MAP

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዝተጠመቑ ልኡኻትን ሃነጽቲ ተስፋን ይኹኑ! ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዝተጠመቑ ልኡኻትን ሃነጽቲ ተስፋን ይኹኑ! 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዝተጠመቑ ልኡኻትን ሃነጽቲ ተስፋን ይኹኑ!

ዕለት 30 ሓምለ ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ዝተኸፍተ መበል 20 ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SECAM) ሓፈሻዊ ጉባኤ ዕለት 4 ነሓሰ ከም እተዛዘመን፣ እቶም ጳጳሳት ኣብ ናይ መወዳእታ መልእኽቶም፣ ንማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን "ከም ቤተ ክርስቲያን - ስድራቤት ኣምላኽ ዘለዎ ሓቀይና መንነቱ ዳግማይ ክተንስእን ክነብርን" ይዕድም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መሰረታዊ ተልእኾ፡ ንኹሎም ዝተጠመቑ ሓባራዊ ኮይኑ፡ "ልኡኻትን ሃነጽቲ ተስፋን ምዃን" ዝጠልብ እዩ። እዚ ራእይ እዚ ብኽልተ ሸነኻት ተገሊጹ ኣሎ፡ "ብሓደ ወገን ከም ቤተክርስትያን - ስድራቤት ኣምላኽ - እግዚኣብሄር ከም ኣቦና፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣዴና፡ ካልኦት ድማ ከም ኣሕዋትን ኣሓትናን ሓቀይና መንነትና ዳግማይ ምትንሳእን ምንባርን"፤ በቲ ካልእ ድማ "ነቲ ዓቢ ተልእኾ ዕርቂ ምሉእ ብምሉእ ምሕቋፍ" ዝብል እዩ፣ እዚ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝተዛዘመ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SECAM) መበል 20 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ጳጳሳት ኣብ ናይ መወዳእታ ዝተዘርግሐ መግለጺ ዘመላኸትዎ እዩ።

ምልክታት ተስፋ

ኣብቲ ዕለት 28 ሓምለ ዝተኸፍተ መበል 20 መሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ፡ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ቸርኒ፡ ምስ ልዕሊ 200 ልኡኻት፡ 13 ካርዲናላት፡ 85 ጳጳሳት፡ 72 ካህናት፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ወከልቲ ዓለማውያን ምእመናንን ከም እተሳተፉን፣ ነዚ ኣጋጣሚ ዕለት 3 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣቦ መንበር ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ብሱንጉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቴለግራም፣ ኣብ ዝተገማምዐ ሕብረተሰብ ሓድነት ምድንፋዕ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት "ንኹሉ ህዝቢ" ጭቡጥ ምልክታት ተስፋ ክኾና ከም ዘተባብዑን፣ ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣብ ዘስምውዕዎ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መኽፈቲ መደረ፣ ዓመጽ፣ ስደትን ዕጥቃዊ ግጭትን ደው ክብል ልባዊ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ኣብተን ብኲናት፣ ድኽነት፣ ግዱድ ምምዝባልን ኣከባብያዊ ቅልውላዋትን ዝዓነዋ ዞባታት ኣፍሪቃ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ወግዓዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ "ዓቢ ዘይውሕስነት"

ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ሕብረት (SECAM) ክርስቶስ ምንጪ ተስፋ፡ ዕርቅን ሰላምን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ድሕሪ ዘካየዶ መበል 20 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ካብቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ኣብ ጋና ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ኣህጉርና፡ ብሰንኪ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ዓመጽ፡ ቁጠባዊ ድኽነት፡ ድኹም መሓውር ክንክን ጥዕና፡ ናዕቢ፡ ግብረሽበራ፡ ምዝመዛ ሃይማኖት ንፖለቲካዊ ዕላማታት፡ ከምኡ’ውን ንኣከባብን ሰናይ ምምሕዳርን ዘይምኽባር፡ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ኣህጉርና ነጊሱ ዘሎ ዓቢይ ዘይውሕስነት ዝብሉ ብድሆታት ብኣጽንዖት ክእለዩ ከም ዘለዎም እቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ጻውዒት ኣቅሪቡ እዚ ጻውዒት እዚ "ክርስቶስ ምንጪ ተስፋ ኣፍሪቃን ህዝብታታን እዩ" ዝብል እምነት ብኣጽንዖት ዘቃልሕ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

