ዜና ዕረፍቲ ነ/ኄር ክቡር አባ ስብሓትለኣብ ገብረሕይወት ኣባል ኤጳርቅና ኣስመራ
ኣባ ቶማስ ነጋሽ - ኤጳርቅና ኣሥመራ
``እቶም ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ክጸግቡ ኢዮም`ሞ ብፁዓን ኢዮም`` (ማቴ.5፡6)
ክቡር አባ ስብሓትለአብ ገብረሕይወት ብዕለት 20 ሐምሌ 1928 ዓ/ፈ ካብ አቶ ገብረሕይወት ስብሓቱን፣ ካብ ወ/ሮ ውቃበ መንግስቱ አብ ዓዶም ዳልኽ ከባቢ ዓረዛ ተወልዱ፣ ብዕለት 1 መስከረም 1928 አብ ደብረ አቡነ ተክለሃይማኖት ዳልኽ ጸጋሚካኤል ብዝብል ስመ ክርስትና ጸጋ ጥምቀት ተቐበሉ።
ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ይግደሱ ብምንባሮም፡ ኣብ እንዳ ኣቡነ ቡሩኽ፡ ብዝበዝሕ ግና ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ውዳሴ ማርያም፡ ቋንቋ ግእዝ፡ ግብረ ዲቁና ተማሂሮም፡ ብዕለት 29 ጥሪ 1944 ብኢድ ብጹዕ ኤጲስ ቆጶስ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ብማኅተም አቡነ ማርቆስ አብ ቤተክርስትያን ደብረ ጽዮን ማርያም ኣሥመራ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ።
ብድሕር`ዚ፡ ኣብ ዓዲ ኣጓልዕ፡ ኩኖ ረዳእ ብግብረ ዲቁና ኣገልገሉ። ንግብረ ክህነት ዘሰናድዎም ትምህርቲ ኣብ እንዳ ኣቡነ ዮናስ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ፡ ናብ ከረን ብምኻድ፡ ኣብ ከረንን ኣብ ገዳም እንዳ ሥላሴ ጻዕዳ እምባን ን6 ዓመት ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ስሙያት መምህራን ተማህሩ።
በእለት 24 ግንቦት 1954 ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ጐንደር ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ማዕርገ ክህነት ተቐበሉ።
ክቡር ኣባ ስብሓትለኣብ፡ ንኣገልግሎት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ዝጠቐሞም ዝተፈላለየ ትምህርታት ቅድሚ ክህነት ምቕባሎምን ድኅሪኡን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝቐሰሙ ይፍለጥ። ገለ ካብኡ፡ ትምህርቲ ቅኔ ክሳብ ዘይእዜ፣ ቀጺሎም`ውን ኣብ ጪና ተክለሃይማኖት ኣቋቋም ኣጽንዑ። ድኅር`ዚ ኣብ ሰቋር ዋልድባ ምንኵስና ተቐበሉ። ድኅሪ ምንኵስናኦም ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ተመሊሶም ክብረ በዓልን መዝሙርን ዘሊቖም። ድኅር`ዚ እቲ ገዳም ኣብ ደብረ በኣታ ጐንደር ብግብረ ክህነት ከገልግሉ ስለ ዝመደቦም ንኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ዝኣክል ኣገልገሉ። ማዕረ ማዕረ እቲ ክህነታዊ ኣገልግሎት፡ ትምህርቲ ሓዲስ ኪዳን ብሥርዓት ተማህሩ። ብድኅር`ዚ፡ ኣብ ከባቢ መተማ ዝርከብ ማኅበረ ሥላሴ ዝተባህለ ገዳም ከም መጋብን ሊቀ-ረድእን ኮይኖም ካብ 1958 ክሳብ 1963 ንኃሙሽተ ዓመት ኣገልገሉ። ካብ ነዊሕ ጊዜ ዝጸንሐ ናብ ቅድስቲ መሬት ናይ ምስላም ሃረርታኦም ክዉን ንኺገብሩ ድማ ምስ ገለ መነኰሳት ብጾቶም ናብ ኢየሩሳሌም ብእግሮም ኪነግዱ ነቐሉ። እንተኾነ፡ ክሳብ ግብጺ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ጉዕዞ ዛዚሞም ከብቅዑ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነበረ ውግእ ናባኡ ከይበጽሑ ተመልሱ።
ብወርኂ ታኅሣሥ 1963 ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተጸንበሩ። በዚ ኸምዚ ንክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርኅን ኣብ ገዳም ሲታውያን መንዲዳ ብዝተፈላለየ ትምህርታት ምስንዳው ገይሮም። ካብዚ ቀጺሎም ካብ 1965 ክሳብ 1976 ኣብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሓላይ፡ ከም ቆሞስን ኃጋዚ ቆሞስን ብትግሃት ንልዕሊ 10 ዓመት ኣገልገሉ። ካብ 1976 ክሳብ 1991 ኣብ ዘርአ-ክህነት ከረን ከም ኣበነፍስን፡ ሓጋዚ ኃለቓ ተማሃሮን፡ ከም ኃለቓ ተማሃሮን፡ መምህር ዜማን ግእዝን ኮይኖም ኣገልጊሎም። ካብ 1991 ክሳብ 1996 ኣብ ዓቢይ ዘርአ-ክህነት ኣሥመራ ከም ኃለቓ ተማሃርቲ ንኡስ ዘርአ-ክህነት፣ ካብ 1996 ክሳብ 2002 ድማ ኣብ ንኡስ ዘርአ-ክህነት ቤት ጊዮርጊስ ከም ኃለቓ ተማሃርቲ ብምዃን ኣገልግሎቶም ቀጸሉ። ካብ 2002 ክሳብ 2010 ናብ ደብረ ማርያም ጽዮን መንደፈራን ተቐይሮም፡ ከም ቆሞስን ሊቀ-ካህናትን ኮይኖም ብተወፋይነት ኣገልገሉ።
