MAP

2025.07.21 ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ንብረት ዓቃቢ ተልእኾኦም ብወግዒ ጀሚሮም 2025.07.21 ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ንብረት ዓቃቢ ተልእኾኦም ብወግዒ ጀሚሮም 

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ንብረት ዓቃቢ ተልእኾኦም ብወግዒ ጀሚሮም

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱስት ንብረትን ቦታታትን ዓቃቤ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ኣባ ፍራንቸስኮ የልፖ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ብወግዒ ኣብ ዝኣተውሉ ዕለት 21 ሓምለ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ንብረትን ቦታታትን ዓቃቢ ተልእኾ ቅዱሳት ቦታታት ምሕላው ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እዛ ምድሪ ህያው ጓሳዊ ህላወ እውን እዩ፣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ ነቲ ዓቃቤ ዝብል ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ተወፋይነትን ጻዕርን ክእለትን ናይቶም ልዕሊ 300 ዝኾኑ መነኮሳት ፍራንቸስካውያን ኣብ ቅድስቲ መሬት እውን እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ዕለት 21 ሓምለ እቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቤ ቢሎም ዝሰመይዎም ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ የልፖ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ኣብ ኢየሩሳሌም ብዝተኻየደ መንፈሳዊ ጽምብል ተሰንዮም ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባል ፍራንቸስኮ ፓቶን ናይ ዓቃቤ መንበር ማሕተምን መፍትሕ ቤተ ክርስቲያንን ተረኪቦም ዝተዋህቦም ሓድሽ ተልእኾ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብወግዒ ከም ዝጀመሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ ፍራንቸስኮ ኤልፖ ተልእኾኦም ብወግዒ ድሕሪ ምርካቦም ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፣

ኣባ ኤልፖ ምናልባት እዛ መሬት ድሕሪ ኲናት 1967 ዓ.ም. ዳርጋ ድሕሪ 1948 ዓ.ም. እውን እንተዘይኮነ፣ ኣብ ከቢድ እዋን ኣብ እትርከበሉ እዋን ኣገልግሎትኩም ትጅምሩ ኣለኹም፣ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ 22 ኣዋርሕ 57,000 ሰባት ሞይቶም፣ እቲ ብዙሕ ግዜ ዝተኣወጀ ውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ድማ ገና ኣይተፈጸመን። ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ መጥቃዕቲ ሰፋሮ ብተደጋጋምን ዓመጽ እናሰፈሐ ይመጽእ ኣሎ። ውሑዳት ክርስትያን ማሕበረሰብ ቅድስቲ መሬት ከይተረፉ ብተደጋጋሚ በቲ ዘሎ ዓመጽ ይሳቐዩ ኣለዉ - ከምቲ ኣብታ ሰፋሮ ናብ ክርስትያናዊ ቁሸት ታይበህ ዝገበርዎ ወራር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቓዛ ዝተፈጸመ ደብዳብ ሞት ሰለስተን ልዕሊ ዓሰርተ ዝግመቱ ዝወረዶም መቝሰልቲ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፣

እወ እዚ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ምዃኑ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ብፍላይ ከምቲ ዝፍለጥ ናትና ተልእኾ ምዕቃብ ቅዱሳት ቦታታት ቅድስቲ መንበር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጎኒ ክርስትያናት እዛ ምድሪ ህያው ጓሳዊ ህላወ ምዃን ዝብል እውን እዩ፣ ከምኡ’ውን ኪኖ’ቲ ዕላማዊ ብድሆታት፡ ውልቃዊ ብድሆታት’ውን ኣለዉ። ኣብ መንጎ እቲ ብሓላፍነት ዝተዋህበኒ ተራን ውልቃዊ ድሩትነተይን ዘሎ ክፍተት ኣዝየ እየ ዝፈልጦ። እዚ ክፍተት እዚ ግን ከም ዕድል እውን እየ ዝሪኦ - ንትግባሬኡ ዝያዳ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ዝህብ። እምነተይ ድማ ልዕሊ ኩሉ ኣብኡ እየ ዘቐምጥ። ምኽንያቱ ፍራንቸስካውያን ን800 ዓመታትን ብብዙሕ መከራን ኣብ ምድሪ ኢየሱስ ዘሎ ህላወ ክርስቲያን ክምስክሩ ዝኸኣሉ ብፍላይ ሳላ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ኣባ የልፖ፡ ድሮ ናይቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ተልእኾ ዓቃቤ ቅዱሳት ቦታታትን ንብረትን ወኪል ኣብ ኢጣሊያ ኮይንኩም ዘገልገልኩም ብምዃንኩም እቲ ዝተወሃበኩም ሓድሽ ሓላፍነት ንምክያድ ድሮ ውጥን ስራሕ ኣብ ኣእምሮኹም ኣለኩም ዶ?

