MAP

2024.10.24 Sacro Cuore di Gesù 2024.10.24 Sacro Cuore di Gesù 

ንግደት ምእመናን ቊምስናታት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራንሥርየተ ኃጢኣት

እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኢዮቤል፣ ዓመተ ዕርቂ፡ ንስሓን ድኅነትን ተባሂሉ፣ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ምንቕቓሓት ዝካየደሉ ዘሎ ዓመት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ብዓቢይ ክብሪ ዝኸብሩ ዓበይቲ በዓላት ቅዱስ ቊርባንን ቅዱስ ልበ ኢየሱስን፣ ካብ ሎምዘመን ጀሚሮም፣ ኣብ መላእ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ብጸሎት ሣልስቲ ተሰንዮም ኪበዓሉ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣዊጆም ኣሎዉ።

ግርማይ ኣስፍሃ - ኤጳእቅና ኣስመራ

ካብ 8 ሰነ ክሳዕ 7 ሓምለ 2025 ዓ.ም.ፈ. ዝጅምር፣ ናብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት ንግደት ኪግበር’ውን ብወግዒ ስለዘፍለጡ ድማ፣ ምእመናን ቊምስናታት ኣሥመራ ነዚ ዓቢይ ናይ በረኸት ንግደት ኪካፈሉ በብተራ በብቊምስናታቶም ተሰሪዖም፣ ሰንበት ሰንበት ናብዚ ደብሪ እዚ ብዓቢይ መንፈሳውነትን ትግሃትን ይነግዱ ኣሎዉ። ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ቊምስናታት ደብረ በኣታ፡ ደብረ ጽንሰታ፡ ደብረ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርዮም እንኪነግዱ። ሰንበት ዕለት 22 ሰነ ከኣ ቊምስናታት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ሰምበል፡ ደብረ መድኃኔ ዓለም ቪላጆ ነጊደን። ኣብዚ ጽዑቕ ንግደታት ዚካየደሉ ዘሎ ወርሒ ሰነ፣ ወርሒ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዕለት 29 ሰነ 2025 ድማ ቊምስናታት ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት፡ ደብረ ፍልሰታ፡ ደብረ ቅዱስ ኣንጠንዮስ ብውዕዉዕ መንፈሳውነት ነጊደን። ኣብዚ ሥርየተ ኃጢኣት ዚርከበሉ መደባት ንግደት፣ ብልኡካን ምሕረት ካህናት ዚካየድ፣ ናይ ኑዛዜን ካልእ ዝተፈላለየ ጸሎትን ኣስተንትኖን፣ ብዓቢኡ ኸኣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ስብከቱ ይዓርጉ ኣለዉ።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰንበት ድማ ድሕሪ እቲ ንመስዋዕተ ቅዳሴ ዘሰናዱ መደባት፣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ብቆሞሳት ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረትን ደብረ ፍልሰታ ፓራዲዞን ተሰንዮም ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓዕሪጐም። ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ንመንፈሳውነት ምእመናን ዘነቓቕሕ ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔር ኣስሚዖም። ነቲ “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ እምበር፣ ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳብ ዚህብ፣ ክሳብ ክንድ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዚብል ቃል ቅዱስ ወንጌል፣ ከምኡ’ውን ካብ መልእኽቲ ዮሓንስ፦ “ኣንቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ነንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቕር ዘበለ ዂሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፣ ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፣ እቲ ዜየፍቕር ንኣምላኽ ኣይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ንፍቕሩ፡ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፣ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኽ ገለጸልና።” ንዝብል ሓሳባት ጠቒሶም፣ እዚ ጥቕስታት እዚ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ብርእሳ፡ ምሕረት ብርእሳ ምኳኑ ይገልጸልና። እዚ ከኣ ከማና ሰብ ኮይኑ፣ ተሳቅዩ፡ ሞይቱ፡ ተንሢኡ፡ ዓሪጉ ኢዩ ኣድኂኑና። እዚ ተግባር እዚ ሓሲብካ፡ ኣስተንቲንካ ዝውዳእ ወይ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ኣምላኽ ፍቕሩ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዩ ገሊጹልና። ብሥራት ወንጌል ኣበሢሩና። እግዚኣብሔር ክሳዕ ክንደይ ፈቓር፡ ክሳዕ ክንደይ መሓሪ ምዃኑ ኣርእዩና። ገንሸል ፋሲካ ኮይኑ ሕይወቱ ኣሕሊፉ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ፍቕሪ መስዋዕቲ ኾይኑ ኣድሒኑና። ትንሣኤኡ ዓቢይ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኢዩ። ኣብ ዕርገቱ’ውን ሰጋ ወዲሰብ ንመጀመርያ ግዜ ንሰማይ ደዪቡ፣ ክርስቶስ ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢሩና። እዚ ኩሉ ፍቕሪ ከኣ ኣብ ቅዱስ ልቡ ተጠቓሊሉ ንረኽቦ። ልቢ ናይ ፍቕሪ ቦታ ኢዩ።

