ካርዲናል ኩፒች ኣብ ናጋሳኪ፡ ሰላም ካብ ዘፍርሕ ዕርቂ ንላዕሊ ዓብይ ሓላፍነት ይጠልብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ብላሰ ጆሰፍ ኩፒች ዕለት 9 ነሓሰ 1945 ኣብ ጃፓናዊት ከተማ ናጋሳኪ ዝተፈጸመ ኑክልየሳዊ ደብዳብ ዝኽሪ መበል 80 ዓመት፣ ኣብታ ኣደዳ እዚ ደብዳብ እዚ ኾነት ከተማ ናጋሳኪ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ብዓይኒ መራሒ ቤተክርስትያን ግን ከኣ ብዓይኒ ሓደ ኣመሪካዊ ዜጋ፣ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣሜሪካ ኣቶማዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ዝወሰደቶ ውሳነ ብጽኑዕ ዝነቕፍን ዘውግዝን ገምጋም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት፡ ነቲ ምፍንጃር ኣቶማዊ ቦምባ፣ ምኽንያታዊ ክኸውን ዘይክእል እንክብሉ ብምግላጽ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን ካቶሊካዊ ግብረ ገባዊ ምህርትን ቀንዲ መትከላት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ተጻባእትን ሰላማውያን ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ዝጥሕስ እዩ - ቢሎም - "ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ኣብቲ ውግእ ኢድ ዘይብሉ ህዝቢ ምክልኻል ዝብል ስርዓት ዝጠሓሰ” ምንባሩ ብምዝኽካር፣ “ምሉእ ኲናት” ዝብል ስነ - መጐት ማለት ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ምግባር ወተሃደራዊ ስርሒት ዘውግዝ” ናይ ኣመሪካዊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ጆን ፎርድ ኣመክንዮ ብምዝኻር፣ እዞም ኢየሱሳዊ ካህን ድሮ ኣብ 1944 “ኣጽናቲ ቦምባት” ኩኑን ብምባል ብግብረ ገብን ስነ ምግባርን ዘይቅቡል እንክብሉ ከም ዝኾነንዎ ዘኪሮም። መጠንቀቕታ ኣባ ፎርድ፣ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት ወይ ምኽልካል ዝብል ዝለዓል ግብረ ገባዊ ሕቶታት ኣብ ዘይተፈትሓሉ እዋን’ዚ የቃልሕ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ለውጢ ኣብ ርእይቶ ህዝቢ
ካርዲናል ኩፒች ኣብ ኣመሪካ ርእይቶ ህዝቢ ከምዝተቐየረን እዚ እውን ኣብዚ እዋን መብዛሕቲኦም ሰባት ነቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጸመ ኣቶማዊ ደብዳብ ዘይሰማምዕሉ ምዃኖም ንጹር እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ኣሜሪካውያን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘመናዊ ናይ ግጭት ተርእዮታት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ዝሰማምዑሉ ይመስሉ እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም። ከምዚ ዓይነት ተግባራት ወተሃደዊ ህይወት ኣሜሪካ ዘድሕን እንተኾይኑ፡ ኑክልየሳዊ መጥቃዕቲ ቀጻሊ ደገፍ ህዝቢ ዘለዎ ምዃኑ ዘርኢ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ምርጫ የረጋግጾ እንክብሉ የስተብህሉ።
"እዚ ዘመልክቶ፡ ህዝቢ ኣሜሪካ ኒክልየሳዊ ኣጽዋር ክጥቀምን ኮነ ኢሉ ወጻእተይናታት ሰላማውያን ሰባት ዝቐትል እውን ይኹን፡ ካብ 1945 ጀሚሩ ከምቲ ብዙሓት ምሁራት ዝግምትዎ፣ ብዙሕ ከምዘይተቐየረ ሓቢሮም፣ ዘረባኦም እውን ንፍትሓዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ውግእ ዝገልጽ ትምህርቲ ዳግማይ ምቕራጽ ከምዘድሊ ኣጉሊሖም፣ ስነ ሜላዊ ስሌት ዘይኮነስ ኣብ ግብረ ገባዊ ቅርጽን ምድግጋፍን ሱር ዝሰደደ ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብተወሳኺ ኣገዳስነት ውሁድ ምፍታሕ ኣጽዋር ጠቒሶም፣ እዚ ቃል ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መሰረት፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ስነ - ምህዳራውን መሰረታት ሰላም፣ ንምፍታሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝጽውዕ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት - ምትላላትን
ካርዲናል ኩፒች ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፣ “ኣጠቓቕማ ስግኣታት - ወይ ፍርሒ ነቲ ብሓድነትን ሓቀይና ምዕባለን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተደፋፍአ ስነ-ምግባር ኣብ መንጎ ኣህዛብ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ከምጽእ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ . . . ካብቲ ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ምትፍናን ዝፍጠር ናይ ሓሶት ሰላም ኣጠንቂቖም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ንኢራንን ሰሜን ኮርያን ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ስነ መልክዓ ምድራዊ ወጥሪ ከም መርትዖ ናይቲ ብኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክመጽእ ዝክእል ቀጻሊ ሓደጋ ጠቒሶም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓላፍነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
ኣሜሪካ ሓንቲ ካብተን ክልተ ኑክሊየሳዊ ኣጽዋር ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዓለም ኮይና ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ ጎኒ ጎኒ ሩስያ፡ ሃገሮም ፍሉይ ሓላፍነት ዝተሰከመት ምዃና ገሊጾም፣ “ኣሜሪካ ኣብ ዘይኑክልየሳዊ መሰረት ዝተነብረ ኣህጉራዊ ስርዓት ክትሃንጽ ክትጽዕር ኣለዋ” እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ካብቲ ኣቶማዊ ደብዳብ ዝደሓኑ - ንዓሰርተታት ዓመታት ንሰላም ዝጣበቑሉ ምኽንያት ብምኽባር፣ እዚ ንውድድር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምቁራጽ ዝግበር ጻዕርታት ከነቓቕሕ ኣለዎ - ቢሎም - “ፍጥረት ሰብ ንምሉእ ምቁራጽ ውድድር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክውፈ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ እዚ ውድድር እዚ ማንም ሰብ ክዕወተሉ ዘይክእል፡ ግን ከኣ ማእለያ ዘይብሎም ሚልዮናት ዝጽንት እዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።