ምምጻእ ተስፋ መንእሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
መንእሰይ ማሹምቡካ ሎቢና ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናብ ኢጣልያ ቕድሚ ምኻዳ ሓደ ሰሙን ክተርፋ እንከሎ ብናይ ስልኪ ጻውዒት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፣ ብሓጐስ "ቦርሳታትና ጠርኒፍና ኽንጐዓዝ ተሃንጥና ኢና ዘሎና!" ክትብል መስከረት። እቲ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ፕሪቶርያ ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣመሓዳሪ ኮሚሽን መንእሰያት፣ ሓደ ኻብቶም ካብ 28 ሓምለ ክሳዕ 3 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝካየድ ቅነ መንእሰያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንምክፋል ምስቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቦትስዋና ከምኡውን ኢስዋቲኒ ዝመጹ ዳርጋ 160 ዝዀኑ መንእሰያት ሓደ እዩ።
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ 70 ሚእታዊት እኳ እንተ ዀኑ፣ ንኣፍሪቃ ካብ ዓለም ዝነኣሱ ተቐማጦ ዘለውዋ ኽፍሊ ዓለም እውን እንተ ገበርዋ፣ ብዙሓት መንእሰያት ንንግደት ሮማ ዝኾኖም ገንዘብ ምእካብ ዘጸግሞም ኢዩ ዝነብረ። ይኹን እምበር ሰኻታት ነዛ ቅድስቲ ዓመት እዚኣ ኣብ ከባቢኦም ምእንቲ ክጽምብልዋን ብዙሕ ንጥፈታትን ፍጻመታትን ክውድቡ ጸኒሖም ኢዮም፣ እቶም ዝመጹ መንእሰያት ከኣ ሕልምን ትምኒትን እቶም ኣብ ዓዲ ዝገደፍዎም ብጾቶም ምሳታቶም ሒዞም ምምጻእን፣ ከምኡውን ሓድሽ ሓይሊ ሰኒቖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድማ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብ ኲንስታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብፁዕ ኣቡነ ሲፊዎ ፖል ቫንካ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት "እቶም መንእሰያት ነዚ ዓመት ኢዮቤል እዚ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ተዳልዮም ዘለዉ" በሉ። እዚ ድማ ነቲ ንደቡብ ኣፍሪቃን ቦትስዋናን ኢስዋቲኒን ዝውክል ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ማሕበር መንእሰያት ውዳቤ ከም ምዃኑ መጠን፣ ንኢዮቤል መንእሰያት ንዝግበር ምድላዋት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብፍልይ ኣካይዱ ኢዩ። "እቲ 'ነጋድያን ተስፋ' ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሰበኻታት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ብዙሕ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ" ብምባል ውን ኣመልከቱ፣ ወሲኾም ድማ ካብ 2000 ክሳዕ 3000 ዝዀኑ መንእሰያት ኣብ መጀመርታ ናይታ ዓመት እቲአ፣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝተኻየደ ንግደት መንእሰያት ከም እተኻፈሉ ውን ገለጹ።
ንዓመት ኢየቤል ዘዳሉ መደባት ምክያድ
ኣብቲ ኮሚሽን መንእሰያት እተፈላለየ ንጥፈታትን ውጥናትን ዘዳለወሉ "ናብ ዓመት ኢዮቤል መንእሰያት እተብጽሕ መገዲ" ዘርእስቱ ተበግሶ ዝጀመሩሉ፣ ኣብ ኩሎም ሰበኻታት እውን ተመሳሳሊ ውዕዉዕ ስምዒት ተራእዩ ኢዩ። ገለ ኻብዚ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝርከብ ብዛዕባ "ምልክት ነጋድያን" ዘተኰረ ጸሎተ መቍጸርያን ከምኡውን ካልእ መንፈሳዊ ፍጻመታትን ብዛዕባ እዛ ቅዱስ ዓመት ዘማእከለ ናይ ታስዕቲ ጸሎትታት ብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወፈራታት፣ ከምኡውን ካብ ፍረ ነገር ናይዛ ኣመት 'ነጋድያን ተስፋ' ተበጊስካ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ዝተኻየደ ወርሓዊ ምይይጥ ዘጠቓልል መደባት ነበረ። እዚ ርእሰ ነገር እዚ ነጋድያን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ምስትንታን ኣትሒዙ፣ ኽሳዕ እቲ ንደቡብ ኣፍሪቃ ዚጸሉ ኸም ጾታዊ ዓመጻን ቅትለትን ዝኣመሰለ ኣብ ኸበድቲ ጕዳያት እቲ ከባቢ ዘተኰረ እዩ ዝነበረ።
