ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዓብይ ቬትናም
ካብ መላእ ቬትናም ዝመጹ ኣስታት 70 ሓለፍቲ ስነ መዕበያ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ቁምስና ሳም ሶን፡ ሃገረ ስብከት ታን ሆኣ፡ ብዛዕባ ስነ መዕበያ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ዘማእክለ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘካየዱ ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብጳጳስ ጆሴፍ ዶ ኳንግ ካንግ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጉዳያት ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተመሪሑ ካብ ዕለት 4 ክሳብ 6 ነሓሰ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ Ratio Nationalis - ሃገራዊ ስርዓትን Fundamentalis Institutionis Sacerdotalis - መሰረታዊ ስርዓትት ተቕዋመ ክህነት 2016 ዘማእከል ምንባሩ ኢካስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ጳጳስ ካንግ ነቲ እዋናዊ ሓበሬታ “ኣገዳስን ትርጉም ዘለዎን ዕማም” ብምባል ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ሕንጸት ክህነት ዝቐርጽ ምዃኑ ኣብሪሆም፣
እቲ ዋዕላ ካብ 11 ኣባይት ትምህርቲ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ሓለፍቲ ስነ መዕበያ ካህናትን መምሃራንን ኣመሓደርትን ሽማግለ ጉዳያት ህንጸት ካህናት ዋና ጸሓፊ ኣባ ጆሴፍ ፋም ቫን ትሮንግ ዘሳተፈ ከም ዝነበረን ኣፍሊጡ።
14 Aug 2025, 15:40