ኣባ ሮማነሊ፦ ቃዛውያን ክርስትያን ምስቶም ዚሳቐዩ እዮም ክጸንሑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቆሞስ ናይታ ኣብ ገማግም ቃዛ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ፣ "ነቶም እተሸገሩ ማለት ንኣረጋውያንን ንሕሙማትን ምግልጋል" ኪቕጽሉ መሪጾም ኣለዉ።
ክቡር ኣባ ጋብሪኤለ ሮማነሊ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ኣብ ኢድ ጐይታ ኢና ዘሎና ብሓገዝ ብዙሓት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሕያዎት ሰባት ከኣ እዚ ከም ዘቋርጽ ንተኣማመን ኢና" በሉ።
ኵሎም እቶም ኣብ ቃዛ ኣብ ዝርከብ እንኮ ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን ዝርከቡ ሰባት "ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ከገልግልዎ ኢዮም መጺኦም፣ ንሕና ድማ ኣብ ቅድሚ ድኻታትን ሕሙማትን ነቶም ዝሳቐዩ ነገልግሎም ኣሎና" በሉ።
ኣባ ሮማነሊን እቶም ምስኦም ዝነበሩ ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ጐድኒ እቶም እተሸገሩ ዀይኖም ኪጸንሑን ጐይታ ብዝሓተቶም መሰረት ድማ "ንዅሉ ኼገልግሉን " ከም ዝመረጹ ገለጹ።
ኣብቲ ቍምስና ምስቶም ቆሞምስ ናይቲ ቤተክርስቲያን፣ ካህናት ኣባላት ማሕበር ሥጋ ዝለበሰ ቃልን ካልኦት ደናግል ናይዚ ማሕበርን ከምኡ ውን ኣሓት ደናግል ልኡካን ፍቕሪ ኣባኡ ይርከቡ ኣለዉ።
ክቡር ኣባ ሮማነሊ ኣብ መግለጺኦም "ኵላትና ሓደ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘሎና" በሉ። "ንኣረጋውያንን ንጭኑናትን ንዝተጐድኡን ንስንኩላንን ዜድልዮም ነገራት ክንርኢ ኸለና፣ ጐይታ ንዕኦም ኣብ ምግልጋል ክንቅጽል ይጽውዓና ኸም ዘሎ ንርዳእ ኢና፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን እቶም ሰባት ከመይ ገይሮም እዮም ክድሕኑ? ከመይ ገይሮም እዮም ከ ክመሓደሩ?"
ሰላም ክሰፍን ንጸሊ፣ ነቲ ውግእ ውን ደው ነብሎ
እዞም ቆሞስ ቤተ-ክርስትያንን ቃዛ ምስቶም ኻልእ ልኡካነ ወንጌል ኣባል ሰብ ውፉይ ሕይወር፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ እቶም ላቲናዊ ፓትርያርክ የሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒዛባላ ከምኡውን እቶም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ የሩሳሌም ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ሳልሳ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ኣመልኪቶም መቕለጺ ሃቡ።
ክቡር ኣባ ሮማነሊ ንሱን ኵሎም እቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጋዛ ዘለዉን ብሕብረት "ንዅሎም እቶም ገለሉን፣ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለውን ከምኡውን ነቶም ክረኽብዎም ዘይክእሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕሙማትን ዝተጐድኡን ሰባት ኣብ ብምሉኡ ገማግም ቃዛ ዘድልዮም ክንክን ምእንቲ ኽግበረሎም ሰላም ክረኽቡን ብቐጻሊ ይጽልዩ ኣለዉ" በሉ።
ጥፍኣትን ሞትን ጕድኣትን
ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣብ ከተማ ቃዛ ዘሎ ዅነታት እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ከመይሲ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይታ ኸተማ ወተሃደራዊ ንጥፈታትን ቦምባታትን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ክቡር ኣባ ሮማነሊ እዚ ግዜ ጸበባ እዚ "ዝያዳ ሞት ዝያዳ ዕንወት ዝያዳ መጉዳእቲ" ከም ዘምጽአ ገለጹ ።
"ናብ መጻኢ ብምጥማት ንዅሉ ሰብ ዝያዳ ምጥርጣር ዝፈጥር ሓፈሻዊ ዅነታት እዚ ኢዩ - እቲ ውግእ ከም ዝቕጽል ከምኡውን እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት ብቐጥታ ምስ ከተማ ቃዛ ውግእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።"
ኣባ ሮማነሊ ንዅሉ ሰብ ሰላም ክወርድ ክጽሊ ይዕድሙ፣ እቲ ግጭት ኬቋርጽ ድማ ምሕጽንታ የቕርቡ።
"ንሕና ብዓብዪ ብሕያውነትን ትሕትናን ኣብዚ ኽንቅጽል ኢና" በሉ። እዚ ቐሊል ኣይኰነን እንተዀነ ግን ኣብ ኢድ ጐይታ ኢና ዘሎና፣ ብሓገዝ ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሕያዎት ሰባት ከኣ እዚ ዅሉ ሓደ መዓልቲ ከም ዘብቅዕ ንተኣማመን ኢና" ክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ።