MAP

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መʵለጺ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መʵለጺ  (2025 Getty Images)

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መʵለጺ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ነቲ "ዓብይን ባህ ዘብልን ሕጊ" ዝብል ህዝባዊ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጽደቖ እማም ስዒቡ ኣብ ዘውጽእዎ መʵለጺ፣ ኣብ ድኻታትን ተነቀፍትን ዘሕድሮ ጽልዋ ኸቢድ እዩ እንክብሉ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ናይ መወዳእታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጽደቖ "ዓብይን ባህ ዘብልን ሕጊ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እማም፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሃሳዪ ሳዕቤን ከምዘለዎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮሊዮ ኣብ ዘውጽእዎ መʵለጺ ዓሚቝ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ.

እቲ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ዘተ ብዓቢኡ ብውድባዊ መስመር ዝጸደቐ ስፍሕ ዝበለ ሕጊ፡ ንዝመጽእ  ዓመት ዝኸውን ፈደራላዊ መሳለጢ መጠን ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ንምጽጋን ዝዓለመ እዩ። ነቲ እማመ ዝደገፉ ኣባላት ባይቶ፡ ኩለመዳያዊ ስጉምቲ ቁጠባዊ ዕብየት ንምንቕቓሕን ግዜ ዝወስድ ቤት ጽሕፈታዊ ዘይብቕዓታዊ ኣሰራርሓ ንምንካይን ዝድገፍ፣ ርኡይ ለውጢ ግብሪ፡ ጽገናታት ኣብ ማሕበራዊ መደባትን ምቕያር ቀዳምነታት ምወላ ፌደራል ዘጠቓልልከ ከም ዝኾነን ወጻኢታት መንግስቲ ከምዘመሓይሽን ምቁጽጻር ብምቕናስን ብዝሰፍሐ ምትብባዕን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ስራሕ ምፍጣር ዘተባብዕ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ክንገር እንከሎ፣ መራሕቲ ካቶሊካውያን ግን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ትርጒም ናይቲ እማመ ቀንዲ ድንጋገታት ዘለዎ ጽልዋ ከም ዘስገኦም ይገልጹ ምህላዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮሊዮ ኣቦ መንበር ቤት ምክሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) እቲ ሕጊ ድሕሪ ምጽዳቑ ኣብ ዘውጽእዎ መʵለጺ፡ ብናቶም ኣረኣእያ ክብሪ ደቂ ሰባት ንምሕላውን ንሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕን ዝግበር ጻዕርታት ዘዳኽም ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን መʵለጺ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጠቒሱ የመላኽት።

ዘይምዕሩይነት ዘጋድድን ንፍጥረት ዝጎድእን

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ፡ “ኣነን ጳጳሳት ኣሕዋተይን ብተደጋጋምን ብቐጻልነትን ንኣባላት ባይቶ ነቲ መስርሕ ንዝተጸገሙ ስድራቤታት ክሕግዙን ንጽጉማትን ተቓላዕትን ኣቃልቦ ዘይህብ መዳያት ናይቲ እማመ መስርሕ ክቕይሩ ንምሕጸን” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ኮይኑ፣ ብፍላይ ሊቀ ጳጳሳት ብሮልዮ፣ "ኣብ ክንክን ጥዕናን ምግብን ዚርአ ዘይቅቡል ምንካይ፣ ዘይማዕርነት ክውስኽ ዝገብር ክፍሊት ግብሪ ምንካይ ንኣባይቲ ስድራን ንቘልዑን ዝጐድእ ንስደተይናታት ዘድሊ ሓገዛት ከምኡውን ንፍጥረት ኣምላኽ ዘዕቍብ መደባት ክጎድል ዝገብር እዩ” ዝብል ሓሳብ ብፍሉይ ከም ዘስመሩሉን፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ንድፊ እቲ ሕጊ ኣቡናት ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበልዎ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ንማእከላት ምንጻል ጥንሲ ዝግበር ዝነበረ ምወላ ብጽኑዕ ዝድርትን ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ደቆም ምርጫ ዝያዳ ናጽነት ክህልዎም፣ ከምኡውን ፈደራላዊ ደገፍ ኣሰራርሓ መሰጋገሪ ጾታ ዚኽልክል ቀይድታት ዝምልከት ኣብቲ ብመንግስቲ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ መብዛሕትኡ እዚ ስጕምትታት እዚ ተዳኺሙ ወይ ምሉእ ብምሉእ ዝተወገደ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሓቂ ህይወት ሳዕቤናት

ሊቀ ጳጳሳት ብሮልዮ ብዛዕባ እዚ ውሳነታት እዚ ኣብ ሓቀይና ህይወት ዘንብሮ ሳዕቤን:- “እቲ ድንጋገታት ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ: ሰባት ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ኺስእኑን ኣድላይነታት ንምዕዳግ ክቃለሱን ዝድርኽ: ኣባላት ስድራቤት ክፈላለዩ ዝገብርን: ተቓላዕቲ ማሕበረሰባት ድማ ንብከላ ከባቢን ጽንኩር ኩነታት ኣየርን ተቓላዕቲ ኮይኖም ክተርፉ ዝገብር እዩ” እንክብሉ ኣጠንቂቖምም፣ "እዚ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ንምውጋድ ዝያዳ ክስራሕ ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ምትሕግጋዝ

ዋላ እኳ እቲ እማመ እንተጸደቐ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት፡ ካቶሊካውያንን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ነቶም ሕጂ ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ንዝርከቡ ንምሕጋዝ ጻዕርታት ከሐይሉ ጸዊዖም፣ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክብረት ሰብን ናይ ሓባር ጥቕምን ንምድጋፍ እትህቦ ትምህርቲ ጻዕርና ብዕጽፊ ከነዕብዮን ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ጭቡጥ ሓገዝ ክንህብን የገድደና - ቢሎም - እቶም ጳጳሳት “ንዝተጸገሙ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ተኽእሎታት ዝህብ ሕጋዊ ጻዕርታት ጠበቓ ኣብ ምዃኑ ክቕጽሉ እዮም” ኢሎም።

05 Jul 2025, 17:44