MAP

ሃይቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ደም ምፍሳስን ልዕሊ ሕጊ ምዃንን ፍርሕን ደው ክብል ትጽውዕ ሃይቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ደም ምፍሳስን ልዕሊ ሕጊ ምዃንን ፍርሕን ደው ክብል ትጽውዕ 

ሃይቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ደም ምፍሳስን ልዕሊ ሕጊ ምዃንን ፍርሕን ደው ክብል ትጽውዕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ትሽዓተ ሰባት ድሕሪ ምጭዋይ፡ ናይ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንስ ርእሰ ሰበኻ ነቲ ፍጻመን "ውድቀት መንግስትን ትርጉሙ ዝስእን ዘሎ ሕብረተሰብን" ብትሪ ኮኒኑ፣ ህዝቢ "ድምጹ ከስምዕ፡ ብጸሎት ክጥርነፍን ነዚ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ሃዋህው ንምንጻግ ስጉምትታት ክወስድን" ይጽውዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ፖርት -  ኣው - ፕሪንስ ርእሰ ሰበኻታት፣ ሓንቲ ኣየርላንዳዊት ልእኽቲ ወንጌልን ሓደ ኣካለ ስንኩል ህጻንን ዝርከብዎም ትሽዓተ ሰባት ምጭዋይ፡ "ባርባራውን ዘሕፍርን ተግባር" እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ነቲ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ሃይቲ ዝጸሉ ዘሎ "ግብረ ገባዊ ውድቀት" ዝኹንን መግለጺ ከም ዘውጸአን፣ እቲ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት ሴንት - ሄለን ደ ኬንስኮፍ ዝተፈጸመ ጭውያ ኮኒኑ፣ ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ብጸሎትን ብጭቡጥ ተወፋይነትን ምላሽ ክህቡ ዝተጸውዑ ምእመናንን ከምኡውን ነቶም ስርዓት ድሕንነትን ፍትሕን ውሕስነት ኣብ ምርግጋጽ ዝዓዩ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ጻውዒት የቕርብ።

ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ርእሰ ሰበኻታት ፖርት - ኣው - ፕሪንሰ ነቲ ጭውያ "ኣብ ልዕሊ ክቡር መዳያት ሕብረተሰብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ - ቢሉ - ንብጻይካ ብተወፋይነትን ንንጹሓት ዕሸላትን ምክልኻልን ምሕብሓብን ንእምነትን ብግብሪ ምሕረት ዘንጸባርቕን ኢዩ። ዓመጽ ብቐጥታ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ዝጸልው ጥራይ ዘይኰነስ ንሰላማዊ ህላወን ሰብኣዊ ኽብርን እውን እዩ ዘዳኽም፣ ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ዝርአ ገበናት ኩሉ ብኸመይ "ናይ መንግስትን ትርጕም ህይወት ዘጥፍእ ዘሎ ሕብረተሰብን ፍሽለት" ዘጉልሕ ምዃኑ ብምምልካት፣ "እዚ ዘይግመት ኣዕናዊ ተግባር ልማድ ይኸውን ከም ዘሎን ከምኡውን "ኣብ ልዕሊ ንደገፍን ትምህርትን ዕቝባን ተስፋን እተወፈየ ቦታታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ስለ ዝኾነ፣ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፋሉል ሃዋህው ናይ መጠንቀቕታ ኣውያት እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ጳጳሳት ጻውዒት ሓላፍነት

ቤተ ክርስቲያን ንክብደት ናይቲ ኩነታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንመላእ ሕብረተሰብ፣ "ኩሎም ምእመናን፣ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድምጾም ከስምዑ፣ ኣብ ጸሎት ክጽንበሩን ነዚ ናይ ሰብኣውነት ምጉዳል ሃዋህው ንምንጻግ ስጉምትታት ክወስዱን" ትዕድም። ድሕነትን ቅልጡፍ ምፍታሕን ናይቶም ዝተጨውዩ ሰባት ከረጋግጽ፣ ሰላማዊ ሕብረተሰብ፡ ወተሃደራውን ሓለዋ ጸጥታን ሰበስልጣን፣ " ሓላፍነቶም ክወስዱ" ይላቦ። መጻኢ ዕድል ሃይቲ፡ "ኣብ ምፍሳስ ደም፡ ፋሉልነትን ፍርሕን" ክህነጽ ኣይክእልን'ዩ፣ ምኽንያቱ "ሓቢርና: ነዚ ውድቀት እዚ ይኣክል ክንብልን! ከምኡ እውን ስጉምቲ ክንወስድን ግዚኡ በጺሑ እዩ” ብምባል መላእ ህዝቢ፣ ሃይቲ ካብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ደልሃመት ከድሕን እጃሙ ከበርክት ትጽውዕ።

ዘይምግዳስን ሰብኣዊ ቅልውላውን

ኣብ መወዳእታ ቤተ - ክርስትያን ኣብ ሃይቲ፣ መእመናንን መላእ ሕዝቢ ሃይቲ "ንስቓይ እቶም ግዳያት ዘይግደሱ" ምእንቲ ከይንኸውንን፣ "ኣብዚ ቐስ እናበለ ግን ከኣ ኣብ እተወሰነ ጥፍኣት እታ ሃገር ተሓባበርቲ ምእንቲ ከይንኸውንን" ኣብ "ዘይምግዳስን ውሽጣዊ ግጭትን" ዘይምእታው ዘለዎ ኣገዳስነት ክሓስቡ ትዕድም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብመሰረት እቲ ኣብ ሃይቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ካብ ሚያዝያ ክሳዕ ሰነ እንተ ወሓደ 185 ጭውያ ከም ተፈጸመን፣ እቲ ጸብጻብ ነቲ ኣብታ ደሴት ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ክሳዕ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንዝሞቱን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባትን ዘስዓበ ነዊሕ ማሕበራዊ - ፖለቲካዊ ቕልውላው ከቢድን ኣዚዩ ዘጨንቕን ምዃኑ የብርህ።

08 Aug 2025, 15:41