MAP

ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠሎሜዎስ ቀዳማዊ፡ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ኣይከኣልን! ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠሎሜዎስ ቀዳማዊ፡ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ኣይከኣልን! 

ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠሎሜዎስ ቀዳማዊ፡ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ኣይከኣልን!

ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ መበል 46 ዓውደ ጉባኤ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ህዝብታት፡ ናይ ቍስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠለምዎስ ቀዳምዊ ምስ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት “ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝኻየድ ዘሎ ውግእ ማለት ንክርስትያናዊ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋት እዩ” እንክብሉ ጓሂሆም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ከም ክርስትያናት መጠን ድምጽና ከነስምዕ፡ ክንጥርነፍ ይግባእ - ልክዕ ከምቲ ኣሕዋትና ዝገበርዎ፣ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ስለዘየለ ንፍትሒ ዘሎና ጽኑዕ ተወፋይነት ክንምስክር ኣሎና” ነዚ ዝበሉ ናይ ቍስጥንጥንያ ኤቀመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ ኣብ ሪሚኒ ብዛዕባ ጉባኤ ኒቅያ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ውዕሎ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣  ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓባራዊ ዕለተ ፋሲካ ክህሉ ከምዝኽእልን፡ ኣብዛ ብውግእ እትበታተን ዘላ ዓለም ምስክርነቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘኪሮም፣ ብዛዕባ ሓድሽ ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ከም ኣተዛረቡን፣ ናይ ሮማ ጳጳስ - ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እቲ ቀዳማይ ናብ ቱርኪ ንዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ ዝገብርዎ ክኽውን እዩ” ኢሎም።

ንኹሉ ክርስትያንን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ምልክት ዝኾነ ዓቢ ጉባኤ ኒቅያ መበል 1700 ዓመት ነብዕል ኣሎና። እቲ ጉባኤ እቲ ሎሚ እውን እንታይ መልእኽቲ እዩ ዚህበና?

ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ክርስትና ፍሉይ ምዕራፍ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ተስፋታት ክርስቶስ ሽዑ እተዛረበ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ይሰርሕ ኣሎ። ኣቦታት ኒቅያ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ እሙናት ኮይኖም፡ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ድሮ ንሰለስተ ዘመናት ብናይ ጥምቀት ምልክታት ኣቢላ ክትእውጅ ከም ዝጸነሐት ገሊጾም፡ ነቲ ዝተሰብከ ሓቂ ኣብ ቀኖናታት ኣቐሚጦምዎ እዮም።

እቲ ጉባኤ ንናይ ሎሚ ክርስትያን ክርስቶስ ብሓቂ እቲ ቃል ስጋ ዝኾነ፣ ብርሃን ካብ ብርሃን፣ ሓቀይና ኣምላኽ ካብ ሓቀይና ኣምላኽ፣ Homoousios - ብመለኮቱ ምስ ኣቦ ትኽክል ምዃኑ የዘኻኽረና። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እንተዘይከውን ነይሩ፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢሩ - ሓደ ንሓባራውን ዘይመቓቐልን ስላሴ - ሽዑ እቲ ክርስትያናዊ ታሪኽ ካብ ጽቡቕ ስነ - ምግባራዊ ፍልስፍና ሓሊፉ ካልእ ኣይምኾነን፣ ዛንታ ድሕነት ድማ ኣይምኾነን። እዚ ርድኢት እዚ ንኹሉ ተግባራትና ሎምን ንመጻእን ይቐርጾ።

ኣብ ኒቅያ ብዛዕባ ዕለተ ፋሲካ ተዘትዩ፡ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድማ ፈተነ ተገሩ እዩ። ድሕሪ ክንደይ ዘመናት ክርስትያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ማለት ፋሲካ ከብዕሉ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዩ?

ኣብ ኒቅያ ኣብ መላእ እታ እትፍለጥ ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ምምስካር ኣገዳሲ ምዃኑ ተወሲኑ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ታሪኻዊ ኩነታት ነቲ ጉባኤ ዝሃቦ መምርሒ ከይስዕብ ዓጊትዎ ኣሎ። ነቲ ዘጋጠመ ምፍራድ እዚ ቦታኡ ኣይኮነን፣ ግን ከም ክርስትያን ተኣመንቲ ንኽንከውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ትንሳኤ መድሓኒና ከነብዕል ከምዘለና ንርዳእ ኢና።

ምስ ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተ ተጀሚሩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተፈላለየ ተሃዋስነት ኣሎ። ሓደሽቲ ምፍልላይ ከይፍጠር እውን ግዴታና እዩ። ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ በቲ ኤቍመናዊ ጉባኤ ዝተወሰነ፡ ብኻልእ ኵላዊ ጉባኤ ጥራይ እዩ ክቕየር ዝኽእል። ሕጂ ውን ኩላትና ንመንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ክፉታት ኢና፣ ንሱ ሎሚ ዓመት ንዕለት ፋሲካ ምጥርናፍ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብንጹር ኣርእዩና እዩ ኢልና ንኣምን።

ብርግጽ ኣብዚ ዓመት እዚ ኩሎም ክርስትያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ፋሲካ ከብዕሉ እዮም። ፋሲካ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብዚ ዓለም ብሞት ቅድሚ ምፍላዮም ናይ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተራእዩሉ እዋን እዩ ነይሩ - ምስ ምእመናን ናይ መወዳእታ ምትሕቑቓፍ ዝገበሩሉ። ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንታይ ተዘክሮታት ኣለኩም፣ ኣብ ኤቍመናዊ ዘተ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ትኣምኑ?