እቶም ኣቡናት ከም ሓባራዊ መስመር ዕዮኦም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ናይ ሲኖዳውነት መገዲ መሪጾም፣ ሸቶኦም ከኣ ክርስቶስ ወትሩ ኣብ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ከም ዝርከብ ምስትውዓል ዝብል እዩ። እቶም ጳጳሳት ኣብ ሲኖዳውነት እቲ ቐንዲ ሸቶ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን - "ንተስፋናን ንመስቀል ደድሕሪኡ ንኽንስከሞ ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ምኽንያት ንሱ ኢዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ዚነብሩ ማሕበረሰባት ነቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንዚወሃቦ ክርስትያናዊ ተስፋ ክፉታት ኪዀኑ ተማሕጺኖም፣ ክርስትያን ኣፍሪቃን ደሴታትን ናይታ ኣህጉሮም "መሃንድሳት" ምዃኖም ኣብኡ እዩ ዝጸንዕ፣ እዚ ባዶ ወይ ካብ ጭቡጥ ናይ ደቅሰብ ክውንነት ምህዳም ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቖም፣ "ብስም ጐይታና ኢየሱስ ምስቶም መከራን ኢፍትሓውነትን ዝወርዶም ዝተበትኩ ኣብ ሕድጋት ዝተጠንጠኑ ተወፋይነትን ንጡፍ ህላወን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ጎኒ እቶም ዝሳቐዩ

በዚ ኣረኣእያ እዚ እቶም ጳጳሳት ንቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ነቲ ብክርስቶስ ዝተሰብከ ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ምርጫ ክሓቑፉ ዓዲሞም፣ ብፍላይ ንዝቕጽሉ 25 ዓመታት "ነዛ ዓለም ዘንቀጥቅጥን ዝርብሽን ተስፋ ዘነቓቕሕ ተባዓት ክኾኑ” ቃል ኣትዮም፣ እዚ ሓንቲ ስድራቤት ኣምላኽ ምዃንናን ንማሕበረሰባትናን ንኣህጉርናን ብወንጌል ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ምግልጋልን ዘሎና ርድኢትን ልምምድን" ምሕዳስ ዘጠቓልል እዩ” እንክብ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ሓንቲ ካብ ገዝእ ርእሳ እትወጽእን ናብ እትብልን ቤተ ክርስቲያን"

ናብ ስድራ እግዚኣብሔር ዝተቐየረ ሰብኣውነት ተወፋይነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ተራ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስፍሕዎ "ንቕድሚት እትኸይድ ቤተ ክርስቲያን" ዝብል ትምህርቲ ዝውክል እዩ። "ሓዳስ ዓለምን ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ንምህናጽ ቃል ዝኣተዉ ክርስትያን ዘቖሞ ማሕበረሰብ” ምዃን ዝጠልብ እዩ፣ ከም ኣብነት ናይዚ ተወፋይነት እዚ፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዕለት 15 ሰነ ኣብ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብጽዕና ዝኣወጅሉ "ሰማእት ቅንዕናን ግብረ ገባው ስምረትን" ተባሂሉ ዝግለጽ ተወላዲ ኮንጎ ዓለማዊ ምእመን ፍሎሪበርት ቡና ቹይ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዕርቂ፡ ይቕሬታን ሰላምን

ነቲ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ኣፍሪቃ ዘሎ ንብምሉኡ ክፍለ ዓለም ዘድክን ዘልምስን ኣብ መንጎ ብሔራትን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ብዓብይ ስቓይ ብምዝካር፣ እዚ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ሰብኣዊ ፍጥረት ዕቤት ንምግባር ኣድላዪ ዝዀነ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ዕርቅን ይቕረ ምባልን ሰላምን ከም ዜድሊ ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ኣቡናት ኣፍሪቃን ደሴታትን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣጽዋር ዝፈትሕ፡ ትሑትን ጽኑዕን ዝኾነ ሰላም፤ ካብቲ ንኹላትና ብዘይ ቅድመ ኩነት ዘፍቅረና ኣምላኽ ዝመጽአ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመጻኢ ተስፋ ምሃብ

እቶም ጳጳሳት "እቲ ብናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባር ዝተመስረተ ስኒትን ሓባራዊ ህይወትን ንኹሉ ናይ ህይወት ምርጫ ምእንቲ ክኸውን፡ ንኹሎም ኣብ ግጭት ዘለዉ ዝተጠመቑ ሰባት ዕርቅን ይቕረታን ክገብሩ" ጸዊዖም፣ እዚ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዚ፡ “ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣካላዊ ቅንዕናኦም፡ ናጽነቶም፡ እንኮላይ ናይ ሃይማኖት ናጽነቶም፡ ከምኡ’ውን ናይ ማሕበረሰብ ስምዒቶም፡ ካብኡ ንመጻኢ ተስፋ ዘይብሎም፡ ዝግሃሰሉ ኩነታት” ኣብ ግምት ምእታው ህጹጽ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ምትኳር

ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ሕብረት (SECAM) መልእኽቱ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ መራሕቲ፡ ጽቡቕ ሂወት ናይቲ ዘመሓድርዎ ህዝቢ ኣብ ልቦም ከህልዉን፡ ዘተን ዝሓሸ ሓባራዊ ህይወትን ብምስፋሕ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክሕልዉን ይላቦ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ዕጥቃዊ ግጭት ዝርከቡ ሰባት ስቓይ እናመስከረት ቤተክርስትያን "ንቕሓት ኣብ ምዕባይን ንሰላም ጭቡጥ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ብዝያዳ ክትዋፈር" ብምዕዳም ከም ዝዛዘመ የመላኽት።

06 Aug 2025, 15:52