግባራዊ መሪሕነት ከተነቓቕሕ፡ ክብሪ ከተስፍሕ ግብረ ገባዊ ቡሶላ ሃገራትና ከተደልድልን ወሳኒ ተራ ኣለዋ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ኣምቦንጎ – ክርስቶስ ምስ ኣፍሪቃ ይመላለስ
ነቲ ምሉእ ኣኼባ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ኣቦ መንበር ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ፣ ኣብታ ኣህጉር ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታት ደው ክብል ውዕዉዕ ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ፣ ወሲኾም፡ “እቲ ናይቲ ምሉእ ሓፈሻዉ ጉባኤ፡ ‘ክርስቶስ፡ ምንጪ ተስፋ፡ ዕርቅን ሰላምን’ ዝብል መርሕ ቃል ንነፍሲ ኣህጉርና ብዕምቆት ዝትንክፍ እዩ። ኣብዛ ብውግእ፡ ድኽነት፡ ብግዱድ ምዝንባል፡ ከምኡ’ውን ቅልውላው ስነ - ምህዳር ዝተበታተነት ዓለም፡ ኣጠማምታና ናብቲ ህያው ምንጪ ፈውስን ተሓድሶን ዝኾነ ክርስቶስ ንቕንዓዮ፣ ንሱ’ዩ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ስቓያ ሓቢሩ ምስኣ እናተጓዕዘ ነቲ ዝተመቓቐለ ልቢ ዘተዓርቕ፡ ስግኣት ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዘለሉ ተስፋ ዘቕርብ። ከም ደቀ መዛሙርቲ መጠን፡ ስነ - ጥበባውያን ሰላም፡ ነብያት ተስፋ፡ መጋበርያ ዕርቂ ክንከውን ተጸዊዕና ኣሎና . . . ከም ዝበሉ ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብተመሳሳሊ ሊቀ ጳጳሳት ኣርናልዶ ሳንቸዝ ካታሎን ኣብ ሩዋንዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ፣ ኣብ መንጎ ሩዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኮንጎ ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ቀጻሊ ተበግሶ ሰላም ክካየድ ኣተባቢዖም። "ሓቀይና፡ ነባሪ ሰላም ክህሉ ልዑል ተስፋ ከም ዘሎን፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰላም ንምርግጋጽ ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ'ዩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ ሰላም ዘተን ስምምዓትን ክግበርን ነባሪ ሰላም ከረጋገጽን ንጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ምትሕብባር ጳጳሳት ዓለም ምስ ኣፍሪቃ
ኣብቲ ናይ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ቀዳማይ ውዕሎ ብተወሳኺ ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክትተሓባበር እትኽእለሉ ዝርዝር ግብራዊ መገድታት ከም ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ማለት ካብ እስያ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝመጹ ወከልቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕብረት እውን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ዘተባብዕ መደረ ከም ዘስምዑን፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ብዙሓት ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ መሻርኽቲ ትካላትን ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ዓለማውያን ምእመናን ወከልቲ ይሳተፉ ከም ዘለዉ የመላኽት።