ማዕርገ ክህነት ኣኃው ካፑቺኒ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅናታት ኣሥመራ
ግርማይ ኣስፍሃ - ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ
ኣብዚ ኣምላኽ ብጠለ ዝናማቱ ዝባርኸና ዘሎ ክራማት፣ ብጸዋዕታ ክህነት ከኣ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ይባርኸና ኣሎ። ሓደ ካብኡ ድማ ቀዳም 19 ሓምለ 2025 ዓ.ም ሰለስተ ውፉያት ደቂ ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ፣ ኃው ሳሙኤል ተ/ብርሃን፡ኃው ሱራፌል እንድርያስ፡ ኃው ያፌት ብርሃነ፣ ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ብዙሓት ካህናት ደቂ ማኅበርን ካልኦት ማኅበራትን፡ ወለድን ቤተሰብን ምእመናን ቊምስናን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ኣብ ቊምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት ኣሥመራ፣ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም።
ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብቲ ብብዙሓት ካህናት ተሰንዮም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዘስምዕዎ ስብከቶም፣ እግዚኣብሔር ከምዚ ገይሩ ስለዝኣኻኸበና፣ ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱ፣ በብግዚኡ ብክህነትን ብመብጽዓ ውፉይ ሕይወትን ባሪኹ፡ ንሕዝቡ ዝጓስዩ መንእሰያት ይህበና ስለዘሎ ከነመስግኖ ይግባእ። እዚ ብዙሓት ሃረር ኢሎም ዘይረኽብዎ፣ ንሕና ግን በብግዚኡ ብጸጋኡ ንሕዝብና ከነገልግል ኢና ኢሎም ዝውፈዩ ጽውዓት ይህበና ኣሎ፡ ምስጋና ይብጽሓዮ ኢሎም።
ካብ ቅዱስ ወንጌል ነቲ ኢየሱስ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ኢዩ ይብልዎ፧” . . .”ንስኻትኩም`ከ መን ትብሉኒ፧” ቢሉ ንሓዋርያቱ ዝሓተተሉ እሞ፣ ስምዖን ወዲ ዮና ድማ “ንስኻ ክርስርቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ቢሉ ዓቢይ ናይ እምነት መልሲ ዝሃበሉ፣ ኢየሱስ ብወገኑ “ስምዖን ወዲ ዮና፣ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ብፁዕ ኢኻ . . . ኣነ ከኣ እብለኻ፣ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተክርስቲያነይ ክሃንጻ ኢየ፣ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይኪኅይልዋን ኢዮም። መርኆታት መንግሥተሰማያት ድማ ክህበካ ኢየ፣ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ፡ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን ኢዩ፣ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን ኢዩ።” ብምባል ዝመለሰሉን ዓቢይ ሓላፍነት ዘልበሰሉን ክፋል ጠቒሶም፣ ብገርሀይና ኣበሃህላ ዓሚቚ ኣስተንትኖ ኣቕረቡ።
ኢየሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ሕማማቱን ትንሣኤኡን ምስ ተዛረበ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብባህሪኡ ውዕይ ኢሉ ስለዝነበረ፣ “ጎይታይ የድኅንካ እባ ደኣ፡ እዚ ነገር እዝስ ከቶ ኣባኻ ኣይውረድ” ይብሎ፣ ብዕድመ’ውን ንኢየሱስ ስለዝዓብዮ፣ብሓልዮት ክኢለዮ ኢሉ ያኢ “ኣይፋልካን፡ እዚ ዘረባ ኣይትድገሞ፡ ክሳቐ፡ ክመውት እየ ኢልካ ዘረባ እንታይ ዘረባኡ ኢዩ``፣ እናበለ ክምዕዶ ይፍትን። ኢየሱስ ከኣ ኣብ ወንጌል እታ ዝኸበደት ቃል ተጠቂሙ፣ “ካባይ ረሓቕ ሰይጣን፣ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” ይብሎ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ንስኻ ተመሃራይ ኢኻ፣ ብድሕረይ ኮይንካ ክትስዕበኒ እምበር ብቕድመይ ኮይንካ ክትመርሓኒ ኣይግባእን፣ “ግባእ ድኅረየ” (Get behind me) ንዕላማይን ተልእኮይን ዕንቅፋት ኣይትኹን። “ኪስዕበኒ ዝደሊ ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ። ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድኅና ዝደሊ ኬጥፍኣ ኢዩ፣ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ ኢዩ። ሰብከ ኹሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተኣጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ፧” ይብሎ።
ቀጺሎም ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ናይ ዓወት ናይ ድኅነት መንገዲ ትሕትና እዩ። እዚ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዝሓተቶም ሕቶ፣ ሎሚ ንኣና’ውን “ንስኻ`ኸ መን ትብለኒ፧ ብሓቂ ነኣይ ትፈልጠኒ ዲኻ፧ እዚ ኹሉ ፍልስፍናን ንባበ መለኮትን መንፈሳውነትን ተማሂርካ፣ ብሓቂ ብዕምቆት ትፈልጠኒ`ዶ`` ቢሉ ይሓተና። ካህን ንኢየሱስ ብቐረባ ዝፈልጦ ዓርኩ፡ መማኽርቱ፡ መጓጅምቱ ኪኸውን ኣለዎ። በዚከኣ ኢዩ ኢየሱስ ንኣና ንካህናት “ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ እንተፈጸምኩም. . . እቲ ካብ ኣቦይ ዝሰማዕኩዎ ዘበለ ንኣኻትኹም ስለዘፍለጥኩኹም ኣዕሩኸይ ኢኹም” ዝብለና። እሞ ከም ኣዕሩኽቱ መጠን፣ እዞም ሓደስቲ ካህናት ንኹን፣ እቶም ኣቐዲምና ክህነት ዝተቐበልና፣ ግዜ ንህቦዶ፧ ኣብ ቅድሚኡ መጺእና ንሰግደሉ፡ ነምልኾዶ፧ ክርስቶስ ጠሚቱ ዓይኑ ኣውዲቝልኩም ዓቢይ ህያብ ይህበኩም ኣሎ። ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሕዝቡን መንጎይናታት ዓረቕቲ ክትኮኑ፣ ዓደልቲ ምስጢራት፣ “ብእሴ ክርስቶስ”፡ “መጋቤ ምሥጢር” ክትኮኑ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብስም ክርስቶስ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ምስማዕን ምስባኽን ክትተግሁ፣ ነቲ ዓቢይ ህያብ ብኽብሪ፡ ብትሕትና ተቐቢልኩም ኣመስገንቲ ኩኑ``፣ ብምባል ንሓደስቲ ካህናት ንሓላፍነት ክህነት ዘዘኻኽር መሪሕ ሕይወቶም ዝኾኖም ስንቂ ቃል ኣምላኽ ኣስኒቖምዎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ንወለዲ፡ ንማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ፡ ንምእመናን ክህነት ንመላእ ቤተክርስቲያን ኢዩ፣ ንኹልና እንቋዕ ሓጎሰና ኢሎም። ብጻይ እዞም ሐደስቲ ካህናት ዝኾኑ፣ ራብዓዮም ኣባ በየነ ወልደገብርኤል’ውን ዝሐለፈ ቀዳም ኣብ ዓዶም ደብረ ኣስተርእዮ ሓልሓል ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን፣ መዓርገ ክህነት ተቐቢሎም፣ በዛ ዕለት ከኣ ብኃባር ምስ እዞም ሓደስቲ ካህናት ቀዲሶም። ንዚመጽእ ሰንበት ከኣ ኣባል ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፣ ዲያቆን ናሆም ተስፋይ ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ መዓርገ ክህነት ኪቕበል ኢዩ።