ካሪታስ ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓለምለኻዊ ምምካት ዓመጽ ክህሉ ይጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዓመጽ ናይ ምውጋድ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ዓመጽ ኣብ ምወጋድ ክተግሁን ከምኡ’ውን ኑባሪያዊ ክብርን ዋጋን ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ ኣፍልጦ ክህቡ ይጽውዕ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ስጉምቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዕለት 19 ነሓሰ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምኽንያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ቓዛ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩክሬን፡ ሚያንማርን ካልኦት ናይ ግጭት ዞባታትን ብዝተፈጸመን ብዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ዝተሰናበዱ መራሕቲ ሃይማኖትን እምነት ዘለዎም ሰባትን ድምጺ ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ብዓውታ ክቃላሕ" ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ የረጋግጽ።
ኣብዚ ዕለት እዚ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ 22 ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ከም እተቐትሉን፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ፍጻመ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕለት 19 ነሓሰ ከም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዝኸረሉ ዕለት ክኸውን ውሳነ ከም ዘጽደቐ መግለጺ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ የዘኻኽር።
ናይ ሓባር ምሕጽንታ
ነዚ ኣጋጣሚ፡ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከባ ሰብኣዊ ትካላት ብምጽንባር "ነቶም ኣብ ማእከል ሰብኣዊ ቅልውላው ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ህይወቶም ዝሰውኡ" ንምዝካርን "መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤትን ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ግቡእ መቕጻዕቲ ዘይህብ ኣካይዳ ክምክቱ” ሓቲቱ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ 162 ሃገራትን ግዝኣታትን ዝርከብ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓቁፍ ኣብ ዞባታት ግጭት ንዝርከቡ ኣብ ቅድመ ግንባር ህጹጽ ምላሽ ዝህቡ ሰባት ዘጋጥሞም ሓደጋታት ሰፊሕ ተመክሮ ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ትካላት ዝርከቡለን ሃገራት፡ እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ተረኺባ፡ ሓገዝን ሓለዋን ከም እተቕርብ እቲ መግለጺ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ የመላኽት።
ንሰራሕተይናታት ረድኤት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋታት የጋጥም
ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኩሮ እውን ተበጊሱ፣ ንሰራሕተይናታት ረድኤት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋታት የጋጥሞም ከምዘሎ ነቒፉ፣ ኣብ 2024 ጥራይ ልዕሊ 380 ሰራሕተይናታት ረድኤት ኣብ 20 ሃገራት ኣገዳሲ ተልእኾኦም ኣብ ምፍጻም እንከለዉ ከም እተቐትሉን፣ እዚ ዝንባለ እዚ እውን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምቕራብ ኣገልግሎት ናይ ምንቁልቋል ምልክት ክህልዎ ይገብር ከም ዘሎን፡ ኣብ ክንድኡ ድማ 2025 ዝገደደ ይኸውን ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ፣ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ 2025 ዓ.ም. ኣብ መላእ 17 ሃገራት 128 ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።
ንዝተቐትሉ ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ምዝካር
ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተቐትሉ ኣባላት ጨንፈር ካሪታስ ኢየሩሳሌም፣ ንቪዮላ ኣል ኣማሽን ኢሳም ኣበድራቦን ካልኦት ኣብ ማሪዩፖል ዩክሬንን ኒጀርን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዝተቐትሉ ኣባላት ካሪታስን ናይ ካልኦት ሰብኣዊ ትካላት ሰራሕተይናታት ብምዝካር፣ ኣብ መወዳእታ፡ ሎሚ ንኹሎም ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ እንከለዉ ዝተቐትሉ ንዝክር፡ ሓዘንና ንገልጽ ንጽልን፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ዕቝባ ናይቶም ህይወቶም ንኻልኦት ንምግልጋል ዘወፍዩ ብንጹርን ብዘይ የማታእ መገዲ ተዘክሮኦም ከነኽብሮ ጥራይ ዘይኰነስ ስጕምቲ ኽንወስድ እውን ይድርኸና" እንክብል ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘውጸኦ መግለጺ ይዛዝም።