ካብ ወርኂ መስከረም 2010 ኣትኂዞም ካብ ናይ ኣገልግሎታት ኃላፍነት ናጻ ኮይኖም ከዕርፉ ናብ ንኡስ ዘርአ-ክህነት ሠገነይቲ እኳ እንተኸዱ፡ ጉዳይ ዕረፍቶምን ጥዕናኦምን እናገበሩ ከለዉ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ናይ ትምህርትን ኣበነፍስን ኣገልግሎቶም ኣበርከቱ። ካብ 2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ብኣባላት ማኅበር ረዳኤ ነዳያን ኣብ ቤት ጊዮርጊስ ክእለዩ ድኅሪ ጸኒሖም ካብ መወዳእታ 2024 ኣትሒዞም፡ ጥዕናኦም እናጐደለ ስለ ዝኸደ ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ንገለ ኣዋርሕ ተኣልዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ንዝኃለፈ ከባቢ 10 ዓመታት ዝተዓቘብሉ ማኅበር ረዳኤ ነዳያን ቤት-ጊዮርጊስ ክእለዩ ጸኒሖም ቅድሚ ትማሊ ዕለት 26 ነሓሰ 2025 ልክዕ ሰዓት 03፡15 ድ.ቀ. ኣብ ክፍሊ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም።
ኣባ ስብሓትለኣብ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝጸንሑሉ ናይ ልዕሊ 61 ዓመታት ዘመን ኣገልግሎቶም፡ ብግብረ ክህነት፡ ንክህነት ንዝሰናደዉ ተማሃርቲ ንኡስ ዘርአ-ክህነት ብትምህርቲ ግእዝን ዜማን ብምኹስኳስ፡ ከምኡ`ውን ከም ኃለቓ ተማሃርቲ መጠን ኣዝዩ ዓቢይን ተዘካርን ኣገልግሎት ከም ዘበርከቱ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለምን ዝርከቡ ፍረ ኣገልግሎቶም ዝኾኑ ካህናትን ምእመናንን ሕያው ምስክር ኢዮም።
ንሶም ብፍሉይ ካብ ዝፍለጡሉ መለለዪ ክንጠቅስ እንተኾይንና፡ በዓል በሊሕ ኣእምሮን፡ ፍሉይ ናይ ምዝካር ተኽእሎ ከም ዝነበሮም ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕላል፡ ምስቲ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝኸይድ ታሪኻውን፡ ምሳሌኣውን ኣብነታት ኣምጺእካ ናይ ምግላጽ ፍሉይ ክእለት ነበሮም። ሕያውነት፡ ምስ ኩሉ ተሰማሚዕካ ናይ ምንባር ሜላን ክእለትን ዝነበሮም ኣቦ እውን ነበሩ። መንፈሳውን ሞራላውን ማዕዳን ምኽርን ናይ ምሃብ ልማድ ዝነበሮም ትጉህ ረዳኢ ነፍሳት ኢዮም ነይሮም። ማዕረ ማዕረ እቲ መንፈሳውን ቅዱስ መጽሓፋውን ዓሚቕ ፍልጠቶም፡ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ፍጻሜታት እውን ወትሩ እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታን ፍልጠትን ነበሮም።
ብዕለት 26 ነሓሰ 2025 ካብ ድኻም እዛ ዓለም ብሰላም ድሕሪ ምዕራፎም፣ ኣብ ገዳም ንኡስ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ሬሶኦም ተነቢሉ ብካህናትን ምእመናን ጸሎታት ተወፈየሎም። ትማሊ ረቡዕ ዕለት 27 ነሓሰ ሬስኦም ናብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ግዒዙ ኣባኡ ድማ ማሕሌት ዘሌትን ቀቖይሙ ብብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓተ ፍትሓት ተፈጸመሎም። ኣብ መካነ መቓብር ጽጸራት ድማ ብሰላም ሥጋኦም ኣብቲ ንትንሳኤ ሙታን ዝጸባበየሉ ሞታ ተቐብረ። ኣብቲ ሥርዓተ ቐብሮም ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኤርትራን ኤጳርቅናታን ዝመጹ ክህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካህናትን ደናግልን መነኮሳትን ምእመናን ተሳቲፎም ፍቕርን ክብርን ኣፋነውዎም።