ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምሕላው ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ኣብ ጃካርታ ዝርከብ ማእከላይ መንግስቲ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘይምጽውዋር ብፍላይ ብዓመጽ ኣብ ዝተሰነየሉ እዋን ወሳኒ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም፣ ዓመጸይና ዘይምጽውዋር ከቢድ ገበን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ “ዝኾነ ሰብ ስርዓት ኣልቦ ተግባራት እንተፈጺሙ፡ ብፍላይ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢንዶነዥያ ንዝግበር ጸሎትን ኣምልኾን ዒላማ ዝገበረ እንተኾይኑ፡ ብዘይ ግቡእ መቕጻዕቲ ክተርፍ የብሉን” ከም ዝበሉ የረጋግጽ።
እዚ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ቦታታት ኣምልኾን ምስ ማሕበረሰባት ክርስትያን ዝተኣሳሰሩ ትካላትን ዝተፈጸመ ሓያሎ መጥቃዕትታት ስዒቡ ከም ዝኾነን፣ ብመራሕቲ ካቶሊክ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃይማኖት ኮንፊሽያን (ማታኪን)፡ ከምኡ’ውን ብወከልቲ ቡድሃን ፕሮቴስታንትን ዝተኸተመ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት እምነት ኢንዶነዥያ ስሙር መርገጺ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ናይ ሃይማኖትን ናይ ኣምልኾን ናጽነት ኣብ ቅዋም ኢንዶነዥያ ኣብ 1945 ዝተቐመጠ ብመሰረት ዓንቀጽ 28ን 29ን ዝተረጋገጸ ምዃኑ ብምምልካት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸረ ሃይማኖታዊ መጥቃዕቲ ተግባራት ከይፍጸም መንግስቲ ብመገዲ ኣኽበርቲ ሕግን ከባብያዊ ሰበስልጣንን ኣቢሉ፡ “ብጽኑዕ ጣልቃ ክኣቱ” ግዴታኡ ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ የብርህ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት ምዕናው ሓያሎ ናይ እምነት ክርስቲያን ኣምልኾ ቦታታትን ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ፕሮቴስታንት ዝተፈጸመ ዘመተን ዘጠቓልል፣ ኣኽበርቲ ሕግን ፍርዳዊ ኣካላትን ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ዓመጽ ክኹንኑን፣ ሃይማኖታዊ ተግባራት ምስንኻል ወይ ንጸሎት ዝውዕሉ ቦታታት ምዕናው ዝኣመሰሉ ዝፍጸሙ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ብዕምቆት ክምርምሩን ተመፍሳሳሊ ዓመጽ ከይፍጸም ኣብ ምክልኻል ክሕግዙን ጳጳሳት ኢንዶነዢያ ኣብ መግለጺኦም ከም ዝሓተቱ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።
እቶም ነቲ መግለጺ ዝኸተሙ ወከልቲ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ኢንዶነዢያ ምሕላው ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ናይ ኩሎም ተወፋይነት ይሓትት፡ ማለት ናይ መንግስቲ ትካላት፡ መድረኽ ሃይማኖታዊ ስኒት (FKUB)፡ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ናይ ሕብረተሰብ ተወፋይነት ይጠልብ። ናይ ኣምልኾ ቦታታት ወትሩ “ናይ ሰላምን ድሕነትን ክብርን ቦታታት” ኮይኖም ክቕጽሉ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ምእመናኖም በቲ ማሕበረሰብ ዝህውኽ ቃላት ከይተሰናበዱ እምነቶም ብሰላምን ብስኒትን ብተጻዋርነትን ክነብሩ ተላብዮም፣ እቲ መግለጺ ኣብ መደምደምታ "ነፍሲ ወከፍ ምጥቃዕ፡ ምኽልካል ወይ ምዝንባዕ መደባት ጸሎትን ኣምልኾን፡ ንህንጸት ምጽውዋርን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ከቢድ ማህረምቲ እዩ፣ ስለዝኾነ ናይ ምፍርራሕ፡ ዓመጽ፡ ወይ ብሓደ ወገን ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ምድራት ሕጊ ዝጥሕስን ከም ዜጋታት ሓደ ህዝቢ ብሓባር ናይ ምንባር መሰረታዊ ክብርታት ዘዳኽምን” ምዃኑ ብኣጽንዖት ይሕብር።