እቲ ቅድመይ ዝነበሩ ዝኽተልዎ ዝነበረ መገዲ ክስዕብ እሓስብ። እቲ ዝዕቀብ እቲ ዝዕቅብ ኣይኮነን፣ ተወፋይነትን ጻዕርን ክእልትን ናይቶም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ፍራንቸስካውያን ዝጽንበሮ እዩ። ካብ ምምራሕ ንላዕሊ፡ ተራ ናይቲ ሓላዊ፡ ኣብዞም ብሰፊሑ ዝካፈሉ ተውህቦታት ኣብ ውሽጢ እዛ ፍልይቲ ናይ ፍራንቸስካውያን ማሕበር ኣብ ቅድስቲ መሬት ትውህቦታት ብሓደ ምምጻእ እዩ። ከምቲ ኣባ ፓተን ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት ዝገበርዎ።

ካብዞም ተውህቦታት እዚኣቶም፡ መጀመርያ ነቲ ልዕሊ ሓምሳ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዘጠቓለለ ኣህጉራዊ ባህሪ ናይቲ ተልእኾ ዓቃቤ ምጉላሕ። ዕማመይ ነዚ ጸዋዕታን ክእለትን ብውህደት ምትእስሳር እዩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ምሉእ ብምሉእ ብስብከተ ወንጌል ኣቢልካ ንክርስቶስ ብፍሉይ ናይ ፍራንቸስካውያን መንፈሳውነት ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ነጋድያን ኣብ ምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነተን ብፓትርያርክ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሩሳሌም (ቤተልሄም፡ ናዝሬትን ጃፋን ዘለዋ ሓዊስካ) ብሓላፍነት ዝተዋህበና ሰበኻታት ኣብ ምምራሕ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ስርሒት ናይተን ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝርከባ 17 ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ዓመት ኣሽሓት ተማሃሮ ብሰላም ዝሃንጻ ዘለዋን ዘጠቓልል እዩ። እዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚኣተን ተወሳኺ ዋጋ ናይ ጉስነት ስራሕና ምዃነን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ደሓር ከኣ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ህዝቢ ፍልስጥኤም ስቓይ ንምቅላል ዝዓለመ ኣገልግሎት ክርስትያናዊ ግብረ ሰናይ ኣሎ። ኩላትና ኣብዚ መዳይ ተወፋይነት ኣለና፡ ብፍላይ ድማ ኣባ ኢብራሂም ፋልታስ ኣብዚ ኣዋርሕ ኲናት ንህጻናት ኣዝዮም ኣገደስቲ ተበግሶታት ጀሚሮም ኣለዉ።

ቅድሚ ወግዓዊ ምትካል ምስ ናይ ሎሚ መእተዊ እውን እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሶርያን ሊባኖስን ንዝርከቡ ማሕበረሰባትና ብምብጻሕ ተልእኾይ ክጅምር ደልየ ነይረ። ኣብ መንጎ ክርስትያናት ጥራይ ዝብል ምብጻሕ ድማ ኣይኮነን።

ኣብ ሶርያ እውን እቶም መነኮሳት ኣሰንዮምኒ ምስ ተራዳኢ ናይ ኦርቶዶክሳዊ መንበረ ፓትርያርክ፣ ድሕሪኡ ድማ ምስ ካህን ናይ ቅዱስ ኤልያስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደማስቆ ከም እተራኸቡን። ብዕለት 21 ሰነ እታ ቤተክርስትያን እቲኣ ብእስላማውያን ኣኽረርቲ ዒላማ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኮይና ልዕሊ 30 ክርስትያናት ዝተቐተሉሉን ልዕሊ 60 ድማ ዝቖሰሉሉን እቲ ካህን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕትን ብዛዕባ እቶም ዝተቐትሉ ምእመናኑን ሓበሬታ ከም ዝሃሆም እውን ይገልጹ።

ካብ ፍራንቸስካውያን ካህናት እንታይ ትሓትቱ?
ብቐሊሉ፡ ንፉዓት ኣሃው ፍራንቸስካውያን ክኾኑ። ከምቲ ቅድሚኦም ዝነበ ሩ - እቶም ን800 ዓመታት ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ክርስትያናዊ ህላወ ዝዓቀቡን ዘረጋገጹን። ብሓልዮት ብጾቶምም ዝስነዩ ክኾን፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣጠማምታኦም ናብ ክርስቶስ ዘተኾረ ክኸውን

ኣብዚ መዓልትታትን ኣብዚ ጉዕዞን እዚ ሓድሽን ዘይግብኣኒ እንክብሉ ዝገለጽዎ ዝተኣህቦም ሓላፍነት ብዙሕ ከም ዘስተንተኑሉ ገሊጾም፣ . . . ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ ግዜ ኢየሱስ ዝነበረ ማዕበል ባሕሪ ልዑልን ዘስግእን እዩ፣ ኣብታ ጃልባ ዝነበረ ፍርሒ ድማ ዓብዪ እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ ክመላለስ ምስ ረኣይዎ ግና ፍርሖም ይሃድእ። ጴጥሮስ ክስዕቦ ይፍትን ግን ክጥሕል ይጅምር። ምኽንያቱ ናብ ኣዒንቲ ኢየሱስ ምጥማት ስለ ዘቋረጸ።

ንዓይ ንሱ እዩ እቲ መፍትሕ። ከምኡ’ውን ውልቃዊ ዕላማይን ብብጾተይ ፍራንቸስካውያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝቐርብ ሓሳብን እዩ፡ ኣብ ህቦብላታት እዛ ዓለም እዚኣ ርጉእን ብዘይ ፍርሕን ምጽናሕ፡ ኣዒንትና ኣብ ኢየሱስ ብምንባር” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

22 Jul 2025, 17:10