ንኣብነት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት "ከም ነጋድያን ተስፋ መጠን፣ ነቶም ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጻን ቅትለትን እተጐድኡ ወገናት ንምዝካር ፍሉይ መደብ ጸሎት እውን ነበርና። ምእንታኦምን ምእንቲ እቶም ዘፍቅርዎም ሰባትን ጥራይ ዘይኰነስ ምእንቲ እቶም ገበነኛታት እውን ንጽሊ ነበርና " ክብሉ ውን መስከሩ።
ገሊአን ቍምስናታት ንዓመት ኢዮቤል ንምድላው ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶታት ውን ኣካይዶም እዮም፣ ንኣብነት ኣብዛ ቅድስቲ ዓመት ንኣረጋውያን ብጭቡጥ መገዲ ኺሕግዝዎም ውን ክኢሎም እዮም። ኣስዕብ ኣቢላ ውን መንእሰይ ማሹምቡካ "ኣዝዩ ዜደንቕ ጕዕዞ እዩ ዝነበረ፣ መንእሰያት ከኣ ተሓጒሶም እዮም" በለት ። "እቶም መንእሰያት ንቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ኺገብሩላ ኺደልዩ ምርኣይ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ" ክትብል ውን መስከረት።
ንተስፋ ስንቂ ምስኣታቶም ምምላእ
መንእሰይ ግላድነስን ብጾታን ንተስፋታት እቶም ኣብቲ ጉባኤ ክካፈሉ ዘይክእሉ መንእሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ ምሳታቶም ሒሶም ከም ዝነግዱ ውን ኣመልከተት። ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እተገብረ ምድላዋት "እቶም መንእሰያት ትምኒቶምን ሃተርታኦምን ኣብ 'ናይ ተስፋ ዓለባ' ክጽሕፉሉ ዝኽእሉ ንኹሉ እቲ ተስፋ ዝግበረሉ ኽፍሊ ህይወቶም ኢዩ ዝንበረ። ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዄንና ምእንቲ ኽንጽሊ ከሎና ነዚ ዓለባ እዚ ሒዝና ኢና " ውን በለት ። "ኣምላኽ ትምኒቶምን ሃረርታኦምን ተስፋኦምን ብርግጽ ኪህቦም ድማ ተስፋ ንገብር" በለት።
እዚ እተፈላለየ ተበግሶታት እዚ ንዝዀነ ይኹን ናብ ሮማ ክነግድ ዘይከኣለ ሰብ ተመክሮ ዓመተ ኢዮቤል ኣብቲ ዘለዎ ከባቢ ንኽነብሮ ዝሕገዘሉ መገዲ ውን እዩ። መንእሰይ ግላድነስ ወሲኻ ከምዚ በለት - "ንመንእሰያት ምእንቲ ከነተባብዖም፣ ናብ ሮሜ ንምኻድ ዓቕሚ እኳ እንተ ዘይብልኩም፣ ኣብ ዘሎኹሞ ቦታታት 'ናይ ተስፋ ነጋድያን' ክትኰኑ ኸም ዝኽእሉ ኸነርእዮምን ንጽዕር ኣሎና በለት።
ዘጋጥሙ ዘለዉ ብድሆታት
እኳ ደአ ኣብ ከም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት እሞ ኸኣ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ድኽነትን ዘይማዕርነትን ስለ ዝነብሩ፣ ብዙሓት ናብ ሮማ ንምምጻእ እኹል ገንዘብ ክእክቡ ኣይከኣሉን። ብፁዕ ኣቡነ ቫንካ ከም ዝገለጽዎ ሰበኻኦም እውን እንተ ዀነ ብምኽንያት ቍጠባዊ ድሩትነት ንንግደት ናብቲ መደባት መንእሰያቶም ክሰዱ ከም ዘይከኣሉ ብምጕላሕ "እኹል ገንዘብ ኪእክቡ ብዘይምኽኣሎም ንዋላ ሓደ ሰብ ዘይልእኽ ሰበኻ ውን ኣሎ" በሉ።
ግለድነስ እውን ብወገና ተመሳሳሊ ጕዳያት ኢያ ትምስክር ዝንበረት። "መብዛሕትኦም ነጋድያን ኻብ መሳኪን ስድራቤታት ስለ ዝመጹ፣ ገንዘብ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ብድሆታት እዩ ዀይኑ ዘሎ" በለት። ይኹን እምበር ሓያሎ መንእሰያት ከም መቝጸርያ ምድላውን ምሻጥን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ብምክያድ ገንዘብ ንምእካብ እተገብረ ተበግሶታት ከም ዝወደቡ ውን ኣጕልሐት።
