ካሪታስ ቬትናም፡ ንመጻኢ ወለዶታት ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምክልኻል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጎ 2008ን 2023ን ዓ.ም. ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸን ካብ 30 ሽሕ ናብ ዳርጋ 134 ሽሕ ከምዝዓበየን ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ኣካል ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ ብርቱዕ ወሰኽ ካብ ዝረኣየለን ሃገራት ሓንቲ ሃገር ቬትናም ምዃና ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ግዳያት ንምስሓብን ንምትላልን ብኣካል ክራኸቡ ኣየድልዮምን እዩ። መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንገበነይናታት “ልሙዕ መሬት” ኮይኑ ኣሎ። ብመርበባት ዝፍጸም ምትላል ብዙሓት ቬትናማውያን ናብ ከም ካምቦጅያ፣ ላኦስ፣ ሚያንማርን ቻይናን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ ብምግባር ሃገራዊ ቅልውላውን ከቢድ ማሕበራዊ ጉዳያትን የስዕብ ኣሎ።
ንመጻኢ ወለዶታት ምሕላው
እናተ ተረዛ ፋም ኒን ካን ሃው ካብ ሰበኻ ሁንግ ሆኣ ኣባል ጨንፈር ካሪታስ፣ ምስ ልዕሊ 100 መንእሰያት ተራኺባ ናይ ምትላል ሜላታት ከለልዩን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣፍልጦ ክህልዎም ትሓንጽ። ከምኡ’ውን ኣብ ቁምስና ቲየን ኖን – ክሳብ ሕጂ ንልምዓት ሩዝ ውፉይ ዝኾነ ከባቢ እታ ሃገር – ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ምርካብ ንቕሓት ውሑስ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ድሩት እዩ።
ኣብ ሁኤ ዝርከብ ጨንፈር ካሪታስ ብፍላይ ድማ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መርበብ ዝርከብ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምምካት ትኹረት ብምግባር፡ ብመንገዲ ሽማግለ ምክልኻል ዘይውሑስ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን መምርሕን ዘተኣማምን ሓበሬታን ብምቕራብ ነቲ ገበን ኣብ ምቅላስ ይርከብ፣ ብመሰረት ሚኒስትሪ ህዝባዊ ድሕነት፡ ቬትናም ኣብ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብመርበብ ዝፍጸሙ ጉዳያት ምትላልን ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባትን ተግባራቶምን ብዕምቆት መርሚራን ብምክትታልን፡ ብርክት ዝበሉ ግዳያት ክድሕኑን ሃገራውን ኣህጉራውን ርክብ ዘለዎም መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክዕጸዉን ከም ዝገበረት ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።
ናብ ለውጢ ምስራሕ
ኣብ 2024 ጥራይ ኣስታት 163 ጉዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ከም እተረኽቡን ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝተመርመሩን እውን ኮይኖም፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2025 ድማ 120 ጉዳያት ከም እተራእዩን 73% ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዋሳእ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ቬትናም ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ቁጽሪ ተጠቀምቲ መርበብን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘለወን ሃገራት እያ - ልዕሊ 72 ሚልዮን ሰባት ተጠቀምቲ እዮም። ፊደስ ከም ዝጸብጸቦ፡ 17% ተጠቀምቲ ካብ 13 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድሚኦም ከም ዝኾኑን፣ ካብቶም ኣስታት 24.7 ሚልዮን ህጻናት ቬትናም፡ ዳርጋ 97% ካብኣቶም ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 5 ክሳብ 7 ሰዓታት ኢንተርነት ዝጥቀሙ ምዃኖም ይፍለጥ።
እዞም መንእሰያትን ዓበይትን ብዘይ መምርሕን እሙን ሓበሬታን፡ ኣብዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም፡ ነቲ ኣብ መስመር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ምትላልን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ብቐሊሉ ተቓላዕቲ ምዃኖም ፊደስ ኣገልግሎት ዜና መግለጺ ጨንፈር ካሪታስ ቨትናም ጠቒሱ የመላኽት።