MAP

ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ፈጺሞም ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ፈጺሞም  (AFP or licensors)

ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ፈጺሞም

ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ እታ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ዕለት 17 ሓምለ ንግሆ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ጋብርኤለ ሮማነሊ ሓዊሱ ሓያሉ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ሰለስተ ድማ ከም እተቐትሉን ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንመራሕቲ "ነዚ ብሰብኣውን ግብረ ገባውን መዳይ ዘይምኽኑይ ዝኾነ መዓት ደው ንምባል ድምጾም ከስምዑን ዘድሊ ኩሉ ክገብሩን" ͻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውሽመጥ ቓዛ እታ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ቤተ ዕለት 17 ሓምለ ንግሆ ብታንኪ ከም እተሃረመትን፣ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን ቆሞስ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣባ ገብርኤል ሮማነሊ ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ምስ ተፈልጠ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣  “እቲ ብርግጸይናነት ክንገልጾ እንኽእል እታ ቤተ ክርስቲያን ብታንኪ ከም እተሃረመት እዩ፣ ሰራዊት እስራኤል ብብጌጋ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምዃኑ እውን እንተሓበረ፣ ጌጋ ምዃኑ ግን ርግጸይናታት ኣይኮናን፡ ብቐጥታ ንቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤተ ክርስቲያን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክስርቲያን እዮም ዝወቕዑ። “ኣርባዕተ ሰባት ብኸቢድ ዝቖሰሉ ኣለዉ፣ ካብዞም ኣርባዕተ እቶም ክልተ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዮም ዝርከቡ፣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከብ፣ ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም እውን ኣለዉ፣ ካብኣቶም ሓደ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ሮማነሊ እዮም፣ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብታ ቁምስና ዝተዓቕቡ እያቶም . . . ምስ ቓዛ ዘራኽብ መገድታት ኩሉ ዝለ ዝተቛረጸ ሎሚ ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ዘሎ ህልው ኩነታት ምሉእ ሓበሬታ የብልናን ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ክንጽዕር ኢና” ኢሎም።

ህዝብና ፈጺምና ንበይኑ ኣይክሓድጎን ኢና

ካርዲናል ፒዛባላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምስቶም ኣብ ቓዛ ዝተጎድኡ ሰባት ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም፡ "ኩሉ ግዜ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብዝተኻእለ መጠን ናብ ቓዛ ክንበጽሕ ንጽዕር ኢና። እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ክንርዳእ ኣለና፡ ብፍላይ ንህዝብና ንምክልኻል፡ ብርግጽ ድማ፡ እዞም ነገራት ድሕሪ ሕጂ ከይፍጸሙ ንምርግጋጽ ክንጽዕር ኣሎና። ድሕሪኡ ከመይ ከም ዝቕጽል ክንርኢ ኢና፡ ብርግጽ ግን ንህዝብና ንበይኑ ኣይክንሓድጎን ኢና” ኢሎም።

ኣቐዲሞም ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒዛባላ ቤተ ክርስቲያን “ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ሓቢሮም ከም ዝነበሩን . . .  ብመሰረት ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሲር (SIR) ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ዘአንገደ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሞት፡ ስቓይን ጥፍኣትን ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ

ድሒሩ ኣብ ዝበጽሖም ሓበሬታ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም "እቶም ኣብ ቀጽሪ ቅድስቲ ስድራቤት ዘለዉ ሰባት እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝተዓቐቡ ንብረቶምን ቤቶም ክብረቶም ዝተገፉ -  ካብዝን ካብቲ ዘስካሕክሕ ውግእ እንተወሓደ ህይወቶም ንምድሓን ዝብል ተስፋ ብምግባር ዝተዓቖቡ . . .  እዮም፣ ነቶም ፍቱዋቶም ዝተቐተለዎም ኣብ ሓዘን ዝርክቡ ኣባይቲ ስድራ "ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ መሬት" ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል፣ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነዚ መዓትን ነዚ ኣብ ንጹሃት ሰባትን ናይ ስግደትን ኣምልኾን ቦታን ዒላማ ምግባር ብትሪ ኮኒኖም፣ ይኹን እምበር እዚ መዓት ካብቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ብዙሓት ካልኦት ዝዓቢ ወይ ዘስካሕክሕ ኣይኮነን። ካልኦት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት እውን ተጎዲኦም፣ ተመዛቢሎምን ተቐቲሎምን እዮም። ሞትን ስቓይን ዕንወትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣሎ" ኢሎም።

ͻውዒት

ካርዲናል ፒዛባላ፣ "መራሕቲ ነዚ ብሰብኣውን ግብረ ገባውን መዳይ ዘይምኽኑይ ዝኾነ መዓት ደው ንምባል ድምጾም ከስምዑን ዘድሊ ኩሉ ዝገብሩሉን እዋን በጺሑ እዩ . . . እዚ ዘስካሕክሕ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ ኣለዎ - ምእንቲ ክብሪ ደቂ ሰባት ንምምላስ ነዊሕ ስራሕ ክንጅምር።

"ኣብዚ መሪር ሰዓት" ንዝተቐትሉ ኣባላት ሕብረተሰብ ንዝቐብሩ ዘለዉ ቅርበቶ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ መንበረ ፓትርያርክን ቤተ ክርስቲያንን ንዝፍጸም ኹሉ መግለጺ ምትሕግጋዝን ቅርበትን ምስጋና ብምቕራብ፡ ንህዝቢ ፈጺሞም ንበይኑ ከም ዘይሓድግዎ ዝኣተውዎ ቃል ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ ኣብ ጎኒ ማሕበረሰብ ቓዛ ደው ኢልና ክንድግፎም ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይክንብልን ኢና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 Jul 2025, 17:36