MAP

Timber exploitation in Nigeria's Kwara State Timber exploitation in Nigeria's Kwara State  (ANSA)

ኣብ ናይጀርያ ኣብ እተኻየደ መጥቃዕቲ ዘርኣ ክህነት፣ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ከም እተጨውዩ

ኣብ ናይጀርያ ሓደ ናይ ጸጥታ ብዓል ስልጣን ተቐቲሉ፣ 3 ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ከኣ ካብቲ ኣብ ግዝኣት ኤዶ ናይጀርያ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ብዕጡቓት ተጨውዮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 10 ሓምለ 3 ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ተጨውዮም ሓደ ሓለቓ ጸጥታ ድማ ኣብቲ ኣብ ኢቭያኖክፖዲ ግዝኣት ኢዶ ናይጀርያ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ብዕጡቓት ወርተሃደራት ከም እተቐተለ ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ኣመልኪቱ ።

ብመሰረት እቲ እተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሰበኻ ኦቺ ከም ዝገለጽዎ እቲ ጭውያ ድሕሪ ሰዓት 9 00 ድ. ቐ. ኣብ ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ዘርኣ ክህነት እቲ ጭውያ ከም እተፈጸ ኣመልከተ። ብፁእ ኣቡነ ጋብሪኤል ዱንያ ብሞት ናይጀርያዊ ሓለቓ ሲቪል ሰራዊት ዝዀነ ክሪስቶፈር ኣዌነጊመ እውን ሓዘኖም ገለጹ። እቲ መግለጺ ኣብ ዝወጸሉ እዋን እቲ ሰበኻ ከም ዘመልከቶም ምስቶም ጨወይቲ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከም ዘይተገብረ ውን ኣመልከተ።

እቶም ዝተረፉ ተመሃርቲ ከኣ ናብ ውሑስ ቦታ ገዓዙ

ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ከም ዝገለጾ እቶም ነቲ ጕዳይ ዝምርምሩ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ "ባርባራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ህዝባዊ ሰላምን ደሓንን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ" ከምኡውን "ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትን ንጹሓት መንእሰያት ተማሃሮን ዝግበር ዕሽነት ዝመልኦ ዓመጻ" ከም ምዃኑ ኢዮም ገሊጾምዎ። እቶም ዝተረፉ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም እኹል ናይ ድሕንነት ስጕምቲ ኽሳዕ ዝውሰድ ንግዜኡ ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም ኣለዉ።

ብፁዕ ኣቡነ ዱንያ ኣብዚ ግዜና ክብረ በዓል ናይቲ ኣዝዩ ክቡር ደም ኢየሱስ ኣብ ኵሉ ቍምስናታት ክበዓል እሞ ኣምላኽ ንልብን ኣእምሮን እቶም ጨወይቲ ከብርህ ጸሎትን ምህለላን ክዓርግ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

እቲ ኻልኣይ መጥቃዕቲ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ

እዚ ዘርኣ ክህነት እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ እዩ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ዘሎ ። ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2024 ዕጡቓት ወርተሃደራት መሳርያ እተዓጥቁ ሰባት ናብ ቤተ-ክርስትያን እቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ መጺኦም ነቶ ናይዚ ተቕዋም ሓለቓ ዝነበሩ ክቡር ኣባ ቶማስ ኦዮድ ጨውዮምዎ ኢዮም። ን11 መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 7 ሕዳር ከአ ተፈትሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ናይጀርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ካህናትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ካልኦት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዝወርድ ጭውያ ዘሰምብድ ብራኸ ስለ ዝረኣየ፣ እዚ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ እዚ ንበይኑ ዝርኣ ጕዳይ ኣይኰነን። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2025 ፊደስ ኣብ ዝሓቦ ጸብጻብ፣  ካብ 2015 ክሳዕ 2025 ዓ.ም. ብድምር 145 ካህንት ኸም እተጨውዩ ካብዚኣቶም ድማ 11 ኸም እተቐትሉ ዝሕብር ጸብጻብ ኣውጽአ። ቍጠባዊ ዅነታት እናገደደ ስለ ዝኸደ በጃ ንምርካብ ዚግበር ጭውያ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ገበናዊ ኢንዱስትሪ ዀይኑ ኣሎ።

15 Jul 2025, 15:39