ካቶሊካዊ ትካል ረድኤት፣ ኣብ ዓለም ምውሳኽ ሃይማኖታዊ ስደት ንኹለን እምነታት ሓደጋ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ እቲ ዕለት 22 ነሓሰ ግዳያት ግብረ ዓመጽ ዝዝኸሩሉ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ፡ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊት ትካል ግብረ ሰናይ (ACN)፡ ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ብዓለም ደረጃ እናወሰኸ ይቕጽል ምህላዉ የጠንቅቕ።
ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊት ትካል ግብረ ሰናይ (ACN) ዋና ኣሰናዳኢት ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ዓለም ማርታ ፔትሮሲሎ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ብሓቂ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ጭቡጥ ኩነት እዩ ምበልኩ” ትብል።
እቲ ናይ ለምዘበን ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ዓመጽ "ንግዳያት ናይዚ ዓይነት ዓመጽ ምውፋይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ሃያምኖታዊ ኣሳዶ ንቕሓት ንምዕባይ ይሕግዝ፡ ምኽንያቱ ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ንብዙሓት ሰባት ይጸልዎምን ስቓይ የስዕበሎምን ምህላዉን ሓቢራ፣ "ነዚ ተርእዮ ዕሽሽ ናይ ምባል ዝንባለ" ከምዘሎ እውን ተጠንቕቕ።
እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1999 እተሓትመ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝገልጽ ናይ ክልተ ዓመት ጸብጻብ ለምዘበን ዕለት 21 ጥቅምቲ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ዝቐርብ ከም ዝኾነን፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ፍሉይ ኢዩ፣ ከመይሲ ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ሃይማኖታትን ዘሎ ዅነታት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝምርምር ዘይመንግስታዊ ውድብ ዘዳለዎ እንኮ መጽናዕቲ ብምዃኑ እዩ ምስ በለት፣ "ሃይማኖታዊ ናጽነት ንሓደ ጕጅለ እንተ ተኸልኪሉ ውዒሉ ሓዲሩ ንኻልኦት እውን ዝክሓድ ናጽነት ክኸውን ኢዩ" ከም ዝበለት ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለምለኻዊ ምንቁልቋል
እቲ ጸብጻብ ካብ ቀዳማይ ሕታሙ ጀሚሩ፡ ኩነታት ሃይማኖታዊ ናጽነት እናገደደ ከምዝመጸ ብምርግጋጽ። እቲ ኩነታት "ክገድድ ዝኽእል ዝንባለ ከም ዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን፣ እቲ ዘሕዝን ግን፡ እዚ ኣብዚ ዝቕጽል ሕታም ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ዓለም ዝረአ ኣንፈት ምዃኑ እዩ" ከም ዝበለትን፣ ኣስዒባ ሰለስተ ቀንዲ ዓይነታት ስደት፣ ብመንግስቲ ዝምራሕ ዓፈና፡ ኣኽራሪ ዓመጽን ዓሌታዊ -ሃይማኖታዊ - ሃገራውነትን ዝብሉ ምዃኖም ኣብሪሃ፣ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣመና ኣናገደደ ከም ዝኸደን ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ድማ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢራ፣ ኣብታ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ብሰላም ዚነብሩላ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብዚ ቐረባ እዋን ክርስትያን መጥቃዕቲ ወሪድዎም እዩ ።
እታ ሓደ እዋን ጽኑዕ ርጉእ ማሕበራው ሰላማዊ ናብራ ዝንበራ ተገይራ ትርአ ዝነበረት ቡርኪና ፋሶ ሕጂ "ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ንላዕሊ መጥቃዕቲ ጂሃዲ ዚፍጸመላ ኮይና ኣላ ከም ዝበለትን፣ ኣብ እስያ ዓሌታዊ ሃገራውነት ከም ዝወሰኸን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምርግጋእ ከም ዝቐጸለን ከምኡውን ኣብ ላቲን ኣመሪካ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘሰክፍ ምዃኑ ትሕብር።
ተስፋን ስክፍታን
ተስፋ ዘቝርጽ ኣረኣእያ እኳ እንተሎ፣ ኣብ በርገሳዊ ማሕበረሰብን መንግስታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣፍልጦ፣ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ነጥበ - መቐይሮ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጻ፣
እንተዀነ ግን ብዛዕባ ምዕራባውያን ዘለዎ ሻቕሎት ኣመልኪታ "ኣብ ልዕሊ ገሊአን ሃይማኖታት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ - ክርስትያን ዝወርድ ጸቕጥን ዝፍጸም ጠቐነን ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጸረ - ሴማዊን ጸረ - ኢስላምን ዝንባለታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣጠንቂቓ፣ ብዛዕባ እቲ "ሃይማኖት ካብ ህዝባዊ ዓውዲ ንምንጻል ዝግበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትሕትና ዝመልኦ ሰላሕታዊ መስጐጕቲ እንክብሉ ዝገልጽዎ ፈተነ ኣጠንቂቓ፣ ኣብ ክፍሊ ጥዕና ዘሎ ናይ ሕልና መሰላት እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ትሕብር።
ሓደጋታት እውን ይሃሉ ድምጽኻ ምስማዕ
እቲ ኣብ ስቓይ ንትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓልይ (ACN) ትካል ግብረ ሰናይ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ሕነ ክፈዲ ዝኽእል እኳ እንተዀነ "ወትሩ ነቲ ዅነታት ኣብ ምግምጋም ጭቡጥን ርትዓውን" ምዃኑ ኣጕሊሓ፣ "ልክዕ ኢዩ ሕነ ናይ ምፍዳይ ሓደጋ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ኸኣ ንነገራት መቐይሮ ነጥቢ ክኸውን ከም ዝኽል ብጽኑዕ እኣምን . . . ብዛዕባ እታ ድሕሪ ብርቱዕ ኣህጉራዊ ጸቕጢ እተፈትሐት ኣብ ፓኪስታን ንእስያ ቢቢ ዘጋጠማ ነገር ዘኪራ፣ "እዚ ቓል ኪዳን እዚ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ምናልባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሃለወት ነይራ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ናብ ተግባር
ፔትሮሲሎ ኣስዒባ፣ ምስቶም ግዳያት ናይ እምነት ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት ሓድነት ከም ዘድሊ ኣጕሊሓ፣ መብዛሕትኦም ከይርስዑን እዚ ዝርአ ደገፍ ኣድላዪ ገይሮም ከም ዝርእይዎን ሓቢራ፣ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ንዚግበር ወፍሪ ጸሎት ጭቡጥ ሓገዝ ከምኡውን ንምትብባዕን ምጥባቕን ተተባባዕ፣ ምኽንያቱ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሰብኣዊ መሰል እኳ እንተዀነ ሓባራዊ ሓላፍነት እውን ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብኣዊ መሰል እዚ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቕኑዕ መገዲ ውሕስነት ክህልዎ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከኣ ኣባናን ናይ ኩላትናን እዩ፥ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።