ናይ ሰበኻ ሳን ኣንጦንዮስ ሊቀ ጳጳሳት ንስድራቤት ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ከተማ ኬርቪል ብዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ 82 ሰባት ከምዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ካልኦት ኣርብዓን ሓደ ድማ ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተረኸበን፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ቴክሳስ ዞባ ኬር ካውንቲ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ዕስራን ሸሞንተን ከም ዝሞቱን ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት እውን ብምህላዎም ድማ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል ይንገር።
በቲ ዕለት 4 ሓምለ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ውሕጂ ጓዳሉፐ ኣብ ውሽጢ ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዝወረደ ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ጉዱኣትን ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝምልከት ክሳብ ምሉእ ጸብጻብ ዝቐርብን ኩነታት ዝግ ዝብልን እውን ዝካየድ ዘሎ ምሉእ ስርሒት ምድላይን ኣድሕን ህይወትን ደው ከምዘይብል ከም ዝሓበረ የመላኽት።
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፈደራላዊ ትካል ምሕደራ ህጹጽ እዋን ነቲ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ንምድልዳል ዘኽእሎ ሕጊ ከም ዝኸተመ ክንገር እንክሎ፣ ዕለት 6 ሓምለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ እቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን እናሓሰቡ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹን፣ "ንኹሎም እቶም ዝፈትውዎምን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ዝሰኣኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቴክሳስ ብዘጋጠመ ምዕልቕላ ማይ ውሕጂ ጓዳሉፕ ኣብ ሓደ ናይ እዋን ክረምቲ ማእከል ኣዋልድ ዘስዓቦ ሓደጋ ዝተሰመዖን ልባዊ ሓዘን ገሊጾም፣ “ጸሎትይን ቅርበተይን አረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ሰበኻ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ሊቀ ጳጳሳት ጉስታቮ ጋርስያ - ሲለር ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ኣብ ከተማ ኬርቪል ብምኻድ ጸሎቶምን ድጋፎምን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብታ ከተማ ካብ ዝቖሙ ግዚያዊ ሓገዝን ክንክንን መውሃቢ ኣርባዕተ ማእከላት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኖትረ ዳም ምስ ዝተዓቖቡ ኣባይቲ ስድራ ከም እተራኸቡን ብጹዕነቶም ንኣገልግሎት ዜና ኦኤስቪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካቶሊካውያን ትካላት ግብረ ሰናይ - ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጨንፈር ካሪታስ ምስ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብምትሕብባር - ነቶም ካብቲ ቦታ ዝወጹ ወይ ኣባይቶም ዝሰኣኑን ኩሎም መግቢ፡ ክዳውንቲ፡ መሳለጥያ ጽሬትን፡ ማይን መደቀሲ ቦታን የቕርብ ምህላዉ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ቦታ ዝተዓቖቡ ካብ ሰበኻ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዝመጹ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብ ሁይስተንን ካልኦት ግዝኣታት እውን ዝመጹ ከም ዘለዎ ብቐረባ ከም ዘረጋገጹ የመላኽት።