ላቲናዊ ፓትርያርክ ፒዛባላ: ዘይርሳዕ ደም ኩሎም ንጹሃን ኣብ ቓዛን ዓለምን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቃንዛ ዘመንና ይብሉ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት "ብደጋዊ ጣዕሚ ዝተለበጠን ዘይጭበጥን ተገይሩ ስለ ዝቐርብ ብዙሕ ዘይእመንን ዘየእምንን ብምዃኑ፣ ናይ ሰላም ዘተ ንምርግጋጽን ከምኡ'ውን ነቲ ህልው ኩነታት ብዕምቆት ክንምርምርን ወይ ከነወግዞን ዕድል ከይህልወና ይገብር። ኣብ ውሽጢ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ኣብ ዘይመስል መዓት ከም ኣመንቲ ደው ክንብል ንጽዋዕ . . . ከም ዝበሉን ብጹዕነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ የውሃንስ ራእይ ምዕ. 11, 12. 12, 1 - 6 እተወስደ ቀዳማይ ምንባብ ኣማእኪሎም - እዚ ጽሑፍ እዚ፡ “ኣብዚ ብቃንዛ ዝተመልአ ኣዋርሕ” ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ምንጪ ኣስተንትኖ ኮይኑ ከም ዘሰነዮ የዘኻኽሩ።
ኣብ ዓለም መንፈስ ክፍኣት ከም ዘሎ ምፍላጥ
ካርዲናል ፒዛባላ ብመሰረት ናይ ዕለቱ ምንባብ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ህላወ መንፈስ ክፍኣት ዘመላኽት ሓሳብ ኣተኲሮም፣ ከም ገበል ዝተመሰለ - "ንርእሱ ካብ ምጽናዕን ኣብ ልዕሊ ዓለም ቁጥዐ ካብ ምፍናውን ፈጺሙ ዘየቋርጽ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ 'እቶም ትእዛዛት ኣምላኽ ዝሕልዉን ምስክርነት ኢየሱስ ኣጽኒዖም ዝሓዙን” እንክብሉ ብምዝኽኻር፣ "ኩላትና ክፍኣት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክስዓር ንደሊ፡ ካብ ህይወትና ክጠፍእ ንደሊ። ግን ከምኡ ከም ዘይኮነ ድማ ንፈልጦ ኢና፡ እንተኾነ ግን ሓይሊ ክፍኣት ኣብ ህይወት ዓለም - ከምኡ'ውን ኣብ ህይወትና - ክቕጽል ምዃኑ ዘሕምም ንቕሓትን ምስትውዓልን ሒዝና ክንነብር ኩሉ ግዜ ከም ብሓድሽ ክንመሃር ኣሎና።"
"ብሰብኣዊ ሓይልና ጥራይ፡ ነቲ ገዚፍ ሓይሊ ናይቲ ገበል ክንስዕሮ ኣይንኽእልን። ምስጢር እዩ - ክሳብ ክንደይ ተሪርን ከቢድን እዩ - እዚ ናይ ምድራዊ ክውንነትና እዩ። እንተኾነ ግን ኢድና ሂብና ክንበር ዘይኮነስ፣ ብኣንጻሩ - ብዝኾነ ይኹን መገዲ ካብኡ ከይሃደምና፡ ግን ከኣ ብዘይ ፍርሕን ከይደገፍናዮን ከይሓባባእናዮን ናይቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ንጥፈት ህይወት ምስትውዓል የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቅድስቲ ምድሪ፡ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ሰይጣን እንታይ እዩ!
