ህንዲ፣ ጳጳሳት ኣብ ኦሪሳ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይኹንኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ (CBCI) ኣብ ምብራቓዊ ህንዲ ግዝኣት ኦሪሳ ኣብ ዝርከብ ክፋል ሃገረ ስብከት ባላሶር ዝኾነት ከተማ ጃለስዋር ክልተ ካቶሊካውያን ካህናትን ሓደ መምህርት ትምህርተ ክርስቶስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብትሪ ይኹንን።
"ዘሰክፍ" ቅዲ ዓመጽ
ጳጳሳት ህንዲ ዕለት 8 ነሓስ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ነዚ ፍጻመ "ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ዘሰክፍ ቅዲ ዓመጽ እዩ" እንክብሉ ገሊጾሞ። እቲ መጥቃዕቲ 6 ነሓሰ ምሸት ኣብ ጃለስዋር ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ቶማስ ቆሞስ ኣባ ሊጆ ኒራፐል ብኻልእ ካህንን ክልተ መነኮሳትን ብሓደ መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ተሰንዮም ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ዓዲ ክልተ ካቶሊካውያን ዜጋታት ሞት ክልተ ካቶሊካውያን ንዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ቅዳሴ ምዕራጎም ናብ ቁምስናኦም እናተመልሱ እንከለዉ ዝተፈጸመ ኮይኑ፣ እተን ክልተ መነኮሳት ብገለ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ከባቢ ክድሕና እንከለዋ፡ እቶም ክልተ ካህናትን እቲ መምህርት ትምህርተ ክርስቶስን ድማ "ሃይማኖት ኣብ ምስዳዕ ተግባር" ተዋፊሮም ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም፡ ተበዲሎምን ተቐጥቂጦምን እዮም። ኣባ ሊጆ ናይ ኢድ ተለፎኖም ከም እተመዝዑን እቲ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ብጭካነ ከምዝተቐጥቀጠ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።
ቅዋማዊ መሰላት ውሑዳት ተጣሒሱ
እቶም ነቶም ክልተ ካህናትን ነቲ መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ዘጥቅዑ ኣስታት 70 ሰባት ዝሓቖፈ ጉጅለ ኮይኑ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ከምዘይኮኑ ይንገር። ብመሰረት ጸብጻብ ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ፡ እዚ መጥቃዕቲ "ቅሉዕ ምግሃስ ቅዋማዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን" ክኸውን እንከሎ፡ "እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝንባለ ዓመጽ ጉጅለታት ንሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ከቢድ ሓደጋ እዩ፣ ከባብያዊ መንግስቲ ኦሪሳ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣለሊዩ ክኸስስን ድሕንነት ውሑዳን ንምርግጋጽን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ብመሰረት ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፡ እቶም ሰለስተ ሰባት ብልዕሊ 70 ኣባላት ኣኽራሪ ጉጅለ ሂንዱ ባጅራንግ ዳል ኣብ ዝተወጠነ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ኦሪሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ
እዚ ኣብ ኦሪሳ ዝርኣ ዘሎ ሃዋህው ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋርን ዓመጽን ስክፍታታት ዘልዕል ኮይኑ፡ ክርስትያን ካብ 42 ሚልዮን ህዝቢ 2.7 ሚእታዊት ክኾኑ እንከለዉ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብኣቶም ሰዓብቲ ሃይማኖቱ ሂንዱ እዮም። እዛ ኣብ ምብራቓዊት ህንዲ እትርከብ ግዝኣት ንክርስትያናዊ ስደት ጓና ኣይኮነትን። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓ.ም. ኣብ ኣውራጃ ካንዳማል ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ኣስታት 100 ክርስትያን ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ድማ ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ከም እተገዱን፣ ኣብያተ ክርስትያናትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ሓዊሱ 395 ህንጻታትን 6,500 ኣባይትን ክፈርስ እንከሎ፡ ሓያሎ ትካላት ትምህርትን ማሕበራውን ጥዕናን ድማ ዓንየን ተዘሚተንን እየን። ከምኡ’ውን እቲ ናይ 2008 ፍጻመ ዝተነጸለ ኣይነበረን: ብመሰረት መረዳእታ መድረኽ ሓድነት ክርስትያን (UFC) ኣብ ግዝኣት ኦሪሳ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ብውሑዱ 40 መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።