'ማሕበራዊ ሃካቶን' መንእሰያት ታይላንድ ንኽመሃሩ የኽእሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ታይላንድ ካብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝመጹ ተማሃሮ፡ ንጡፍ ሲኖዳውነት ብምስዓብ ዝሓሸ ዓለም ንምፍጣር ዕድላትን ደገፍን ኣብ ዝህቦም መደብ “ማሕበራዊ ሃካቶን መንእሰያት” ይሳተፉ ኣለዉ።
ብቤት ምኽሪ ጉዳያት ካቶሊካዊ ስነ መዕበያ - ትምህርቲ ታይላንድ ብደገፍ ሊቀ ጳጳሳት ባንኮክን ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ካልኦት መሻርኽትን ዝዳሎ እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ፡ ካብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ 12 ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝመጹ ጉጅለታት ዝተዓደሙሉ ኮይኑ፣ ኣብ ማሕበረሰቦም ዝለዓሉ ሕቶታት በኣገባብ ሲኖዳውነት ክምርምሩን ድሕሪኡ ድማ ነቶም ጸገማት መሃዛዊ መፍትሒታት ከቕርቡን ዝሕግዞም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሓቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ናይ ሲኖዳውነት ጉዕዞ
ዶክተር ፒተር ሞንቲንቪቺንቻይ ዋና ኣላፊ LiCAS - ሊካስ ናይ እተሰምየ ብርእሰ ሰበኻታት ባንኮክ ዝምወል ብቋንቋ እንግሊዘይና ሓበሬታ ዘቕርብ ኣገልግሎት ዜና፣ እዚ ማሕበር መንእሰያት ሃክቶን ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት፣ ክእለቶም ንሰናይ ምዕባለን ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ገዛእ ርእሶን ንኽኽሉን ንምሕጋዝን ከምኡ እውን "ኣብዚ ኣብቲ ማሕበራዊ ሃካቶን እንገብሮ ዘሎና፣ እቶም መንእሰያት ኣብ ማሕበረሰቦም ንዓኣቶም ዘገድሱ ጉዳያት ክፈትሑ ዝድርኽ ከም ዝኾነ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከም ዘረጋገጸ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ክንዲ ናይ እደ ጥበብ ፍርያት ዘፍርዩ ፡ “ምስቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዘለዉ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰብ፡ ብሲኖዳውነት ኣገባብ እንታይ ብድሆታቶም፡ ስቓዮምን ጽን ብምባል፡ ብሓባር ኮይኖም ነቲ ጸገም ከብድሁ፤ መፍትሒ ከናድዩ፤ ነዚ ኩሉ ክውን ንምግባር ምወላ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ክህልዎም ዝገብር ዕድል ዝድህስስ ምዃኑ ኣመላኺቱ፣ ኣብ መዛዘሚ ሃካቶን፡ ደያኑ ነቶም ኣዝዮም ብሉጻት መፍትሒ ዘቕርቡ፣ "ፍታሖም ጋህዲ ንምግባር" ምወላ ክህቡ ምዃኖም ድማ ከም ዝሓበረ የመላኽት።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ እቲ ዓበይቲ ኣካላት ንመንእሰያት ክሰምዑ ዝድርኽን፣ እቶም መንእሰያት ድማ ንሓደ ጸገም ክፈትሑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ጸገም ከለልዩ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም እንኣምኖም ምርኣይ እዩ። ደሓር ድማ እቲ ምወላ ብሓቂ መንእሰያት ስጉምቲ ክወስዱን መፍትሒኦም ክውን ንምግባርን ሓይሊ ንምሃብ እዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሲኖዳውነት ምልምማድ
ሞንቲኤንቪቺንቻይ ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስዒቡ፣ እዚ መደብ እዚ ኣብ ዙርያ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተወደበ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ካብቶም ዝሳተፉ ተማሃሮ ንባዕሎም ካቶሊካውያን ከምዘይኮኑ ሓቢሩ፣ “ ስለዚ ንዓኣቶም - ንዓበይቲ እውን - ሲኖዳውነት ክርድኡን ክለማመዱን ተመክሮ ክገብርዎን ዘተባብዕ እዩ - ቢሉ - ብፍላይ ድማ ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩ፡ “ምሉእ ነጥቢ ናይተን ቀዳሞት ክልተ መዓልታት መደብ ዓውደ ኣኼባ፡ ብግቡእ ናይ ምስማዕ ብቕዓት ክህልዎም ዘነቓቕሕ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እደ ጥበባዊ ፍጻመ ኣብ እተወሰነ ዓውዲ ኽኢላታት ዚስሕብ እኳ እንተ ዀነ፣ እቲ ማሕበራዊ ሃካቶን ነቶም ኣብ ማሕበረሰቦም ለውጢ ዝገበሩ ክኢላታት ከም ዘጠቓልልን እዚ ኩሉ "ንኣተሓሳስባ ብምሉኡ እቲ ማሕበረሰብ ዝቕይሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ስጕምቲ ዝመርሑ ሰባት ኢዮም፣ መንእሰያት ዋላ ብዘይ ህብረ - ሃገራት ምወላ፡ ብዘይ ስጉምቲ ዓበይቲ ወይ መንግስቲ፣ ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ንኽርድኡ ምሕጋዝ ኣገዳሲ'ዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንዓለም ብዝተፈለየ መንገዲ ምርኣይ
ሞንቲየንቪቺንቻይ ድሕሪ እቲ መድረኽ ሃካቶን እቶም መንእሰያት ተሳተፍቲ ኣረኣእያኦምን ኣብ ዓለም ዘለዎም ርድኢትን ክቕየር ተስፋ ከምዘለዎ ድማ ገሊጹ፣ . . . "ንሓደ ነገር ብዝተፈለየ መንገዲ ክትገልጾ እንኮለኻ፡ ወይ ኣዝዩ ደረት ክገብር ይኽእል ወይ ድማ ኣዝዩ ሓራ ዘውጽእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተስፋ እገብር ብድራኸ እቶም ክኢላታት፡ ንሓደ ጕዳይ ኣጸቢቖም ዚምርምርሉ ግዜ ምስ ረኸቡ ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ኺርእይዎ ተስፋ እገብር ። ኣብ ዓለም ለውጢ ዘምጽእሉ መገዲ ኸኣ እዚ እዩ - ምስ በለ - ቀጺሉ፡ "ነዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክጥምትዎ ከለዉ፡ ንነገራት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምግላጽን ምርኣይን ተመርኲይሶም ባህርያቶም ከም ዝቕየር ክስምዖም ተስፋ እገብር። ከምኡ'ውን ሓይሊ ከም ዝስምዖም፡ ኣብ መጻኢ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ ለውጢ ከምጽኡ ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ክርእይዎ ከምኡውን ከተኵሩ ኸም ዚኽእሉ ክፈልጡ ተስፋ እገብር። ነፍሲ ወከፎም ልዕለ - ሓይሊ ኣለዎም ብሓቂ ኸኣ ለውጢ ከምጽኡ ብመንፈስ ቅዱስ ንክድረኹ ድማ ተባዓት ኪዀኑ ይኽእሉ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።