መበል 20 ምሉእ ጉባኤ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ 250 ወከልቲ ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን (ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳብ ዕለት 4 ነሓሰ) ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ መበል 20 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) የካይዱ ከም ዘለዉን፣ “ኣብ መንጎ ኩሎም ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ደሴታታ ኣፍሪቃን፣ ሕብረትን ምትሕብባርን ሓባራዊ ስጉምትን ብምዕባይ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም መጋበርያ ድሕነት ዘለዋ ተራ ንምድንፋዕን ንቤተ ክርስቲያን ከም ስድራቤት ኣምላኽ ንምህናጽን” ዝዓለመ ምዃኑ ናይቲ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣቦ መንበር ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኣምቦንጎ ገሊጾም።
ናይ ሎሚ ዓመት ምሉእ ጉባኤ፣ ካርዲናላት፡ ሊቀ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ከምኡ’ውን ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጹ መራሕቲ ዓለማውያን ምእመናን፡ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ዝመጹ ወከልቲ መሻርኽቲ ትካላት ዘራኽብ ኮይኑ፡ “ክርስቶስ ምንጪ ተስፋ፡ ዕርቅን ሰላምን” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየን ናይቲ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መሉ ዓውደ ጉባኤ ጀሚሩ ዝተራእየ ምዕባለታት ክግምግሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይቲ ዓቕለስያዊ ተቕዋም ወግዓዊ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ካብ ዝክረ ነገራት ናይዚ ዓውደ ጉባኤ 2025፡ ኣብ ዙርያ ዓሰርተ ክልተ “መሰረታዊ ኣዕኑድ” ዝተሃንጸ፡ ስብከት ወንጌል፡ ኣመራርሓ ስድራቤት፡ ጽምዶ መንእሰያት፡ ሓልዮት ምህዞ፡ ተልእኾ ወንጌል ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓን፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝሓቖፈ ናይ ነዊሕ ግዜ ሰነድ ራእይ ናይ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ን2025 ንምቕራብ ዝኣመተ እውን ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እቲ ጉባኤ “ኣብ ዝተሓላለኸ ባህላዊ ክውንነት” ብዛዕባ እቲ ካቶሊካውያን ዘሰንይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከስተንትን እውን ከም ዝኾነን፣ ከም ብዝሓ - መውስቦ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ምሕደራ፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ምክልኻልን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ከም ዝዝትይን ነዚ መበል 20 ሓፈሻዉ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝኸይድ ስነ መላዊ ውጥን 2025 - 2028፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት ቅዋም እቲ ኣካል፣ ተሓድሶ ኣመራርሓ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ታሪኻዊ መዘኻኸሪ
ካብ ዓውደ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (ሴካም) ካብ ድላይ መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ኣብ እዋን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን (1962-1965) ከም ዝቖመን። እምበኣር ምምስራት ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ውጽኢት ናይቲ ጳጳሳት ንኣፍሪቃዊ ራእይ ናብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ድምጺ ንምምጻእ ኣህጉራዊ መሓውር ንምህናጽ ዝወሰድዎ ውሳነ እዩ።
ኣብ 1968 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ብዝነበር ቅዱስ ማሕበር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ዘለዎ ኣገዳስነት ስለ እተገንዘበ፣ ንኹሎም ናይ መላእ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት ኣበ መናብርት ንሓድሕዶም ተኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ዝሕሰብ ዝነበረ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካን ጉባኤ ጳጳሳት ክዘራረቡ ከም ዝዓደሞምን፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ምብጻሕ ነቲ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ንምብጋስ ምሹእ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ይኹንታ ብምሃብ ብወግዒ ከም ዘበገስዎ ዜና ቫቲካን ናይቲ ዓውደ ሕብረት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።