ዝኽሪ መበል 175 ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ
ኣባ ፍሰሃየ ሚክኤል - ካብ ኤጳርቅና ሰገነይቲ
“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ” (ዕብ 13፡7)
ዕለት 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ቁምስና ቅዱስ ሚካኤልን ቤት ጸሎት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ሓላይ ዞባ ደቡብ ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ እትርከብ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዘዋዓውዕን ዘሓድስን ናይ መበል 175 ዓመት ዝኽሪ ኢዮቤል ጸምቢላ። እዛ ዓዲ’ዚኣ [ሓላይ]፡ ናይ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ታሪኻዊ ኣልባሳቶምን፡ መጻሕፍቲ ቅዳሴኦምን፡ ዝድቅስሉ ዝነበሩ መንጸፍን፡ ተዓቂቡሉ ዝርከብ ዘሎን፣ ከምኡ ውን እቲ ዕለት ዕለት መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉሉ ዝነበሩ ህድሞ ውን ዓቂባ እትርከብ ታሪኻዊት ዓዲ እያ።
ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ኣባል ማሕበር ካህና ልኡካን (ላዛሪስት) ኮይኖም፣ ኣብ ምድሪ ኣቢሲንያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካቶሊካዊ እምነት ብወግዒ ዝሰበኹ ሓዋርያ እዮም። ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብ1839 ዓ.ም. ናብ ኤርትራ ወደብ ባጽዕ ተጊጾም። ብዕለት 31 ሓምለ 1860 ዓ.ም. ከአ ኣብ ሕሉም ሒደለ ዓሪፎም፡ ብዕልት 03 ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ሔቦ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ኣብ ኣፍ ሞት ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ከኣ፡ ነቶም ተመሃርቶም ዝነብሩ 5ተ ለበዋታት ሃብዎም። ንሳተን ከኣ፦ 1. ሓሜትን ባእስን ኣርሕቑ 2. ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ 3. ኣብ ሃይማኖትኩም ጽንዑ 4. ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፍቕሪ ኣዘውትሩ 5. ብርሃን ሃገርኩም ኩኑ ዝብላ ኢየን ዝነበራ።
ኣቡነ ማስያስ ኣብ ጽሑፋቶም ዘደንቕ ምስክርነት እዮም ብዛዕባ ኣቡነ ያዕቆብ ገዲፎም፡ “ብሕይወት ኣቡነ ያዕቆብ ገይሩ ኣምላኽ ናብ ዓዲ-ሓበሻ ሓደ ሕያው ዝኾነ መጽሓፍ፥ ናይ በሓቂ ናይ ወንጌል ቅዳሕ ዝኾነ መጽሓፍ ልኢኹ፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ምስሊ ዝኾነ ሓዋርያ፥ በዓል ልኡምን ትሑትን ልቢ ኮይኖም ድማ ነቲ ምስኪን ሕዝቢ፥ ካብ ዝኾነ ትምህርቲ ንላዕሊ፥ ናይ ሕይወት ክርስትና ቅኑዕ መልክዕ ዘልበሱ፥ ምስቶም ናይ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ምእመናን ዚወዳደሩ ማእለያ ዘይብሎም ሓድስቲ ምእመናን ንቤተክርስትያን ዘፍረዩ (ዝወለዱ) ኡነተይና ሓዋርያ እዩ ልኢኹላ” ይብሉ።
ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብ1849 ዓ.ም. ብብፁዕ ካርዲናል ኣቡነ ማሳይ ኣብ እምኩሉ ቅብኣተ ጵጵስና ምስ ተቐበሉ፡ ብዓድዋን ጐልዓን ኣቢሎም ናብ ሓላይ እዮም ዝመጹ። ካብ 1850 ዓ.ም. ጀሚሮም ከኣ ኣብ ሓላይ ንሓያሎ ዓመታት ተቐመጡ። ሕዝቢ ሓላይ ከኣ ከም ኣቦኦምን ጓሳኦምን እናረኣዩ ካብ ጎድኖም ከይተፈልዩ ጉስነቶም እናረኸቡ ይከናኸንዎም ነበሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 31 ሓምለ 2024 ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ዝኽሪ መበል 175 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ሓላይ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ዝተቐመጥሉ፣ ማለት ካብ 1850 ዓ.ም. ብምቝጻር፣ እዚ ዓመት እዚ “መበል 175 ዓመት ኢዮቤል” ዓመት ምስጋናን ንስሓን ይኹነልና ክብሉ ኣዊጆምልና። በዚ መሰረት ከኣ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝመጹ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ውሉደ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዘይነገደ ዳርጋ ኣይነበረን እተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብመንፈስ ብምስጋናን ንንስሓን ተጸሚቢሉ። ብወገን ምእመናን’ውን ወላ’ኳ ውሑድ ቁጽሪ እንተነብረ ብዙሓት ነዚ ብሉጽ ኣጋጣሚ ከም ሓደ መንፈሳዊ ንግደት ተሳቲፎምዎ ኢዮም። እዚ ጽምብል መበል 175 ዓመት ኢዮቤል ዝተኻየደሉ ዝኽሪ፡ መንበረ ጵጵስንኦም ንምዝካርን ንመንፈሳውነትን ሕይወትን ለበዋታትን ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ንምስትንታንን ኢዩ ዝተኻየደ።