ካልእ ውጥረት ዝመልኦ መዳይ ናይዚ ንግደት እዚ ድማ ቪዛ ናይ ምርካብ መስርሕ ኢዩ ዝንበረ መይሲ "ኣዝዩ ነዊሕ ቆጸራ ናይ ግዜን እተወሰነ መዝገባን ምንባሩ ድማ ኢዩ።" ዳርጋ ፍርቂ ዝዀኑ ጕጅለ መንእሰያት ቀቕድሚ እዚ ጕዕዞ እዚ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሞም ኢዮም ቪዛኦም ይጽበዩ ዘለዉ። ይኹን እምበር ሓጐስ ዘለዎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘይነቓነቕ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም - "ንሎጅስቲክ ብዙሕ ተወፋይነትን ናይ ሓቢርካ ምዕያይ ተበግሶ ዝሓትት ኢዩ ዝንበረ፣ እንተዀነ ግን ዝዀነ ይኹን ብድሆታት የጋጥመና ብዘየገድስ ንዕወት ኣሎና። እዚ ኸኣ ኢዩ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ እቲ መስርሕ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ምሳና ከም ዘሎ መረጋገጺ ዝኾነና" ክትብል ውን ወሲኻ መስከረት።
እዋን ጸገማት ዘሎ መንእሰን ሓያልን ህዝቢ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መንእሰይ ምዃን ቀሊል ከም ዘይኰነ መንእሰይ ግላድነስ ኣፍልጦ ትሕበሉ። "ንማሕበራዊ ቍጠባዊ ጕዳያት ሃገርና ኣብ ግምት ምእታው በዳሂ እዩ። መጠን ሽቕለት-ኣልቦነት ኣዝዩ ልዑል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንመንእሰያትና ይጸልዎም ኢዩ ዘሎ" በለት። ብመሰረት ክፍሊ ስታቲስቲክስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መፋርቕ 2025 ኣብ ዝተገብረ ጸብጻብ ብገምጋም ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት 46% እዩ በጺሑ ዘሎ። ግላድነስ ወሲኻ ከም ኣብ ጾታ እተመርኰሰ ዓመጻ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝኣመሰለ ካልእ ጸገማት እውን ኣጕሊሑ ይርአ ኣሎ ክትብል ገለጸት።
ይኹን እምበር ብዙሕ ሠናይ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ እውን ኣትሪራ ተዛረበት። ኣብታ ሃገር ማእከላይ ዕድመ 30 ዓመት ስለ ዝዀነ፣ መንእሰያት ኣዝዮም "ብርቱዓውያንን ብህይወት ዝተመልኡን" ምዃኖም ገለጸት። ንኣብነት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ንመንእሰያት ብጾቶም ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዝሕግዝ ናይ ስራሕ መደባት ወይ ካልእ ተበግሶታት ኣብ ምውዳብ ንጡፋት ምዃኖም ውን ኣጕልሐት። "ዲሞክራስን ናጽነትን እውን ኣሎና፣ ሓሳብና ኽንገልጽን እምነትና ብናጻነት ክነብርን ንኽእል ኢና" ብምባል ድማ መስከረት።
"መንእሰያት ከም ምዃንና መጠን ዘጋጥመና ብድሆታት ኣሎ። እንተዀነ ግን ነጋድያን ተስፋ ስለ ዝዀንናን ተስፋ ስለ ዘይንቘርጽን፣ ተስፋ ኣብ ምግባርና ከም እንቕጽል እኣምን ኢየ " በለት።
ምስ ሓድሽ ሓይሊ ናብ ሃገርና ምምላስ
ብፁዕ ኣቡነ ቫንካ ከም ዝገለጽዎ መንእሰያት ድሕሪ እዚ ከምዚ ዓይነት ንግደታት ምስ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ኸለዉ ርእየ እየ ክብሉ ውን መስከሩ፣ እዛ ዓመት ኢዮቤል መንእሰያት እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ጽልዋ ኸተሕድረሎም ተስፋ እገብር ክብሉ ኣመልከቱ። "ካብዚ ንግደታት እዚ ተመሊሶም ከም ብሓድሽ ተተባቢዖምን እንደገና ተበራቲዑን እዮም ዝምለሱ" በሉ። "እዚ ብልጭታት እዚ ንኻልኦት ሰባትን ንቤተ-ክርስትያኖምን ንኸፍቅሩን ንኽሰርሑን ወትሩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። […] እዞም መንእሰያት ተመክሮታቶም ንኻልኦት እውን ከካፍሉ ይኽእሉ ኢዮም" ክብሉ ኣስመሩሉ።
ግላድነስ እውን ኣብ መደምደምታ ከምዚ በለት - "ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝግበር መደባት ንኽካፈልን ብቅዱሳት ኣፍደጌታት ክንሓልፍን፣ ኣብ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስ ንኽጽሊ ብሃንቀውታ ኢየ ዝጽበ ዘለኹ። "መብዛሕትና መንእሰያት እምነትና ኽትሕደስ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ ዘለና" ክትብል እውን ሓሳባታ ደምደመት።