MAP

ካሪታስ ፓኪስታን ነቶም ብውሕጅ ዝሳቐዩ ኣሽሓት ሰባት ሓገዝ የቕርብ ካሪታስ ፓኪስታን ነቶም ብውሕጅ ዝሳቐዩ ኣሽሓት ሰባት ሓገዝ የቕርብ  (ANSA)

ካሪታስ ፓኪስታን ነቶም ብውሕጅ ዝሳቐዩ ኣሽሓት ሰባት ሓገዝ የቕርብ

ዋና ሓላፊ ጨንፈር ካሪታስ ፓኪስታን ከም ዝጸብጸቦ፡ ብውሕጅ ዝተሃሰያ 2,500 ኣባይቲ ስድራ፡ ማለት ኣስታት 17,500 ሰባት፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ካብ ዕለት 15 - 16 ነሓሰ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕ ማይን፡ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤት ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ካሪታስ ፓኪስታን ነቶም ኵለ መዳያዊ ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት መሰረታዊ ሓገዝ ንምቕራብ ይዓዪ ከም ዘሎ መግለጺ ካሪታስ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣  “ቤተክርስትያን ብጸሎትን ብተግባርን ምስቶም ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ደው ከም ዝበለትን ጨንፈር ካሪታስ ፓኪስታን ኩሎም ምእመናንና፣ ናይ ውሽጢ ዓድን ዓለምለኻውን መሻርኽትና ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ሓገዝ ከቕርቡ ብምትብብዕ፣ ብንጥፈት ምላሽ ይህብ ከም ዘሎ ኣብ ፓኪስታን ጨንፈር ካሪታስ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ካራቺ ሊቀ ጳጳሳት ቤኒ ማሪዮ ትራቫስ ንማዕከን ዜና ፊደስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘፍለጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣  ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሲንድህ ምዕልቕላቕ ማይን ብርቱዕ ዝናምን ከም ዘሎ ድሕሪ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ንካራቺ ህጹጽ ኵነታት ከጋጥም ከም ዝኽእል እውን እንክንገር፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ከባቢ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይን ዕንወትን እንተ ወሓደ ሸውዓተ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም የመላኽት።

ዝቐርብ ሓገዝ

ስፍሓት ናይቲ ጉድኣት ብምግንዛብ፡ ዋና ሓላፊ ጨንፈር ካሪታስ ፓኪስታን ኣምጃድ ጉልዛር፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይን ጠንቅታቱን መሰረት ብምግባር ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት እንክብል ገሊጹ። ኣብቶም ብውሕጅ ዝተሃስዩ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቅልጡፍ ሓገዝ ይዕደል ከምዘሎ ኣብሪሁ፣ ኣባላት ካሪታስ ኣብ ባይታ ኮይኖም ድሌታት ይግምግሙን መግቢ፡ መጽለሊ፡ ሕክምናዊ ክንክን የቕርቡን ጻዕርታት ረድኤት የወሃህዱን ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ፣ ወለንተይናታትን ሰበስልጣን ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ብሓባር ብምስራሕ ድሌታት ዝተጎድአ ህዝቢ ንምፍላጥ ኣብቲ ብውሕጅ ዝተጎድአ ከባቢታት ይበጽሑ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ዋና ሓላፊ ጨንፈር ካሪታስ ፓኪስታን ጉልዛር ከም ዝጸብጸቦ፡ ብውሕጅ ዝተሃስያ 2,500 ኣባይቲ ስድራ፡ ማለት ኣስታት 17,500 ሰባት፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር። ካሪታስ ፓኪስታን ብተወሳኺ ምስ ውሕጅ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ንምብዳህ ዝሕግዙ 15 ነጻ ሕክምናዊ መዓስከራት ከም ዘጣየሰን፡ ንዝተመዛበሉ ዝኸውን መዕቆቢ እውን ተልዳልዩ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣

ቅልጡፍ ሓገዝ የድሊ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀዳሞት ሓገዝ ዝረኽቡ ከባቢታት እቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከም ዝኾኑ ጉልዛር ገሊጹ፣ ካሪታስ መጀመርያ እቶም ብምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን "ንዝተነጸሉን ዘይብጻሑን ንዝኾኑ ማሕበረሰባት ቀዳምነት ከም እትህብ፣ ኣብዞም ከባቢታት ዝነብሩ መሰረታዊ ሕክምናዊ ክንክን ንኽረኽቡ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ጥዕና የቕርቡ ምህላዉን፣ በርገሳውያን ማሕበራት፡ ለገስቲን መሻርኽትን ኣብ ፓኪስታን ንዝፍጠር ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ኣብ ሓደ ክመጹ ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ “ህይወት ንምድሓን፡ ኣባይቲ ስድራ ንምሕላውን ነቶም ዝተጎድኡ ክብሪ ንምምላስን ቅልጡፍ ደገፍ የድሊ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Aug 2025, 16:53