ዝሓልፈ ዕለት 03 ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ኣብ ሓላይ ዓቢ ዓጀብን ዕልልታን ምስጋናን ዝተሰነየ ጽምብል ኢዩ ተካይዱ። ብድሮ ቀዳም ምሸት ንክልተ ጳጳሳት ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ርእሰ ኤጳርቅናታት ኣስመራን ንብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ኤጳእርና ሰገነይትን ልክዕ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ ኣብ ሻኻ ናይቲ ዓዲ፡ ቆሞስን መንእሰያትን ሕዝብን መስቀሎም ኣምሪሖም ብዓጀብ ተቐበልዎም። ክረምቲ ስለዝኾኑ ከኣ እቲ ዓዲ ብግመን ብዝናምን ወቂቡን ጥዑም ኣየርን የስተንፍስ ነበረ።
ብድሕርዚ ናብ ቤት ጸሎት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብምኻድ፣ ብጳጳሳት ተመሪሖም ኪዳን ዘሠርክ ኣብጺሖም፡ ካብዚ ስዒቡ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ ኣዝዩ ድሙቕ ዝኾነ ሥርዓተ ዋዜማ ተኻይዱ፡ ጳጳሳትን ሊቃውንቲ የረዳውያን መዘምራንን፡ ካህናት፡ ተማሃርቲ ዘርአ-ክህነትን፡ ዝተሳተፍዎ ድምጺ መላእኽቲ ብዝጥዕም ዝማሬ ጸሎተ ዋዜማ ኣብጺሖም።
ንጽባሒቱ ሰንበት ዕለት 03 ነሓሰ 2025 ዓ.ም.፡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ውሉደ ክህነትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍዎ፡ ብክልተ ጳጳሳት ዝተመርሐ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓዕሪጐም። ናይ ኣምላኽ ጸጋ ኮይኑ ከኣ፡ ሓደ መነኮስ ካብ ገዳማውያን ማሕበር ካህናት ሲታውያን ዲያቶን ኣብርሃም ወዲ ሓላይ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
ኣብቲ ዝዓተገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣላኽ፡ “ካህን ሕያዋይን ትሑትን ተኣዛዝን፡ ንርእሱ ጠሚቱ ዝኽእል፣ ካልኣ ክርስቶስ ክኸውን ይግብኦ” ክብሉ ውን ናብ ካህናት ዘተኾረ ቃል ምዕዳን ኣካፊሎም። ስዒቡ ድማ ድሕሪ ዑደት ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፡ ካብ ቅዱስ ያዕቆብ እንመሃሮም ኣብነታት፦ “ትሕትና፡ ትግሃት ኢያቶም” ብምባል፣ መንፈስ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ክንለብስ ከም ዘሎና ኣተሓሳሰቡ።
ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሕዝቢ ሓላይ ብዝነኣድ ምሕደራን ውዳበን ንኹሎም ነጋድያን ዝኸውን ሽሻይን ዳስን ቀሪቦም ኣአንገድዎም፡ ሳላ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዝተሳእነ የለን እናበሉ ንኹሉ ጋሻ ብሕጉስ መንፈስ ጸበል ጻዲቕ ኣካፈልዎም። ኣብቲ ከባቲ ዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያንን ተኸተልቲ እምነት ምስልምናን ከኣ ብደበላን ዓቢይ ኣጀብን ህያቦምን ሒዞም ኣብቲ ዳስ ተርኽቡ። ብፍላይ ካብ ኣሕዋት ምስልምና ዝኾኑ (ሳሆ)፡ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ ቅድም’ውን ንሶም እዮም ንቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብጎባታትን ሩባ ሓዳስን ምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይቲ ከባቢ መንገዲ ዘርእይዎምን ዘሰንይዎምን ዝነበሩ፡ ኣብ መጨረሽታ ውን ድሕሪ ዕረፍቶም፣ ንሶም እዮም ምስ ተማሃርቶም ብምዃን ሓመድ ኣዳም ዘልበስዎም። ሕጂ ከኣ ኣብዚ ጽምብል ኢዮቤል፡ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ሰባት እናደበሉን እናደረፉን ናብቲ ዳስ እተጸምበሩ፡ ኩሉ ሰብ ከኣ በቲ መንፈስ ሕብረት ዝተሰምዖም ሓጐስን ደስታን ገለጹ።