መርበባዊ ቃል ኪዳን ካቶሊካዊ መናብርተ ጥበብ ሓዳስ ኣደ መንበር መሪጹ
ናይ ስልታዊ ኪዳን ካቶሊካውያን ናይ ስነ ምርምር መናብርተ ጥበብ (SACRU) ኣብ ፖርቱጋል ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊት ኢዛበል ካፔላው ሓዳስ ኣደ መንበር ኮይና ከም እተሓረየት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዶክተር ኢዛቤል ካፔላው ጊል፡ ሓዳስ ኣደ መንበር ስልታዊ ኪዳን ካቶሊካውያን ናይ ስነ ምርምር መናብርተ ጥበብ (SACRU) ኮይና ከም ተሓረየት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ካቶሊካዊ ናይ ስነ ምርምር ትካል “ብካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝተሓበረ ንብሉጽነት ምርምርን ምምሃርን፣ ንጽምዶን ዓለማዊ ምትሕብባርን ዝውፈዩ መርበባዊ ጽዑቕ መጽናዕቲ ዘካይድ ኮይኑ።” እቲ ኪዳን ካብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ኣውስትራልያን ዝመጻ መናብርተ ጥበብ ዘጠቓለለ እዩ።
ስልታዊ ኪዳን ካቶሊካውያን ስነ ምርምር መናብርተ ጥበብ (SACRU) ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ፣ ዶክተር ጊል ነቲ ኪዳን “ምዕሩይ ምርምር ምስ ካቶሊካዊ ክብርታትን ተልእኾን ዘወሃህድ ፍሉይ መርበብ ፍልጠት” ቢላ ብምግላጽ፣ "ምርምር፡ እተን ኣብቲ መርበባዊ ብጹዕቕ መጽናዕትታት ዝዋስኣ ትሽዓተ መናብርተ ጥበብ ንምምሃርን ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋልን ከውዕላ ዝኣተወኦ ቃል ኪዳን ዓቢ ሓይሊ እዩ . . . ሕጂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንምስጓም፡ ዘተን ንኹሉ ዝሓቁፍን ምትሕግጋዝን ንምዕባይ ወሳኒ ተራ ኣለወን” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
19 Aug 2025, 17:23