MAP

ካርዲናል  ጹፒ : ውግእ ቅድሚ መወዳእታ ምሃቡ መወዳእታ ክንገብረሉ ኣለና ካርዲናል ጹፒ : ውግእ ቅድሚ መወዳእታ ምሃቡ መወዳእታ ክንገብረሉ ኣለና  (@Vatican Media)

ካርዲናል ጹፒ : ውግእ ቅድሚ መወዳእታ ምሃቡ መወዳእታ ክንገብረሉ ኣለና

40 ሽሕ መንእሰያት ኢጣልያ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ነቲ ንሰላም ዝውፈ “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ” ዝብል ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ክፍሊ ናይ መንሰያት ቅነ ኢዮበል መደብ ከም ዘካየዱን ነቶም መንእሰያት ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማተዮ ማርያ ጹፒ መደረ ከም ዘስምዑን ከም እውን ካብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 31 ሓምለ ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ 40 ሺሕ መንእሰያት ኢጣሊያ ከም ኣካል ናይቲ ንመንሰያት እተወፈየ ቅነ ኢዮቤል፣ ኣብ ዘካየድዎ ጸሎተ ሃይማኖት ዘማእከለ መንፈሳዊ ስርዓት ዝመርሑ ናይ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ መንበር ጳጳሳት ካርዲናል ጹፒ፣ ሰብኣዊ ፍጥረት ንውግእ መወዳእታ ኽገብረሉ ኣለዎ እንተ ዘይኰይኑ ግና ውግእ ንሰብኣዊ ፍጥረት መወዳእታ ኽከብረሉ እዩ" . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።

ልብና ኣጽዋር የራግፍ!

እቶም ዝቐትል ኣጽዋር ዘፍርዩ ሰባት ቀታሊ መስቀል እዮም ዘፍርዩ" እንክብሉ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ንዅሉ እቲ ህይወት ዝህብ ነገራት እንኮላይ ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ትምህርትን ዘጥፍእን፣ ኣብ ትሕቲ መስቀል የዕንትና  ንብዓት መሊኡ፣ ልብና ከበድ ስቓይ ተሰኪሙ ደው ኢልና ኣሎና . . . ኣብዚ እዋን እዚ ማእለያ ዘይብሉ ዓውደ ሞት ማለት ማእለያ ዘይብሉ ውግኣት ከም ዘሎ ካርዲናል ጹፒ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣጽዋር ምርጋፍን ንኹሉ ኣጽዋር ዘፍትሕ ሰላም የድልየና እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሮም ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም፣ በዚ መሰረት እዚ "ልብናን ኣእዳውን ካብ ኣጽዋር ናጻ ንግበር፣ እዛ ዓመጸይና ዓለም ምእንቲ ከነወግድ ቍስላ ምእንቲ ኸነሕውዮ ከምኡውን ሓድሽ ግጭታት ምእንቲ ኸነወግድ ኣብ ልባታና ዘሎ ኣጽዋር ነወግድ" ዝብል ልባዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም፣ ብዛዕባ እዛ ንኻልኦት ከም ጸላኢ ጌርካ ምርኣይ ንቡር ዝዀነላ ዓለም ወይ ብዘይኦም ምሉእ ብምሉእ ክንበር ይከኣል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ማለት ምዃኑ ገሊጾም ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣቕሊልካ ናይ ምርኣይ ኣካይዳ እውን ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፓትሪያርክ ፒዛባላ : ካብቲ "ብዘይ ካልእ ኣነ" ዝብል ናብቲ "ንሕና ብሓባር" ዝብል ምርጫ ንሰጋገር

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓቲያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ናብቲ መንፈሳዊ መደብ ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ። ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ቓዛ ዝሰፍሕ ዘሎ ኣዕናዊ ጥሜት ከም ዘጉልሑን፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣትን ጸልማትን ማለት "መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ለይቲ" እምነት ኣገዳሲት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ "እቲ ዘሎ ስቓይ ጭቡጥ ኢዩ ክንክሕዶ እውን ኣይንኽእልን ኢና . . . እንተዀነ ግን እቲ ዘሎ ስቓይ ከነውግዶ እተጸዋዕና ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ቓዛን እስራኤልን ዝነበሩ "ጸወርቲ ብርሃን" ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት እናሓሰቡ ኣብታ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ካልእ ሃገራትን ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ "ኣነ ብዘይ - ካልእ" ነታ "ሓቢርና" እንመላሰላ መገዲ ብምምራጽ ተስፋ ምቑራጽ ዝነጽጉ እያቶም እንክብሉ ድማ ገሊጾም፣ ነቶም ተስፋ ንምህናጽ ዚጽዕሩ ካብ ኵለን ሃይማኖታት ዝመጹ ሓያሎ ትካላት ግብረ - ሰናይን ገዳማውያንን ገዳማውትን ወለንተይናታትን ዘኪሮም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምልክት ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ርሑቕ ዝመስል ናይ ዓመት ኢዮቤል መንፈስ ዘንጸባርቑ ከም መብራህቲ ብርሃን ዝምስክሩ እያቶም - ቢሎም - "ነቲ ዝዓነወ ህንጻታት ዳግም ክንሃንጸሉን ነቲ ዝዓነወ ማሕበራዊ ኣካሊት ኸነዐርዮን ዘሎና ህሞት ንምድላው ናብኦም ክንጥምት ኣሎና . . . ቤተ - ክርስትያን ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ከቢድን ሓድሓደ ግዜ ውጥረትን ዝመልኦ ምይይጥ ብምግባር እውን ከይተረፈ ኣብዚ ቓልሲ እዚ ክትርከብ ከም ዘለዋ ንዅሎም ኣዘኻኸሮም። ንሕና እውን ልክዕ ከም ጴጥሮስ ሓድሽ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ዚገብርን ምትእምማን ከም ዝሓድረና ገብርን ቃል ክንዛረብ ተጸዊዕና ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Aug 2025, 17:17