ጳጳሳት ቬነዙዌላ፡ ንሃገር ክትሃንጽ ዝተጸውዐት ቤተ ክርስቲያን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቨነዙዌላ ኣብዚ ቀረባ እዋን መበል 124 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤኦም ብምክያድ “ሃነጽቲ ሰላም ኣብ ፍትሕን ሓርነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጉስነት፣ እቲ ምዕዳን ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመርጹሉ ምሸት ናይ ዘስምዕዎ መደረ ናይ መጀመርታ ቃላት ዝተወስደ - “ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን” ዝብል ኮይኑ፣
ጳጳሳት ቨነዙዌላ ኣብ መልእኽቶም ብዛዕባ ቅድስናን ፍትሕን ሓቅን ተወፋይነትን “ናይ ቤተ ክርስቲያን ከም ፍጻሜ ትንቢታዊ ተልእኾኣን ስብከተ ወንጌላን” እንክብሉ ርእይቶኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ ቨነዙዌላ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ንዝዓበየ ፍትሒ ምስራሕ
ሰላም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ “እግዚኣብሔር ዝደለዮ ስርዓት ኣብ ምምስራት” ይህነጽ፣ እዚ ድማ “ኣብ መንጎ ሰባት ዝያዳ ፍጹም ፍትሒ ክህሉ፣ ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረትን ናይ ሓባር ጥቕምን ልዕሊ ቅሳነት ናይቶም ሓለፋታቶም ክሓድጉ ዘይደልዩ ከም ዝቖመ ኣፍልጦ ምሃብ” እንክብሉ ብምግላጽ፣ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ቀዳሞት ቬንዙዌላውያን ቅዱሳት ኾሴ ጎርጎርዮ ሄርናንደዝን ካርመን ረንዲለስን - ንኹሎም ቬንዙዌላውያንን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን “ምንጪ ዓቢ ሓጐስ - ቢሎም - ደቂ ቬንዙዌላ ኣብ “ናይ ቅድስና ርእየት ዓለም ከም ፍጻመን ዕላማን ናይ ገዛእ ርእሶም ህላወ” ኣጠማምታ ከቕንዑ ዕድል ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ናይ ቬነዝዌላ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብታ ሃገር ፍትሒ ክህሉ እውን ጸዊዖም፣ “ከም ጓሶት መጠን፡ ኣብ ቅዋም ሪፓብሊክ ተቐሚጡ ዘሎ መሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ኣፍልጦ ክወሃቦን ክኽበርን ክተባባዕን ንሰበስልጣን መንግስቲ ንላበው” ከም ዝበሉን፣ ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዝተወስደ ጥቕሲ ተወኪሶም፣ “መንፈስ እቲ ካብ ሞት ዝተንሰአ ጥራይ እዩ ጻድቕን ቅዱሳንን ዝገብረናን ናብ ኩሉ ሓቂ ዝመርሓናን ሓቀይና ሰላም ዝህበናን (ዮሃ 16፡7)” ምስ በሉ፣ እዚ መንፈስ እዚ “ብመሰረት ሓቅነት ወንጌል ድሕነት ሃገርና ኣብ መንፈሳዊ፣ ግብረ ገባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተሓድሶን ኣበርክቶ ክንገብር ብቑዓት ይግበረና፥ እንክብሉ ዘለዎም ድሌት ገሊጾም።
ከም ደቂ ኣምላኽ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን
ገለ መስዋእቲ ዘጠቓልል እኳ እንተኾነ ቤተ ክርስቲያን ግን ኩሉ ጽላታት ሃገራዊ ሕይወት ምስ ምእመናን ብምትሕብባር ሓቀይና ማሕበራዊ ስኒት ንምፍጣር ዝዓለመ ኣድላዪ ኩነታት ዘተ ክፍጠር ትደሊ። እዚ ዘተ “ኣብ መንጎ ውድባት ኣብ ዝካየድ ናይ ስልጣን ቃልሲ፡ ወይ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ህዝቢ፡ ወይ’ውን ንዕኡ ዝጻረር፣ ፖለቲካዊ ምድምማጽ ጥራይ ዝዓለመ ክኸውን’ዩ” ዝብል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ ኩሎም ክርስትያን ምእመናንን ንሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሃነጽቲ ሰላም፡ ነጋዲያን ተስፋ ክኾኑ ይግባእ ቢሎም፡ “ጓኖት ዘይኮኑ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኩሎም ደቂ ሓደ ኣምላኽ፡ ናይ ሓባር ዓድን ሃገርን ዘለዎም” ምዃንና ዘረጋግጽ መጻኢ ክንሓልም ዘኽእለና ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቬነዝዌላ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።