MAP

ተስፋ መንእሰያት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃውያን ናብ ኢዮቤል ምምጻእ ተስፋ መንእሰያት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃውያን ናብ ኢዮቤል ምምጻእ 

ተስፋ መንእሰያት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃውያን ናብ ኢዮቤል ምምጻእ

ካብ ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ጳጳሳትን መንእሰያትን ዋላ’ኳ ብድሆታት ይሃልዎም፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 28 ሓምለ ክሳብ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ሮማ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 225 ዓ.ም. ዝካየድ ኢዮቤል ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ዘካየድዎ ምድላዋት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሲር ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

70% ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃውያን ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም መንእሰይ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር እኳ እንተኾነ፣ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ናብ ሮማ ዝግበር ንግደት ንኽሳተፉ ዘኽእሎም ወጻኢታት ንምእካብ ብዙሕ ከም ዝጽገሙ ዝፍለጥ ከም ዝኾነን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከባ ርእሰ ሰበኻታትን ሰበኻታትን ነቲ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንዝተፈላለየ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅነ ኢዮቤል ኣብ ከባቢኦም ብዞባዊ ደረጃ ንምካይድ ብዙሕ ንጥፈታትን ፍጻሜታትን ከም ዝዳሎ ዝፍልፈጥ ኮይኑ፣ እቶም ናብ ሮማ ዝመጹ መንእሰያት ሕልምን ባህግን መንእሰያት ኣፍሪቃ ሒዞም ዝመጹ መንእሰያት ደሓር ዝረኸብዎ ጸዓት ሕዳሴን ተመክሮን ሒዞም ናብ ሃገሮም ክምለሱን ተስፋ ክምስክሩን ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

“ኣብዚ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንመንሰያት እተወፈየ ቅነ ኢዮቤል፣ ንኽሳተፉ ካብ ደብባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ናብ ሮማ ዝመጹ መንእሰያት ምድላዋት ከም ዝፈጸሙ፣ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ዞባ ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት መንእሰያት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ክዊንስታውን ጳጳስ ሲፊዎ ፖውል ቫንጋ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ እቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ቦትስዋናን ኤስዋቲን (ኣብ ዝሓቁፍ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ጳጳስ ሲፊዎ ፖውል ቫንጋ - ነቲ ዝተኻየደ ምድላዋት ብቐረባ ከም እተኸታተልዎን፣ “ኣብ ሃገረ ስብከታት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ‘ነጋድያ ተስፋ’ ዝብል ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መርሕ ቃል ዘማእከለ ምድላዋት ምንባሩ ኣብሪሆም፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብምኽንይት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ንጉዳይ መንእሰያት ኣብ ዘተኮረ ዞባዊ መደባት ኢዮቤል ካብ 2000 ክሳብ 3000 መንእሰያት ከም እተሳተፉ እውን ይሕብሩ።

24 Jul 2025, 16:21