ፍራንቸስኮ - እግዚብሔር ብዘላም የዕርፎም - ከምቲ ገዛእ ርእሶም ክጽውዕሉ ዝደልይዎ ዝነበሩ ናይ ሮማ ጳጳስ ጥራይ ኣይነበሩን። ሓው እዮም ነይሮም፣ ንዓበይቲ ብድሆታት ደቂ ሰባት ብምግዳስን ንሓድነት ክርስትያናዊ ዓለም ብዓሚቕው ኒሕ ምሳና ዝሓበሩ። ካብታ ዝተሓረዩላ መዓልቲ ጀሚርና ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ኣብ ዘበገስሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክንሳተፍ ዘለዎ ኣገዳስነት ተሰሚዑና - እዚ ንሓደ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ነይሩ።

ብሓባር ንሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት፡ ምስ ዓበይቲ ሃይማኖታት ንዘተ፡ ንሓባራዊ ፍትሒ፡ ንሓለዋ ኣከባቢ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ምእንቲ ዝተገለሉ ብሓባር ተቓሊስና። ብዙሕ ግዜ ኢና ተራኺብና፣ ነፍሲ ወከፍ ርክብ ድማ ኣብ መንጎ ንሓድሕዶም ዝፋቐሩ ኣሕዋት ዝካየድ ርክብ እዩ ነይሩ። እግዚኣብሄር በቲ ዝመስከርዎን ብህይወቶምን ብዝፈጸመዎ ኵሉ ክሽልሞ እዩ። Requiescat in pace - ብሰላም ይዕረፉ!

ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት 8 ግንቦት 2025 ዓ.ም.  ምስ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ልዮን መበል 14 . . .

ድሮ ክልተ ግዜ ተራኺበዮም ኣለኹ

እወ፡ እቶም ቀዳሞት ርክባት ከመይ ከም ዝኸዱን፡ ብዛዕባ እቲ ጳጳስ ሮማን ጓሳ ቤተ ክርስቲያንን ኮይኑ ዝወሰድዎ ናይ መጀመርታ ስጉምትታት ተልእኾኣኦም እንታይ እዩ እቲ ዝተንከፈኩም ክሓትተኩም እፈቱ

ብተክለ ሰብነት ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዚና ተመሲጥና። ቅዲ ኣቀራርኦም ካብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈልየ እውን እንተኾነ ድሮ ምስኦም ድልዱል ስኒት ይስመዓና፣ ብፍላይ ድማ ናይ መጀመርታ ናይ ወጻኢ መገሻኦም ናብ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ፣ ኣብ ቱርኪ፣ ምሳና - ከምኡ’ውን ኣብ ኒቅያ ዝኸውን ምዃኑ የሐጉሰና። ኣብኡ ድማ ንሓባራዊ ተወፋይነትና ኣብ ኤቍመናዊ ዘተን ኣብያተ ክርስቲያናትና ምስቲ ዓበይቲ ዓለማዊ ብድሆታት ዘለወን ጽምዶን ብሓባር ክንምስክር ኢና። እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ንጽበ።

ብጽዕ ወቅዱስ ኤቍመናዊ ፓትሪያርክ ዓለም ብውግኣት ትናወጽ ኣላ። ኣብ ዩክሬን ዘሎ ግጭት ኣሎ፡ ንቤተ ክርስቲያናት ከይተረፈ ዓሚቕ ቁስሊ እዩ። ኣብ ቓዛ መዓት ኣሎ፡ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ። ካልኦት ብዙሓት ዝተረስዑ ዘይንገረሎም ውግኣት እውን ኣለዉ። ባህሊ ሕውነትን ሰላምን ንምዕባይ እንታይ ክንገብር ንኽእል?

እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ዓለም ብዙሕ ውግኣት ምህላዉ እዩ - ብዙሓት ካብኣቶም ብዓበይቲ ኣህጉራውያን መራኸቢ ብዙሃን ዕሽሽ ይበሃሉ። . . . ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ሕውነታዊ (ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝካየድ) - ኲናት: ንክርስትያናዊ ዓለም: ብፍላይ ድማ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ዓቢይ ዕንቅፋት እዩ። ምስ ጭቡጥ ድሌታት ህዝቢ ብዙሕ ርክብ ዘይብሎም ረብሓታት ንነገራት ናብ ፍትሓዊ ሰላም ዘይኮነስ ናብ መቐጸልታ ናይቲ ልቢ ዝሰብርን ኢሰብኣውን ኣብ ቓዛን ዝካየድ ዘሎ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘሳቕይ ዘሎ ግጭት እውን እሓስብ።

ከም ክርስትያን መጠን፡ ልክዕ ከምቲ ኣሕዋትና ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ሳልሳይን ኣብ ኢየሩሳሌምን ናይ ላቲናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒዛባላን፡ ዝገበርዎ፡ ድምጽና ብሓባር ከነስምዕ ኣሎና። ንፍትሒ ኣብ ዘሎና ተወፋይነት እውን ጸኒዕና ክንስጉም ኣሎና፣ ምኽንያቱ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ከም ክርስትያን ግና ዘይስዓር ኣጽዋር’ውን ኣሎና፡ ንሱ ድማ ጸሎት እዩ። ነዚ ድማ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን።

ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ የቐንየልና፡ ኣብዚ ካልእ ንሰላም ኣጋጣሚ ዝኾነ ዓውደ ኣኼባ ሕውነት ህዝብታት ስለ ዝተሳተፍኩም እውን የቐንየልና።

ነቲ ዕድመ ብሓጎስ ተቐቢለዮ፣ ኣብዚ ሪሚኒ ድማ ትሑት ምስክርነተይ አቕርብ ቢሎም ዕለት 27 ነሓሰ ድማ ናብ ኢስጣምቡል ሓዋርያዊ መንበሮም ከም እተመልሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

(Andrea Tornielli)

27 Aug 2025, 17:23