MAP

Anti-migrant unrest following an attack on an elderly man by unknown assailants earlier in the week, in Torre Pacheco Anti-migrant unrest following an attack on an elderly man by unknown assailants earlier in the week, in Torre Pacheco 

ስጳኛ፦ ሓደ ጳጳስ ነቲ ኣብ ሙርስያ ዝተገብረ ዓመጻ ጸረ-ስደተኛታት ኰነንዎ

ደድሕሪ እቲ ኣብ ቶሬ ፓቸኮ ስጳኛ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሰሜን ኣፍሪቃ ብጽንፈይና የማናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ መጥቃዕቲ፣ ጳጳስ ሰበኻ ካርታጌና ነቲ ናዕቢ ነንዎ፣ ውጥረት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ሰላምን ህላወን ክርስትያናዊ ምስክርነትን ከም ዝህሉ ውን ገበሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓልፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሙርስያ ስጳኛ እትርከብ ቶሬ ፓቸኮ እትበሃል ከተማ ናዕቢ ተላዕለ፣ እቲ ጽንፈይና የማነይ ኣተሓሳስባ ዝኽተል ጕጅለታት ከኣ ነቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጹ መንእሰያት መጥቃዕቲ ኣወረደሎም። ናይ ሰበኻ ካርታጌና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሆሴ ማኑወል ሎርካ ኣብቲ ኸባቢ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዓመጽን ሕውነትን ኣብ ዝገብርዎ ምስክርነት ጽኑዓት ኰይኖም ክቕጽሉ ብምምሕጻን ሰላም ክሰፍን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ሃዋህብ ወጥሪ ስደተይናታት

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ዞባ ማግሬብ ዝመጹ ስደተኛታት ዝወርድ ዓመጽ ዘጕልሕ "ሃድን" ብምባል ይገልጽዎ ኣለዉ። እዚ ግጭት እዚ ደድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሓደ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመበቈሎም መንእሰያት ዝፈጸምዎ ጡረታ ዝወረደ መጥቃዕቲ ኢዩ ። ከም ግበረ መልሲ ናይዚ ድማ ዝሃለፈ ዓርቢ ምሸት 2,000 ዝዀኑ ሰባት በቲ ከንቲባ ቶሬ ፓቸኮ ዝኾነ ፔድሮ ኣንጀል ሮካ ዝበሃል ናይ ህቡብ ሰልፊ ሰላማዊ ኣኼባ ንምግባር ተኣከቡ።

ይኹን እምበር ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ምንቅስቓሳት በቶም ጸረ-ስደተኛታት ጭርሖታት ክጭድሩ ዝጀመሩ ኣባላት ሰልፊ ቮክስ ዝርከብዎም ናይ ጽንፈይና የማን ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጉጅለታት ተጨውየ። እቲ ሓድነት ከም ዚሰፍን ዚገብር ሲቭላዊ ጻውዒት ኣብ ዓመጻ ተቐየረ፣ እዚ ኸኣ ስደተኛታት ኣብ ጐደናታት ይስጐጉ ብዳርባ እምኒ ይቕተሉ ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሰፊሑ ኣብ ዚዝርጋሕ ቪድዮታት ይርአ ኣሎ። እቶም ኣባላት ኣኽበርቲ ጸጥታ ነቲ ናዕቢ ንምቍጽጻር ብዙሕ እዮም ዚቃለሱ ዘለዉ።

እቶም ጽንፈይና ዝኾነ ናይ የማናይ ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ ሰባት ተጣበቕቲ፣ ንሰሜን ኣፍሪቃውያን ኪስጐጉ ጽዩፍን ዜስግእን ቋንቋ ኺጥቀሙ ከምኡውን ኣብተን ብስደተኛታት ዚመሓደራ ትካላት መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ብምምሕጻን ተወሳኺ ዜቘጥዕ መልእኽትታት ሒዞም ብመስመር ኢንተርነት ኣቢሎም መርዛም ሓሳባቶም ዝዝርግሑ ዘለዉ። ፖሊስ እናበዝሑ እኳ እንተ መጹ ብዙሓት ተቐማጦ ሞሮኮ ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢታት ሓድሽ ዓመጻ ተላዒሉ ኣሎ፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ነቲ ዜቘጥዕ ነገር ምላሽ ክህቡሉ ይርከቡ ኣለዉ።

ጸዋዕታ ንዘተን ምትሕብባርን

ዳርጋ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ቶሬ ፓቺኮ ኻብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ ስደተይናታት እዮም።  ብዙሓት ንቝጠባ እቲ ዞባ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ሕርሻ ሰራሕተይናታት ዀይኖም ኢዮም ዝናበሩ። እዚ ማሕበራዊ ውጥረት እዚ እናሃለወ ኽነሱ ሰበ-ስልጣንን ጕጅለታት ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ምይይጥን ሰላማዊ ህላወን ንኽህሉ ምሕጽንታ የቕርቡ ኣለዉ።

ከንቲባ ሮካ ህድኣትን ጽኑዕ ናይ ድሕንነት ስጕምቲ ምውሳድን ከም ዘድሊ እንደገና ገሊጹ ውን ኣሎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣደ መንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ማግሬብ ስጳኛ ዝዀነት ሳባ ያኩቢ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ ኣላ "እዚ ካልእ ማእሰርቲ ኢዩ" ክትብል ውን ገሊጻቶ ትርከብ ኣላ።

ናይ ሰበኻ ካርታጌና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሆሴ ማኑወል ሎርካ ኣብ ዝሃብዎ ምሕጽንታ እዚ ዓመጽ እዚ "ፍታሕ ኣይኰነን" ከምኡውን ዓሚቝ ፍርህን ራዕድን ከም ዜምጽእ ብምጕላሕ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ንህዝቢ ቶሬ ፓቺኮ ስለቲ ንነዊሕ እዋን ዘርኣይዎ ናይ ሓድነትን እንግዶትን መንፈስ ብፍላይ ከኣ ስራሕ ኣብ ምሃብን ምትሕብባር ኣብ ምድንፋዕን ንዝርኣይዎ ጻዕርታት ነኣድዎም።

እቶም ጳጳስ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ክርስቲያን ምእመናንን ሰላምን ዕርቅን ንምድንፋዕ ብዝገበርዎ ቐጻሊ ዕዮ ውን ኣሞገስዎም ንዅሎም ተቐማጦ ድማ ካብ "ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጥሩፍነት" ኪርሕቁን ብዛዕባ ሰላምን ፍቕርን ይቕረታን ምስክርነት ብምሃብ ክርስትያናዊ ጻዋዕታኦም ክዋጽኡ ተማሕጸንዎም።

15 Jul 2025, 15:41