ካርዲናል ፒዛባላ ብመንጽር ናይ ዕለት 15 ነሓሰ ዓቢይ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም፣ “ገበል ኣብ ልዕሊ እቲ ፍረ ፍቕሪ ዝኾነ ዘርኢ ህይወት ክዕወት ከም ዘይክእል” ኣጉሊሖም፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምድረበዳ እግዚኣብሔር ህልው ዝኾነሉን ሓልዮቱ ዘርእየሉን እምበር ኣልቦ እግዚኣብሔር ዝኾነ ስፍራ ማለት ኣይኮነን . . . ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣዚዩ ከቢድን ጽንኩርን እዋን - ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ሓይሊ ክፍኣትን ዓለማዊ ሓይሊ ብምጥንቃቕ፡ ኣብዛ ምድርን ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ብሓቂ ዝሰዓረ ኣብ ዝመስለሉ እዋን፡ ንዓና ዘድልየና ሓልዮት ካብ ምልጋስ ኣየቋርጽን - ቢሎም - ምዝዛም ኲናት፡ መወዳእታ ናይቲ ዝገድፎ ተጻብኦታትን ቃንዛን በሰላታትን ዘመልክት ከምዘይኮነ ኣጠንቂቖም. . . ካብ ብዙሓት ልብታት፡ ናይ ሕነ ምፍዳይን ሕርቃንን ድሌት ክቕልቀል እዩ። እቲ ንልቢ ብዙሓት ዝገዝእ ዝመስል ክፍኣት ንጥፈታቱ ደው ከብሎ ኣይክእልን'ዩ - ብቐጻሊ ኣብ ስራሕ ክጸንሕ'ዩ፡ ነዚ ኩሉ ሳዕቤናት ናይዚ ኲናት ኣብ ህይወት ሰባት ክንገጥሞ ክንግደድ ኢና። እዛ ቅድስቲ መሬትና - ንዝዓበየ ምግላጽን መግለጽን ኣምላኽ እትሕሉ - እቲ ዝዓበየ መግለጺታት ሓይሊ ሰይጣን'ውን ትመስል። ምናልባት'ውን ልክዕ እታ ሕመረት ታሪኽ ድሕነት ዝሓዘት ቦታ ስለ ዝኾነት፡ እቲ 'ጥንታዊ ተጻባኢ' ካብ ዝኾነ ቦታ ንላዕሊ ንነብሱ ክጽዕነላ ዝሓርያ ቦታ'ውን ኮይና ኣላ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ህይወት ቦታ ምዃን
ፓትሪያርክ ፒዛባላ ኣብ ቅድሚ ሞትን ዕንወትን ትውክልቲ ምግባር ምስቶም ጽቡቕ ክዘርኡ ዝደልዩን ዝዘርኡን ሓድሽ ኪዳን ምቛምን ከምኡውን ንምሕዋይን ህይወትን ዝኸውን ቦታ ኣብ ምፍጣርን ክንሓብር ኣተባቢዖም፣ እከይ ሓሳባቱ ካብ ምቕራብ ኣይክቦክርን እዩ፣ ይኹን እምበር እቲ ገበል ናይ መወዳእታ ቓል ምእንቲ ከይህልዎ ኣመንቲ ቦታ ህይወት ኪዀኑ ዓዲሞም . . . ስለዚ ማእከል ህይወት ዓለም ኣይንኸውንን እዩ። ንመብዛሕትኡ ህይወት እቶም ሓያላት ዚመርሕ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣይንስዕብን ኢና። ምናልባት ሒደት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ እንተዀነ ግን ወትሩ እተፈለና ፈጺምና ዘይንሰማማዕን ንኸውን ምናልባት እውን በዚ ምኽንያት እዚ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ብዙሕ ጸገም የጋጥም ኣምላኽ ዘዳልዎ ቦታ ማለት ኣምላኽ ዘዕቝበሉ ቦታ ክንከውን ኢና። ዘርኢ ህይወት ብዅሉ መዳያቱ ኺሕልዉ ዚደልዩ መዕቈቢ ኽንኰኖም ተጸዊዕና ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ደም ንጹሃት ኣይርሳዕን
እቲ ገበል ኣብ መወዳእታ ክወድቕ ምዃኑ፡ ሕጂ ግን ክንጻወሮ ከም ዘሎና - ከምኡ’ውን ደም ንጹሃት፡ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ቓዛን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዓለም እውን ይኹን “ፈጺሙ ዝርሳዕ ኣይኮነ” ዝብል ዘለዎም እምነት ገሊጾም። እቲ ደም “ኣብ ገለ ኩርናዕ ታሪኽ ዝድርበ ዘይኮነ፣ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ዝውሕዝ፣ “ምስ ደም ገንሸል ተጸምቢሩ፣ ኣብቲ ኩላትና ኣካል ክንኮነሉ ዝተጸዋዕናሉ ናይ ምድሓን ዕዮ ዝሳተፍ እዩ። እዚ ኣብ ምድረ በዳ መዕቆቢ እዩ . . . ክርስትያናዊ ሕይወት ንመዐቀኒታት ዓለም ከም ዝግልብጥ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ንእግዚኣብሔር ክትነብር ብዘለዋ ድሌት ብሰይጣን ዝተዓንቀፈት ኣብ መወዳእታ ግና ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ዝፈጸመት ቅድስቲ ፍራንቸስካ በዓልቲ ሮሜ ዝሃበቶ ምስክርነት ዘኪሮም።
"እግዚኣብሄር ምስ ኩሉ ሰብ ከምዚ እዩ ዝሰርሕ . . . ንሱ ኣብ ህይወትና ይኣቱ፡ ንኹሉ ነግራት ድማ ይልውጦ፣ በዚ ድማ ንኹሉ ሰብ ናብ ቅድስቲ ማርያም ኣወኪፎም፡ ምስጢር ፍልሰታ ለማርያም ዘለኣለማዊ ድሕነት ኣቐድምና ንኸነስተማቕሮ ዝድርኽ ናይ እምነት ሓቂ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።