ቅድሚ 400 ዓመት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅድስቲ ማርገሪታ ኣላኮክ እዚ መንፈሳውነት ቅዱስ ልቢ ብራእይ ክገልጸላ እንከሎ፣ ኣብቲ ስእሊ እንርእዮም ሽዱድተ ምልክታት ኣሎዉ። ንወሰን ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝገልጽ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ኣብ ቀራንዮ ንዝተፈጸመ መስዋዕቲ ዝገልጽ መስቀል፡ ኣኽሊል እሾኽ፡ ዝተወግኤ ልቢ፡ ብርሃን ናይቲ ንጸልማት ኪቅንጥጥ ዝመጸ መድኃኔ ዓለም፣ እዚ ኲሉ ንምታይ እንተበልና ከኣ ከምቲ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝብሎ ‘ፍቕርና ስለዝሰሓቦ’ ኢዩ ክብሉ ውን ኣስተንተኑ። ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ቀጺሎም ንሕናኸ ግደና እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶ እንኪምልሱ፣ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ፡ ተመሓሓሩ፡ ከምቲ ኣነ ለዋህ ዝኾንኩ ለዋሃት ኩኑ፡ ከምቲ ኣነ ትሑት ዝኾንኩ ትሑታት ኩኑ፡ ከምቲ ኣነ ፈቓር ዝኾንኩ ፈቓራት ኩኑ፡ ንዝብለና ዘሎ ቃል ሰሚዕና፣ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ከምቲ እስራኤላውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፣ እዚ ዓመት እዚ መሬት ዝምለሰሉ፡ ለቓሕ ዝሕደገሉ፡ ዝተኣስሩ ሓራ ዝወጽሉ ዓመት ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ከኣ ዓመት ንስሓ፡ ዓመት ዕርቂ፡ ዓመት ምሕረትን ሓርነትን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት፣ ከምቲ ዝተባህለና ‘ነጋድያን ተስፋ’ ንኹን። ንግደት እቲ ናብ ሮማ እንገብሮ ጽቡቕ ኢዩ፣ ግናኸ እቲ ንግሆ ተንሲእካ ንቤተክርስቲያን እትገብሮ ጉዕዞ’ውን ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብተስፋ እንተገበርናዮ ንግደት ኢዮርሳሌም ኢዩ፣ ትሩፋት ኣለዎ እሞ ሃየ ኣብ ጸሎትን መንፈስውነት ቅዱስ ልብን ንትጋህ ክብሉ መዓዱ። ንደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት ከኣ ንመንፈሳውነት ቅዱስ ልቢ ንምትብባዕ ሓደ ዓቢይ ስእሊ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣወፍዮሎም። ኣምላኽ ብጠለ ዝናሙ ክዕረቀና ተመንዮም ከኣ ስብከቶም ዛዘሙ። ነጋድያን ድማ ድሕሪ መሥዋዕተ ቅድሴ፣ ነቲ ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝተፈላለየ መደባት ዝነበሮ ረፍዲ ሱባኤ፣ ብንስሓ ተሓጺቦም፣ ሥጋሁ ወደሙ ተመጊቦም፣ ዓሚቚ መንፈሳውነት ኣስተማቂሮም፣ ናብ ኣባይቶም ብሓጎስ ተመልሱ።

 

01 Jul 2025, 15:33