ኣብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ሽዱሽተ ሚልዮን ነጋድያን
ድሕሪ ባርዕ ሓዊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝወሰደ ሕዳሰ ዝተገብረሉ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ኣብ መወዳእታ 2025 ዓ.ም. 12 ሚልዮን በጻሕቲ ከአንግድ ትጽቢት ይግበር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ ዝበበረ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ - ፓሪስ ዝርከብ ፍልጡን ዓብይን ካቴድራል ኖትረ ዳም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ ሕዳሴ ተዛዚሙ ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ካብ ዝኽፈት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ወርሒ ማለት ክሳብ ዕለት 30 ሰነ 2025 ብድምሩ 6,015,000 ነጋድያን ከም ዘአንገደ ዜና ቫቲካን ላ ትሪቢ ዲሞሽ እትሰምየ ጋዜጣ ጠቒሱ የመላኽት።
ዜና ቫቲካን እቲ ናይ ፈረንሳ ጋዜጣ ዕለት 6 ሓምለ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ፣ ኣብ መዓልቲ 35 ሺሕ ሰባት ኣብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ከም ዝነገዱ እንክሕብር፣ እቲ ቁጽሪ በዚ መንገዲ እዚ እንተቐጺሉ፡ ኣብ መወዳእታ 2025 ቁጽሪ ነጋድያን 12 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ፣ እቲ ካቴድራል ድሕሪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሓምሽተ ዓመት ዝወሰደ ኣገዳሲ ሕዳሴ ንነጋድያን ክፉት እውን እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ እቲ ሕዳሴ ኣብ 2027 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ምዃኑ የዘኻኽር።
09 Jul 2025, 15:44