ጳጳስ ሎዲዮንግ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ዘተን ክህሉ ዝገብርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳስ ሎዲዮንግ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተራእየ ዓመጽ እናወሰኸ ብምኻዱ ኣብ ሰበኻ ላሱ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ፍልሰታ ለማርያም ዝገበርዎ ናይ ጉስነት ዑደት ከይተረፈ ብዙሕ ዕንቅፋት ዝፈጠረ ምዃኑ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ ስብከቶም የይ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ክርስቶስ ንጉስ ጳጳስ ሎዲዮንግ ንምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፡ ንላሱ ኣብ ዝበጽሑሉ ዝነበሩ እዋን ዓመጽ ከመይ ከምዝተፈንጀረ ኣዘንትዮም። ኣብ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ሓይልታት ተቓወምቲ ዝተሰለፉ ምልሻን ግጭት ምክንያዱ የረጋግጹ።
ብድሆታት እናሃለወ ዝስስን እምነት
እቶም ጳጳስ ኣብ ዓመታዊ ናይ ጉስነት ዑደቶም መደብ መሰረት ካብ መንበሮም ከተማ የይ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቁሸት ላሱ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ፍልሰታ ለማርያም ምብዛሕ ከም ዘካየዱን፣ ናይቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ማእከል ድማ ብዛዕባ ትምህርተ ክርስቶስ ምንባሩ ገሊጾም፣ ልዕሊ 200 ህጻናት ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐበሉን ዓርቢ ዕለት 22 ነሓሰ ድማ ናይታ ቁምስና ፍልሰታ ለማርያም በዓል ከም ዘብዓሉን ቁምስና ላሱ ህያው እያ - ኣስታት 60% ካብ ተሳተፍቲ ህጻናትን መንእሰያትን ምዃኖም ድማ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነበርቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዕቝባ ይሓቱ
እቲ ዘሕዝን ከባቢ ሰዓት 4.30 ንግሆ፣ ዓድታት ላሱን ሊቦጎን ዞባ የይ ብሃንደበት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ተቓወምትን ምክልኻል ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ወግእ ኮይኑ፣ ኣዚዩ ዘሰብድ ከም ዝነበረ ገሊጾም፣ ነበርቲ ላሱ ኣብ ቁምስና ክዕቍቡ ክግደዱ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ናብ ዱር ከም ዝሃደሙን. . . ካብ ደቂ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ዱር ክሕብኡ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ ንጹሓት ሕጻናት ዘየናሕስይ ሓድሕዳዊ ግጭት ብሓቂ ናብ ጥፍኣት ጥራሕ እዩ ዝመርሕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዘተ ጥራሕ እዩ ሽግራትና ክፈትሕ ዝኽእል
እቲ ግጭት ላሱ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ህጹጽ ቆላሕታን ምድሓንን ዘድልዮ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ “ኩሉ ሽግራትና (ኣብ ደቡብ ሱዳን) ፈቲና ጸሊእና ክፍታሕ ዝኽእል፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢልና ኣብ መፍትሒ ምስ እንሰማማዕ ጥራይ ኢዩ። እዚ ጉዳይ ዘተ እዚ ብቝልጡፍ ምስ እነካይዶ እቲ ውግእ ክይናዋሕ ንገብር ሕይወት ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነድሕን። እግዚኣብሄር ብመልክዑ ስለ ዝፈጠረና ርትዓውያን ደቂ ሰባት ኢና። እዚ ማለት ድማ ክንዛረብን ክንረዳዳእን ኣኽእሎት ኣሎና ማለት እዩ። ኣክንዲ ዘተ ኣጽዋር ክዛረቡ እንተድኣ መሪጽና ጥፍኣትን ዘይተኣደነ መከራን እዩ ዝስዕብ - ቢሎም - ናብ ላሱ ኣብቲ ዘካየድዎ ጉስነታዊ ዑደት ንዘሰነይዎም ምእመናን ኣመስጊኖም፡ “ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ፣ ብሰላም ናብ የይ ተመሊሰ። ይኹን’ምበር ንህዝቢ ላሱን ነታ ንፈትዋ ደቡብ ሱዳንን ጸሎትና ንቐጽል ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።