MAP

ጳጳሳት ደሴታት ተኣኪቦም ብዛዕባ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓስፊክ ይዛተዩ ጳጳሳት ደሴታት ተኣኪቦም ብዛዕባ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓስፊክ ይዛተዩ 

ጳጳሳት ደሴታት ተኣኪቦም ብዛዕባ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓስፊክ ይዛተዩ

ካብ መላእ ሃገራት ዞባ ፓስፊክ ዝመጹ ጳጳሳት ኣብ ኣሜሪካ ሳሞኣ እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓስፊክ እንታይ ይሓታ ኣበይ’ከ ይጽውዓ” ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ካብ ዕለት 5 - 11 ነሓሰ መደብ ጸሎትን ምይይጥን ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሓቂ “ናይ ፓስፊክ” ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምዃን እንታይ ማለት እዩ? ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ካብ መላእ ሃገራት ዞባ ፓስፊክ ዝመጹ ጳጳሳት ኣብ ኣመሪካ ሳሞኣ ኣብ እትርከብ ከተማ ፓጎ ፓጎ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ፣ ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ናይ ቅድስድቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ጋቦር ፒንተር ብዘስምዕዎ መደረ ከም እተጀመረ ዜና ቫቲካን የመላኽት፣

“ብዕምቆት” ኣብ ፓሲፊክ ዝተሰረተት ቤተ ክርስቲያን!

ሊቀ ጳጳስ ጋቦር ፒንተር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንፓስፊክ “ትንፋስ ዝህብ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዘለዎ ዞባ፡ ዓሚቝ ስምዒት መንፈሳውነት ዝመልኦ፡ ብዕምቆት ዝተሰረተ፡ ተጻዋርነት ብዘለዎ ባህልታት እተቐርጸ” እንክብሉ ምስ ገለጹ ኣስዒቦም፣ “ኣብቲ ዞባ ኣገደስቲ ብድሆታት ከም ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር፡ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት፡ ማሕበራዊ በደልን ምጉዳል ዓቕሚ መንእሰያትን ዝብሉ ብምዝኽካር። እዞም ክውንነታት እዚኣቶም "ናይ ርሑቕ ስክፍታታት ኣይኮኑን፣ እንታይ ደኣ "ኣብ ኣካላት መዓልታዊ ህይወት እቲ ዞባ ዘሎ እዩ" ከም ዝበሉዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ "ሕመረት" ናይ ሴፓክ ራእይ ሓቅነቱ እተረጋገጸ 'ናይ ፓሲፊክ' ቤተ-ክርስትያን ምዃን ዝብል ዓሚቝ ባህጊ ከም ዘሎ ኣብ ፓስፊክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፒንተር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ . . . ነቲ ሃብታም ባህላዊ ውርሻ ናይ ኣቦሓጎታት ጥበብ ከምኡውን ናይ ማሕበረሰብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ናይተን ደሴታት ኣፍልጦ እትህብ እተኽብሮ ከምኡውን ብትብዓት ኣብ ህይወታ እተእትዎ ቤተ-ክርስትያን ዝውክል እዩ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እታ ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ከተተኵረሉ ዘለዋ እተፈላለየ መዳያት ማለት - ክንክን ውቅያኖስ፣ ምትሕብባር ልኡካነ ወንጌል፣ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትም ከምኡውን መንሰያት ኣብ ሓላፍነት ምስታፍን ኣብዚ መዳይ እውን ምትብባዕ ብቕዓቶም ከደልድሉ ምሕጋዝ እንክብሉ ብምዝኽካር፣ መደረኦም ኣብ ፓሲፊክ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን "ክርስቶስ ዘማእከለት" ፍትሒ ሰላምን ኣከባብያዊ ዕቝባን ንምርካብ ብውዕዉዕ ስምዒት እተወፈየት ከምኡውን "ኣብ ሃብታም ባህላዊ ኣካሊት ደሴታትና ዓሚቝ ሱር ዝሰደትን ዓምባቢትን ዝብል ራእይ ዘለዋ እያ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Aug 2025, 15:46